ድለ

ፓትሪያርክ ፒዛባላ ኣብ ጋዛ ዝተበገሰ ኩናት ነዊሕ ከይከውን ብምስጋእ ቶኽሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ ፓትሪያርክ ፒዛባላ ኣብ ጋዛ ዝተበገሰ ኩናት ነዊሕ ከይከውን ብምስጋእ ቶኽሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ  (REUTERS)

ፓትሪያርክ ፒዛባላ ኣብ ጋዛ ዝተበገሰ ኩናት ነዊሕ ከይከውን ብምስጋእ ቶኽሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡ

ማሕበረሰብ ዓለም ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዘርእዮ ዘሎ ንላዕሊ ንጉዳይ ማእከላይ ምብራቕን ንጉዳይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዳግማይ ክጥምት ክጅምር ኣለዎ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽትል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ካርዲናል ፒዛባላ ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ጋዛ ኣብ መንጎ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዝተባርዐ ኲናት ዘሕደረሎም ሓዘንን ጭንቀትን ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒዛባላ ፓትሪያርክ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም በቲ ኣብ እስራኤልን ጋዛን ዝተለዓዓለ ወግእ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፡ ሓደ መዓልቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲናት ክለዓል ከም ዝኽል ግሙት እዩ ነይሩ፡ ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ዝተለዓዓለ ኲናት ነዊሕ ክጸንሕ ዝኽል ይመስል እንክብሉ ቶኽሲ ደው ክብል እዞም ዕለት 10 ጥቅምቲ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመስሉ ካርዲናል ጻውዒት የቕርቡ።

ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊስኩም። እቲ ህልው ኩነታት እንታይ ይመስል ዘለኩም ጦብላሕታ እንይታ እዩ? ብሓገዝ በርገሳውያንን ወተሃደራውን ሰበ ስልጣን እስራኤልን ዮርዳኖስን ጥራይ እየ ክምለስ ዝኸኣልኩ። ምኽንያቱ ብዮርዳኖስ ኣቢለ ስለ ዝተመለስኩ፡ በቲ ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ተገሪመን ምስ ኣብ ፍርሒ ዘላ ሃገር እየ ዝተራኸብኩ። ፍርሒ ከም ዘሎ ኣስተውዒለ።

ብዙሕ ዝወጹ ሓበሬታን ዝወሃቡ ርእይቶታት ናይዘን ሰዓታት ፍጻመ ዘይግመት ምዃኑ ዘመልክቱ እኳ እንተኾነ ንኣዋርሕ ግን ከምዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ናብ ዝያዳ ከቢድ ነገር ከመርሕ ዝኽል ዝነበረ በብቑሩብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዓመጽ ትርእዩ ኣለኹም፥ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዓንተውኡ ዝግምቶ ዝነበሩ ኩነት እዩ። ይኹን እምበር እቲ ስፍሓቱን ጭካነን ግን ብፍጹም ዘይሓስቦ እዩ። ኣቐዲሙ ክግምት ዘይከኣል እዩ። . . . ተስፋታት ሰላም ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን እናኸበደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ትንበያታት ምግባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ይርድኣኒ እዩ። ግን ንዝቕጽሉ ሒደት ሰዓታት ንዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ክህልዉ ዝኽእሉ ትርኢት ክትዕዘቡ ትኽእሉ ዶ? ብርግጽ ኣብዚ እዋን እዚ ትንበያታት ክትገብር ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘይኮነስ ኣብ ዝተኣወጀ ኲናት ከም ዘሎና ንጹር እዩ። ኣዚዩ ነዊሕ ኲናት ድማ ከይከውን እሰግእ። ምናልባት ምላሽ እስራኤል ኣብ ደብዳብ ቦምብታት ዝተሓጽረ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ መሬት ስርሒት እውን ክህሉ እዩ። ኣብ ህይወት እዛ ሃገርን ኣብ ዝምድና እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሃንደበት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝኣተና ንጹር እዩ።

ንማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ክትብሉ ትደልዩ? ማሕበረሰብ ዓለም ካብቲ ክሳብ ሕጂ ዘርእዮ ዘሎ ንላዕሊ ንጉዳይ ማእከላይ ምብራቕን ንጉዳይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዳግማይ ክጥምት ክጅምር ኣለዎ። ከምኡ’ውን ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ንውድባት ብናይ ግድን ህዝባዊ ዘይኮነ ሽምግልና ናብ ምኽንያታውነት ንምብጻሕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያት እቲ ናይ ህዝቢ ፈጺሙ ይሰርሕ የሎን። ደገፍ የድልየና ኣሎ፡ ንኹሉ ዓይነት ዓመጽ ክንኩንኖ ዓመጽቲ ፈሊና ክንርእዮም ተኹሲ ደው ምባል ብዘይ ዕረፍቲ ክንሰርሕ ኣሎና። ምኽንያቱ ኣጽዋር ክሳብ ዝዛረብ ካልእ ድምጺ ንምስማዕ ዝከኣል ኣኮነን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

12 October 2023, 15:58