ድለ

Synod of Bishops Synod of Bishops  (ANSA)

ፓትርያርክ ፒዛባላ ንእምእመናን የሩሳሌም መልእኽቲ ጸሓፉሎም፣ ምእንቲ ሰላም ከኣ ጻውዒት አቕረቡ

እቶም ናይ ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ንዓመጻ ብምዅናንን ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ፍትሓትን ነባሪ ሰላምን ንኽግበር ምሕጽንታ ንምቕራብ ናብ ምእመናን ሰበኻኦም ጉስነታዊ መልኽቲ አመሓላሊፎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ፒርባቲስታ ፒዛባላ ኣብቲ ሎሚ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዘጽእዎ ጉስነታዊ መልኽቲ ንካቶሊካውያን ምእመናን ሰባኻኦም ብዛዕባ እቲ ዘሕልፉዎ ዘለዉ "ጸገምን ስቓይን" ኣጸናንዕዎም ።

ሰባት በቲ "ኣብ ውሽጥና ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ቍጥዓን ከም ዘስፋሕፍሕ አብ ዝገብር ዘሎ ናይ “ራዕዲ ባሕሪ” ጥሒሎም ከም ዘለዉ ገሊጾም።

ጉጅለ ሓማስ ብወተሃደራዊ መገዲ ኣብ እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ወራር ምስ አካየዱ ውግእ ተባሪዑ ይርከብ አሎ፣ ነዚ አብ ግምት ብምእታው ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰሉስ 17 ጥቅምቲ መዓልቲ ጸሎትን ጾምን ንስሓን ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ፓትርያርክ ፒዛባላ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ተበግሶን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ስለ ዘቕረብዎ ጸሎትን ዘለዎ ሞሳ ገለጹ፣ ከምኡ ውን ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ዕለት 27 ጥቅምቲ ድማ ንኻልኣይ ግዜ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ንኽካየድ ንዅሎም ምእመናን አብ ጸሎትን ምህለላን ክሓብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ክርስትያን ምእመናን ኣብዚ እዋን እዚ ቐንዲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር እንተ አልዩ፣ ጸሎትን ንስሓን ምህለላን ኪኸውን አለዎ ። ስለቲ ቅዱስ አቦና ዝገብርዎ ዘለዉ ተበግሶታት ብሓቂ ካብ መዓሙቕ ልብና ነመስግኖም አሎና" በሉ።

ግፍዒ ውግእ ምዅናን

እዞም ትውልደ ኢጣልያ ዝኾኑ ካርዲናል ፓትርያርክ ናይ ኢየሩሳሌም ንምእመናኖም ነቲ ወንጌላዊ መንፈስ ዝመልኦ መልእኽቲ ተስፋ ክቕበልዎ ተማሕጸንዎም።

ክርስትያን ምእመናን ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ቅልውላው ምስቲ ካብ ወንጌል ዝምንጩ "ከምቲ ናይ ኢየሱስ" ዝኾነ ስምዒትን ርድኢትን ክህልዎም ከም ዘለዎ አመልከቱ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ክርስትያን ምእመናን 'ምምስካር ምዅናን ምጽዋዕ ምጽንናዕን ምትብባዕን' ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ገለጹ።

ዓመጻ ምጥቃም ምስ ወንጌል ከም ዘይቃዶን ሰላም ከም ዘየምጽእን ብምግላጽ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ እተፈጸመ "ግፍዒ" ብዘየማትእ መገዲ ኰነንዎ።

ፓትርያርክ ፒዛባላ ወሲኾም ከምዚ በሉ - "በዚ ኸምዚ ዝበለ ሕልና ኣብ ልበይ ከቢድ ጾር ስለ ዝስምዓኒ  እዚ ሓድሽ ክስተት ዓመጻ እዚ ኣብ ጋዛ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፣ እንተላይ ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ብኸቢድ ከም ዝተጐድኡን፣ ሰፈራታት ከም ዝዓነውን ከምኡ ውን ሕጽረት መድሓኒት ሕጽረት ማይ ከምኡውን ንልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ብንጹር ንኽምከቶ ሓጊዙኒ ኢዩ።"

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ፍጻመታት "ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና!" ከምኡውን "ምሉእ ብምሉእ ክንኵንኖን ክንነጽጐን ግዴታ ኣሎና" በሉ።

ወሲኾም ድማ "እቲ ንሓያሎ መዓልትታት ኣብ ጋዛ ዝወረደ ኸቢድ መጥቃዕቲ ዝያዳ ሞትን ዕንወትን ጥራይ ኢዩ ዘምጽእ፣ ጽልእን ቂምን ጥራይ ኢዩ ከአ ዝውስኽ" በሉ። "ዝዀነ ይኹን ጸገም ኣይፈትሕን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ሓድሽ ጸገም እዩ ዚፈጥር። እዚ ውግእ እዚ ማለት ነዚ ዕሽነት ዝመልኦ ዓመጻ ደው ክብል ጥራይ ኢዩ ዘለዎ" በሉ አብ መልእኽቶም።

ፓትርያርክ ፒዛባላ ነቲ "ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ውሕስነት" ከምኡውን "ንህዝቢ ፍልስጥኤም ንጹርን ውሕስነት ዘለዎን ሃገራዊ ኣረኣእያ" መታን ክሃንጹ መወዳእታ ኽግበረሉ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ተሪርን ቀጻልን አብ መስርሕ ሰላም ክሰርሕኡሉ ዝኽእሉ እንኮ መገዲ ምዃኑ ገለጹ።

"እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ብዙሓት ግዳያት ኰነ፣ እቶም ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ግዳያት ዝሓቱና እንተሎ እዚ ኢዩ" በሉ። "ነዚ ሕማቕ ተግባራት እዚ ንዝገብሩ ሰባት ክንገድፎም መሰል የብልናን።" ክብሉ ብትሪ ገለጹ።

ሰላም ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እከይ

ብድሕርዚ ብፁዕ ካርዲናል ጠመተኦም ናብ ክርስቶስ ብምምላስ ነቶም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝነበሩ ክርስትያን ምእመናን ተስፋ ምእንቲ ከስንቕዎም እንካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ቃል ይጠቕሱ (16፡ 33)።

"እዚ ዝነግነኩም ዘሎኹ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ ኢለ ኢየ። ኣብ ዓለም ጸበባ ፈተና አሎኩም፣ አጆኹም ኣነ ግና ንዓለም ስዒረያ እየ።” ብምባል አጸናንዕዎም።

ብፁዕነቶም ከምቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ መከራ እናሃለወ ኽነሱ ኣብቲ ውግእ ድሮ ኸም ዝሰዓሩ እዩ ዜዘኻኽሮም ዘሎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ውን ኢየሱስ ንእከይ ኣብ መስቀል ስለ ዝሰዓሮ ኣልባብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብሰላም ክመልእ አለዎ ከመይሲ "ብኣጽዋር ዘይኰነስ ወይ ውን ብፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ውን ብቕልጽም ወይ ውን ብዓመጽ ሰላም ክርከብ አይከአል ኢዩ።"

"ስለዚ ኸኣ ኢና ሎሚ አብ እምነትና ክንጸንዕ ዘሎና" በሉ። "ኢየሱስ አብ ቅዱስ ወንጌሉ እቲ ብዛዕባ ትብዓት ደቀ መዛሙርቱ ዝተዛረቦ ሓቁ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላም ፍቕርን ዓቢይ ትብዓትን ዝሓትት ኢዩ።"

ፓትርያርክ ፒዛባላ ክርስትያናዊ ፍቕርን ሰላምን ደአ እምበር ንልብናን ተግባራትናን "ጽልኢ ሕነ ምፍዳይ ቍጥዓ ከምኡውን ስቓይ" ንኽመልኮ ከም ዘይንፈቅድ ገለጹ። ኣብ ክንድኡስ ነፍስ ወከፍና ፍትሒ ኽንገብርን ነቲ "ኣብ ከባቢና ዘሎ ምጉዳል ሓቅን ፍትሕን ዘስዓቦ ከቡድ ስቓይን መከራን" ክንዅን ጻውዒት አቕረቡ።

እቶም ዝሓዝኑ ዘለዉ ግዳያት ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ ንጸሊ

ኣብ መደምደምታ ፓትርያርክ ፒዛባላ ንክርስትያን አሕዋትን አሓትን ዋላ እውን እንተ ዘይተሰማምዑ አብ ሓድነቶም ኪጸንዑ ተማሕጸንዎም።

ምእንቲ እቶም ግዳያት ናይቲ ውግእ ዝዀኑ ንጹሃት ሰባት እውን ጸሎት አዕረጉሎም፣ ነቶም ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ባዚሊ ቅዱስ ፖርፊሮስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን ብዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምብ ዝሞቱ 18 ሰባት ድማ ዘከሩ።

ብፁዕነቶም ነቶም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዝነበሩ ክርስትያን ምእመናን ብ25 ጥቅምቲ በዓል ቅድስተ ማርያም ንግስቲ ፍልስጥኤም ከብዕሉ ጻውዒት ብምቕራብ "መላእ ሰበኻኦም አብቲ ዕለት እቲ ብጸሎትን ብሓድነትን ምእንቲ ሰላም ክምህለሉ፣ ምእንቲ ዓለማዊ ሰላም ዘይኰነስ ነቲ ክርስቶስ ዝህበና ሰላም ብሕብረት ጸልዩ" ክብሉ መልእኽቶም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

24 October 2023, 17:42