ድለ

ኣቢያተ ክርስቲያን ጋዛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፍጸም መጥቃዕቲ ኣየር ኣቢያተ ክርስቲያን ጋዛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፍጸም መጥቃዕቲ ኣየር  

ኣቢያተ ክርስቲያን ጋዛ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፍጸም መጥቃዕቲ ኣየር

“ንኣቢያተ ክርስቲያንን ምስአን ዝዛመዳ ትካላትን ንዜጋታት መጽለሊ ኮይኑ ዘሎ፡ ዒላማ ምግባር ኩኑን ተግባር እዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ብእስራኤል እተፈጸመ ናይ ቦምቢ መጥቃዕቲ ኣባይትኦም ዝሰኣኑ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተዓቖቡሉ

ምስ ቅዱስ ጳርፊሪዮስ ግሪኻዊ ኣርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝዳበው ጥንታው ሕንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብኡ ተዓቝቦም ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ዝቀተለ ተግባር ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ብብርቱዕ ከም ዝኾነነኦ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 19 ጥቅምቲ ምሸት ኣብ ጋዛ ዝርከብ ቀጽሪ ቅዱስ ጳርፊዮስ ግሪኻዊ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ዓሰርተ ካብ ሓንቲ ስድራ ቤት ዝርከብዎም ክርስቲያን ከም እተቐትሉን ካልኦት ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተዓጊቶም ከም ዝተረፉን እቲ ዝተደብደበ ሕንጻ ምስ ጥንታውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዝዳበው ጥንታዊ ህንጻ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሚሳይላት እስራኤል ብዝፈጠሮ ፍንጀራ ከም ዝፈረሰ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ፓትሪያርክ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

መብዛሕቲኦም ክርስቲያን ዝኾኑ ስድራ ቤት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከብዎም ኣስታት 400 ሰባት ቅድሚ ዳርጋ ክልተ ሰሙን እቲ ውግእ ካብ ዝጅመረሉ ዕለት ኣብኡ ተዓቝይቦም ከም ዝርከቡን በቲ ፍንጀራ ብዙሓት ሰባት ከም ዝቖሰሉን ብመሰረት ጸብጻብ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ካብቶም ግዳያት ሓያሎ መንሰያት ክርስቲያን ኣካል ናይቲ ብናይ ላቲን ፓትራርክ ዘኢየሩሳሌም ዝምራሕ “ውጥን ስራሕ ንምፍጣር” መደብ ሕንጸት ዝከታተሉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ መጥቓዕቲ ዝወረዶ ህንጻ ካብቲ 500 ክርስቲያን ተዓቝቦምሉ ዝርከብዎ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራ ቤት ሒደት ኣማኢት ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡

ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይከኣል ገበን ኲናት

ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም፥ “ንኣቢያተ ክርስቲያንን ምስአን ዝዛመዳ ትካላትን ንዜጋታት መጽለሊ ኮይኑ ዘሎ፡ ዒላማ ምግባር ኩኑን ተግባር እዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ ብእስራኤል እተፈጸመ ናይ ቦምቢ መጥቃዕቲ ኣባይትኦም ዝሰኣኑ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተዓቖቡሉ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፡ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይከኣል ገበን ኲናት እዩ” ከም ዝበሉ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣባይቲ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ጀርይ ፒላር፡ “ነዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቅዱስ ቀጽሪ ዝተፈጽመ መጥቓዕቲ ሕልና ኣልቦ ተግባር እንክብሉ ኮኒኖም ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ጋዛ ንመዕቆቢ ቦታታት እንኮላይ ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ትምህርቲን ኣባይቲ ኣምልኾን ዝምልከት ሓለዋታት ክገብር ንጽውዕ” ቢሎም፡ ኩሎም እቶም ማህሰይቲ ዝወረደኦም ቅልጡፍ ምሕዋይ ንኽረኽቡ ንጽልይ ነቶም ኣባይቲ ምውታት ምጽንናዕን ንፓትሪያርክ ተዎፍሎስ ዳግማውን ንኹሎም ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣባላት ኣህዋትናን ኣሃትናን ክርስቶስ ጽንዓቱ ክህቦም ንጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

21 October 2023, 17:33