ድለ

ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ኣብ ዘመነ ምጻኣት ተስፋ ዳግማይ ንምርካብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ኣብ ዘመነ ምጻኣት ተስፋ ዳግማይ ንምርካብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ 

ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ ኣብ ዘመነ ምጻኣት ተስፋ ዳግማይ ንምርካብ ዘማእከለ ዓውደ ጉባኤ

“ተስፋ፥ ናይ ሰላም ግዜ ኣሎ፡ ግዜ ሰላም እውን ኣሎ” ብዝባል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 30 ሕዳር ዝጅምር ኣርባዕተ ፍጻሜታት ዘለዎ ብክሱት ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09.00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሓዳስ ዓለም ንምርግጋጽ ናይ ተስፋ ሓቀይና ምኽንያት ምርካብን ቃል ምእታው ኣብ ዝብል መሰረተ ሓሳብ ጸኒዑ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝጸንዓ ሓድሽ ቁጠባ ንናይ ሓባር ቤትና ዝምችእ ቁጠባ ኣብ ህንጸት ሰላም ዓቢ ግደ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሰላም ቁጠባ ከም ዝኾነን ከምኡ እውን ልክዕ እቲ መንሰያት ኣባላት ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ኣብዚ ዘመነ ምጽኣት 2023 ዓ.ም. “ተስፋ፥ ናይ ሰላም ግዜ ኣሎ፡ ግዜ ሰላም እውን ኣሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተወደበ ተበግሶ ካብ ዕለት 30 ሕዳር ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣብ ኣርባዕተ ፍጻሜታት ተወዳዲቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ ክካየድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣስተንትኖ ክሳብ ምስማዕ

ናይ ስነ ቁጠባ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን መንሰያት ‘ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ ንምቅስቓስ” ቁጠባ ኩሉ ንሰላም ክማዕድው ምግባርን ምእንቲ ሰላም፡ ሰላም ክሳብ ውሑስ ዝኸውን ንገዛእ ርእስኻ ሰላም ዘይምሃብ -  እዚ ድማ ሰላም ክሳብ ዝረጋገጽ ዘይምድስካል እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 6 ናብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ ‘ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ’ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብዚ ናይ ዓለም ምድንጋርን ጸልማትን ሰዓት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣማኢት ንጥፈታት ውጥናትን ዝነጥፉ መንሰያት ስነ ቁጠባን ሰብ ትካላትን ብምኽንያት ኣብ ናይ ለምዘበን ዘመነ ምጽኣት፡ ኣብ ኣርባዕተ ፍጻሜታት ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝሰናደው ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምጽባይን ተስፋን ንኹሉ! ነቲ ዓሚቝ ትርጉምን ሓቀይና ኣመክንዮታት ንሓድሽ ዓለም ተስፋ ንምግባርን ንምሕላምን ቃል ንምእታውን ከምኡ እውን ነቲ ንሰብኣዊ ተግባር ትብዓት ትርጉምን ኣንፈትን ዝህብ ተስፋ - በርገሳዊ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ - ብሓንሳብ ዳግማይ ንምምሃር ዝግበር ሓባራዊ ልምምድ “እዚ ተስፋ እዚ እዩ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንለማመድን ልዕሊ ኩሉ ብሓባር ዳግማይ ከነጓሃህሮን ይግብኣና። ኣብ ፖለቲካ ኣብ ዕዳጋታት ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተስፋ ዝቖረጹ ቦታታት ዳግማይ ክነቓቕሑ ዘይከኣሉ ዳግማይ ተስፋ ክንጅምር - ተስፋ ተስፋ ካብ ምቑጻርን በረገሳዊ ተስፋ ምቑራጽን ንላዕሊ ተላባዒ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ተስፋ ንሓድሕድና ንምቕራብ ብመራኸቢ ብዙሓን ምስፋሕን ጽቡቕ ተግባራትን ኮታ ናይ ተስፋ ልምድታት ምዕባይ የድሊ” ካብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ተበጊሱ ዝተዳለወ መደብ ምዃኑ ናይቶም ኣሰናዳእቲ መግለጺ ዝጠቀሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስነ ጥበብ ሙዚቃን ንዘተ ዝኸውን ቦታታትን

ኣስተንትኖ ስነ ጥበብ ሙዚቃን ንዘተ ዝኸውን ቦታታት ንዝግበር ጉዕዞ እውን ነቲ ካልእ መልክዕ ተስፋ እቲ ብልምምድን ተወፋይነትን ክብጻሕ ዘይከኣል ዳግማይ ንምርካብ፡ ምኽንያቱ ጸጋን ዋጋ ዘይክፈሎ ብናጻ ዝጽገው ስለ ዝኾነ። እዚ ተስፋ እዚ ትጽቢት ዝግበረሉን ዝድለን እምበር ክሕሰብ ወይ ክግመት ኣይከኣልን። ብሓቂ እቶም መንእሰያት ኣብ መንጎ ተስፋን ምጽባይን ዓሚቝ ምትእስሳር ከም ዘሎን እዚ እውን ከም ኣብነት ቋንቋ ስፓኒሽን ፑርጉጋልን እንተድኣ ርኢና “eperar - ተስፋን ምጽባይን / ተስፋን - ትጽቢትን እዩ ዘስምዕ። ናይዚ ተስፋ ምንጪ ንሕና ኣይኮናን ህያብ ስለ ዝኾነ ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ብዝኾነ ናይ ህሉው ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን ክምንዛዕ ወይ ክቕጠፍ ኣይክልን እዩ።

ስለዚ ብመንጽር ተስፋን ትጽቢትን እቶም ዝካየዱ ኣርባዕተ ፍጻሜታት ዝተወደቡ ኮይኖም ንኹሉ ክፉት ዝኾነን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንምክትታል ዝከኣልን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ ኣገባባብ ዝካየድ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቀዳማይ ፍጻሜ ኣብ ምድሪ ተስፋ ገና ኣብ ዘይረኸበት መሬት ተስፋ ከንቱ ኣይኮነን ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ትርኢት ልደት ኣብ መብልዒ ማል ኣብ ምድሪ እቶም ገና ተስፋ ዘይረኸቡ እውን ከይተረፈ ዘሎ ትጽቢት ዝስምዖም ተስፋ ክንቱ ከም ዘይኮነን ዘብርህ ቁጠባን ልደትን ትጽቢትን ተስፋን ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ስነ ቁጠባ ሊቅ ልውጂኖ ብሩኒ መደረ ከስምዑ እዮም ቀጺሎም ኣብ ካልኣይ ፍጻሜ ድማ ኣባ ቪልሶን ግሮህ ድኻታትሲ ወትሩ ምሳኹም እዮም ዘለዉ (ማር. 14) ኣብ ዝብል ኣርስቲ ዘማእከለ መደረ ከስምዑ እዮም። ካብ ቤተ ልሔም ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፋዲ ካታን ምእንቲ ሰላም ዘይምስልካይ እንታይ ማለት ምዃኑ ምስክርነት ክህቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ጋሻ ኮይነ መጸኩም ተቐቢልኩምኒ ብዝብል ኣርስቲ ዝተመርሐ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ሓወልቲ ስደተይናታት መሰረት ኣስተንትኖ ክቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

28 November 2023, 16:08