ድለ

ጉባኤ መላእ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ደናግል፥ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ጎስጓስ ጉባኤ መላእ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ደናግል፥ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ጎስጓስ 

ጉባኤ መላእ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ደናግል፥ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ጎስጓስ

እተን ገዳማውያንን ኣባላት ውፉያን ማሕበራት ደናግል በቲ ዝህብኦ ዞባውን ኣህጉራውን ኣገልግሎትን ጎስጓስን ቀዳምነት ዝወሃቦም መዳያት ናብ ስርዓታዊ ለውጢ ከብጽሓ እተን ገዳማውያንን ኣባላት ውፉያን ማሕበራት ደናግል በቲ ዝህብኦ ዞባውን ኣህጉራውን ኣገልግሎትን ጎስጓስን ቀዳምነት ዝወሃቦም መዳያት ናብ ስርዓታዊ ለውጢ ከብጽሓ

ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 23 – 24 ጥቅምቲ ናይ መላእ ማሕበራት ደናግልን ውፉያንን ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር ዛዕባ ጎስጓስ ማሕበራት ደናግል ኣማእኪሉ ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ውፉያን ደናግል ኣሓት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮትን ደገፍን ንኽረኽቡ ብዘካይድኦ ጎስጓስ ኣብ ልዕሊ መምርሕታትን ስርዓተ ሕግን ዓለም ጽልዋ ክገብራ ከም ዝኽእላን ሕግታት ሰብኣዊ ፍጥረት ብፍላይ ድማ ኣብ ወሰናስን ዝርከቡን ተነቃፍያንን ማእከል ክኾኑ ኣብ ምግባር ዓቢይ ድርኺት ክግበራ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕዳሴ ቍጠባን ዘላቒ ኣነባብራን ብዙሕነትን ዘተን ሕንጸት ትረኻን ዛንታታት ሰባት ምንጋርን ውፉያን ኣሓት ኣብ ሕዳሴ ቁጠባን ዘላቒ ኣነባብራን ኣብ ምክንኻን ምህዳርን ክህልወን ዝግባእ ተራ ከም እተሰመረሉን ብጀካ እቶም ዝተገልጹ ኣብዚ እዋን እዚ ኣዚዮም በዳህቲ ዝኾኑ ጉዳያት ንኣብነት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ስደትን ኣሳዶን ምዝመዛ ጉልበትን ጾታዊ ምዝመዛን ዝብሉ ነጥብታት ብፍሉይ ብምጥቃስ፡ ነቶም ዝተጠቕሱ ብድሆታት ንምውጋድ ኣብ ልዕሊ ናይ ዓለም መምርሕታት ተጽእኖ ገባርያን ክኾና ካብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስርዓታዊ ለውጢ ንምብዳህ ዓበይቲ ብድሆታት ዓለም

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር መላእ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ደናግል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ደረጃ ነቶም ቤት ኣልቦን ግዳም ሓደርን ኣሕዋትን ኣሓትን ቆላሕታ ክግበር ብሓባር ምስ ናይ መላእ ማሕበራት ውፉያን ደቂ ተባዕትዮ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ምስ ዝሓቆፍ ማሕበር ብዘካየደኦ ጎስጓሳት መሰረት፡ እዚ ጉዳይ እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣቃልቦ እናረኸበ ይኸይድ ምህላዉን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ግዳም ሓደርን ቤት ኣልቦን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ በቢ ዓመቱ ጸብጻብ ንኽቐርብ ከም ዝደረኻን፡ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝርከብ ጨንፍር ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢሉ ኣብ ናይ ሃገራትን ኣህጉራውን መምርሕታት ዓቐን ሰብ ብፍላይ ዓቐን ድኻታትን ዝተሓረጉን ክኸውን ብርቱዕ ተጽእኖ ዝገብራ ምዃነን ነቲ ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ዝረኣ ዘመናዊ ግልያነት ኣዳዳ ዝኾኑ ካብቲ ዝወደቕሉ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ መጻወድያ ሓራ ንምውጻእ ከይተሓለላ ኣብ ምግልጋል ከም ዝርከባ እውን ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ።

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝጣበቓ ኣሓት

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ልዕሊ 183 ሚሊዮን ስደተይናታት ከም ዘለዉን ኣብ ውሽጢ እዚ ቕጹሪ እዚ እቶም ሰማንያ ሚሊዮን በግዲ ዝተሰዱ ከም ኾኑን ነዚ ጉዳይ እዚ ዘማእከለ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ከም ዘቕርባን እዚ ጸገም እዚ እውን ፍታሕ ክረክብ ጠበቓታት ብምዃን ጎስጓሳት ዝገብራን ውግእ ጥምየት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ጠንቂ ስደት ከም ዝኾነን ውግእ ዘጎሃህራ ኢንዳትሪታት ኣጽዋር ናብ ናይ ልምዓት መጋበርያ ምቕያር ውግእን ንጥምየት ንምውጋድ ዘኽእል ምዃኑ ብዝተፈላለየ መዳይ እናሐበራ ህዝብታት ንሰላም ኣብ ምህናጽ ዝዓያ ምዃነን ኣብቲ ዘኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከም እተሓበረን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቆላሕታ ንስደተይናታት ኣብ ዓለም

ስደትን ምምዝባልን መግለጺ ናይቲ ዝተሓላለኸ እዋናዊ ኩነታት ዓለም ውጽኢት ከም ዝኾነን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካም ዝተሓረዩሉ ዕለት ኣትሒዞም ብንጹር ቆላሕታ ክግበረሉን ወጅሂ ናይቲ እነገልግሎ ክርስቶስ ምዃኖም ብምሕባር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ምድጋፎም ዝወስድዎ ስጉምቲ ጳጳሳት ዓለም ነዚ ጉዳይ እዚ ኣቃልቦ ንኽግበሩሉ ከም ዝደረኸ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ከም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ጸገም ድምጺ ምሃብን ናይቲ ጸገም ተሰካሚ ታሪኽ ናይ ምንጋር ተኽእሎ እዩ። መከራን ስቓይን ጸቒጥዎ ታሪኹ ናብ ዓለም ዘይበጽሕ ከም ዘሎ ናይዚ ዝተሓረገ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድምጺ ምዃን ናይ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሓላፍነት እውን እዩ። ስለዚ ነዚ ድማ ብዝተፈላለዩ ውጥናት መሰረት ምቕራብን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ውጥን እዚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ከም እትነብሮን ዝተፈላለዩ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ናይ ረድኤት ትካላታን ብናይ ዝተፈላለያ ውፉያን ማሕበራት ዝመሓደሩ መእለዪ ድኻታትን ዘኽታማትን ዝተነጸሉን ኣቢላ ትነብሮ ምዃና እውን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ከም እተገልጸ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ እቲ እተን ገዳማውያንን ኣባላት ውፉያን ማሕበራት ደናግል በቲ ዝህብኦ ዞባውን ኣህጉራውን ኣገልግሎትን ጎስጓስን ቀዳምነት ዝወሃቦም መዳያት ናብ ስርዓታዊ ለውጢ ከብጽሓ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 October 2023, 15:51