ድለ

2023.11.10 Abu Dhabi, Cattedrale di san Giuseppe, apertura del Giubileo dei martiri di Arabia (9 novembre 2023) 2023.11.10 Abu Dhabi, Cattedrale di san Giuseppe, apertura del Giubileo dei martiri di Arabia (9 novembre 2023) 

ኣቡ ዳቢ፦ ንኽብሪ ኢዮቤል ሰማእታት ምድሪ ዓረብ ቅዱስ አፍደገ ተኸፊቱ

ናይ ስዑዲ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ማርቲነሊ ንመበል 1,500 ዓመት ኢዮቤል ሰማእትነት ቅዱስ ኣሬታስን ብጾቱን ንምዝካር ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ስነ-ስርዓት ምኽፋት ቅዱስ አፍደገ ንምክያድ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጐም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንመበል 1,500 ዓመት ኢዮቤል ሰማእታት ዓረብ (523-2023) ቅድስቲ ዓመት ንምኽባር አብ እትእውጀሉ ዘላ፣ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ አብ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ካብተን ክልተ ቕዱሳት አፍደገታት እታ ካልእይቲ ተኸፊታ ።

አብቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣቡነ ማርቲነሊ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ለካቲት 2019 ናብ ኣቡ ዳቢ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ዝገበሩሉ ግላዊ ምጻሕ ናብቲ ቅዱስ አፍደገ ናይቲ ካተድራል ገበሩ ።

አብቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት መኽፋት ቅዱስ አፍደገ አብዚ ግዜ እዚ አብ ዋዕላ መራሕቲ ሓይማኖታት ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት አየር ንምስታፍ አብ አቡ ዳቢ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝግበር ርክባት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲላን ሚጐል ኣንገሎ ኣዩሶ ኺሶን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ክሪስቶፍ ዛክያ ኤል-ካሲስ ኣብቲ ጽምብል ተሳቲፎም ።

ናይ ሰሜናዊ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ አቡነ ኣልዶ በራዲ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ጥንታዊ መበቈል ክርስትና ብምዝካር ስብከት ቃል አምላኽ አካፊሎም ።

ኣብዚ ቀረባ ዘመናት ልኡካን-ወንጌል ንመጀመርታ ግዜ ናብዚ ከባቢ ምስ መጹ ክርስትና ንመጀመርታ ግዜ ምሳታቶም ዝመጸ ኮይኑ ይስምዖም ነበረ።

ኣቡነ በራዲ አስዒቦም "ሓደ መዓልቲ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ዳህሳብ አብ ዘካይዱሉ፣ ፍርስራስ ገዳማትን ኣብያተ-ክርስትያንን መስቀልን ኣብ በዓትታትን ምድረ በዳን ብሃንደበት ረኺቦምዎ " ድሕሪ ቢሎም። ስለዚ ንሕና ሓድስቲ ክርስቲያን አይኮናን ። ንሕናስ መቐጸልታ ናይታ ካብ ጥንቲ አብዚ ከባቢ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ኢና ክብሉ መስከሩ።"

ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ጥንታውያን ክርስትያን ናብራኦም ቀሊል ከም ዘይነበረን ንኣምላኽ ብምፍቃሮምን ብምኽንያት እምነቶምን  እተፈላለየ ስደት ኸም ዘጋጠሞምን ዝዝከር ኢዩ ።

እዞ ናይዚ ዘመን እዚ ክርስቲያን ኣብዚ ከባቢ ምስዳዕ ሃይማኖት ዘይነካይድ እኳ እንተኾና "ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ስራህና ኣብ ስድራቤትናን ብተአማንነትናን ጽንዓትናን ምስ ካልኦት ብዘለና ርክብን መዓልታዊ መሰኻኽር ኢየሱስ ኴንና ኽንነብር ኣሎና" በሉ።

ብጹዕነቶም አብ መደምደምታ "እዚ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትናን ኣብ ፍቕርናን ምስክርነትናን ንኽንጸንዕ ዘሎና ዘመናዊ ፈተና እዩ" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ።

ዓመት ኢዮቤል ዓረብ ታሪኻዊ ሰማእታት ይዝክር

ብ4 ሕዳር ኣቡን በራዲ ኣብ ኣዋሊ ባሕሬን ዓመተ ኢዮቤል ብምእዋጅ  ቅዱስ አፍደገ ከም ዝኸፈቱ ዝዝከር ኮይኑ፣ አብቲ ዕለት እቲ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ አብ ባሕሬን ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዩጂን ማርቲን ኑጀንት ነቲ ዕለት እቲ አመልኪቶም ስብከት ቃል አምላኽ አካፊሎም።

ቅዱስ ኣሬታስን ብጾቱን ካብታ ኣብ ጥንታዊት የመን ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ናግራን ዝመጹ ኣዕራብ ክርስትያን ኢዮም ነይሮም፣ ኣብዚ ግዜና ስዑዲ-ዓረብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ፣ እቶም ናይቲ ኣብ መንጎ ሂምያር ዝተባህለ ንግሥነት የመንን ከምኡውን ንግሥነት ኣክሱም ኢትዮጵያን ዝነበራ ጥንታውያን መንግስታት እተገብረ እተፈላለየ ግጭት ግዳያት ዝነበሩ ኢዮም ።

አብ 523 ዓ.ም. ድማ ብሰማዕትነት ተቐትሉ።

አብዚ ዘመና አብ እንረኽቦም  ብቋንቛታት ብሱርስትን ብግሪኽን ብኻልእ ቋንቋታትን እተዳለወ ጽሑፋት ገድለ ቅድስናኦም ከም ዚሕብሮ ካብ ናግራን ዝመጹ ብዙሓት ኣዕራብ ክርስትያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ከቢድ ስደት ወሪድዎም ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ብሞት ተፈሪዶም ሰማዕትነት ከም እተቀበሉ ይምስክሩልና ።

10 November 2023, 17:13