ድለ

ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብ ከባቢ ሮማ ከተማ ሳክሮፋኖ ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤ

ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዚየ፥ “ድሕሪ ደጊም ኣብ ወንጌል እንተዘይኮይኑ ካብ ካልእ መጻሕፍቲ ዝረኽቦ የብለይን፡ እዚ መጽሓፍ እዚ ይኣኸልኒ”

ኣብ ሲኖዶስ ንዝሳተፉ ኣቡናትን ልኡኻትን ፍሉያት ዕዱማትን ብጠቕላላ ዘሳተፈ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳክሮፋኖ ኣብ ዘሎ ቤተ ሕውነት እተሰምየ ቤተ ሱባኤ ክሳብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ዝቕጽል መንፈሳዊ ሱባኤ ምሸት ዕለት 30 መስከረም ከም እተጀመረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባላት ሲኖዶስን ሕውነታዊ ልኡካንን ፍሉያት ዕዱማት ኣብቲ መበል 16 ስሩዕ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ኩሎም ኣብ ከተማ ሳክሮፋኖ ክሳብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ዝተጀመረ መንፈሳዊ ሱባኤ ይሳተፉ ምህላዎምን፡ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣብቲ “ብሓባር” ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተኻየደ ጸሎት ዋዜማ ምእንቲ ሲኖዶስ ድሕሪ ምስታፎም ዕለት 30 መስከረም ምሸት ናብታ ካብ ከተማ ሮማ 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ሳክሮፋኖ ናብ ዘሎ ቤት ሕውነት ናብ እተሰምየ ቤተ ሱባኤ ከም ዝኸዱን፥ ሰባኬ መንፈሳዊ ሱባኤ በነዲክታዊ መነኮስ ኣባ ቲሞትይ ፒተር ጆሴፍ ራድኪሊን እናቴ ማሪያ ኢግናዚኣ ኣንጀሊኒ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 30 መስከረም ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ስብከት እናቴ ማሪያ ኢግናዚኣ ኣንጀሊኒ ኣስተትኖ ሱባኤ ከም ዝለገሳ የመላኽት።

ሰንበት ዕለት 1 ጥቅምቲ - ስብከት እናቴ ኣንጀሊኒ

ስንበት ዕለት 1 ጥቅምቲ እናቴ ኣንጀሊኒ ዘቕረበኦ ቀዳማይ ኣስተንትኖ “ምስቲ ዝተናዕቀ እምኒ ኩርናዕ ምስ ዝኾነ ኢየሱስ ብሓባር ምጉዓዝ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተኮረ ከም ዝነበረን፥ ካልኣይ ኣስተንትኖ ብኣባ ቲሞትይ ራድክሊፍ ዝቐረበ ኮይኑ፥ ንሶም ዝወሰድዎ ኣርእስቲ ድማ “ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ተስፋ ምግባር (ተስፋ ኣንጻር ኩሉ ተስፋታት)” ኣብ ዝብል ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 4, 18 ዝተወስደ ቃል ምንባሩ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን፥ እናቴ ኣንጀሊኒ፥ ቅድሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ቃለ ኣስተንትኖ፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ናይ መበል 26 ተራ ሰንብት ካብ ወንጌል ማቴዎስ ካብ ምዕ. 21, 28 – 32 ዝተወስደ ምንባብ ዘማእከለ ኮይኑ፥

ቅድስቲ ተረዛ ዘሊዚየ፥ “ድሕሪ ደጊም ኣብ ወንጌል እንተዘይኮይኑ ካብ ካልእ መጻሕፍቲ ዝረኽቦ የብለይን፡ እዚ መጽሓፍ እዚ ይኣኸልኒ”  ካብ ዝበለቶ ቃል ተበጊሰን፥ ሰፊሕ ኣስተትንኖ ከም ዝለገሳን፥ ድሕሪ ቐትሪ ካልኣይ ኣስተንትኖ ብኣባ ቲሞትይ ራድክሊፍ ዝቐረበ ኮይኑ፥ ንሶም ዝወሰድዎ ኣርእስቲ ድማ “ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ተስፋ ምግባር (ተስፋ ኣንጻር ኩሉ ተስፋታት)” ኣብ ዝብል ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 4, 18 ዝተወስደ ቃል ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

02 October 2023, 16:04