ድለ

ISRAEL-PALESTINIAN-RELIGION-CHRISTIANITY-CONFLICT ISRAEL-PALESTINIAN-RELIGION-CHRISTIANITY-CONFLICT  (AFP or licensors)

ናይ የሩሳሌም ግሪኽ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ፦ 'ልበይ በቶም ዝሳቐዩ ዘለው ኣሕዋት ጕህዩ አሎ'

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጋዛ አብ ልዕሊ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፖርፊርዮስ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምብ 18 ክርስትያን ኣሕዋት ምስ ዝተቐትሉ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ሳልሳይ ምስ ኦዘርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክርስቲያን ምእመናን "ገበርቲ ሰላም ንኪዀኑን ፍትሒ ንኺደልዩን" ዘለዎም ግዴታ ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ዕለት 22 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም በቶም ኵለኣዊ ፓትርያርክ "ካቶሊኮስ" ዝተመርሐ አብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ጐይታና ምእንቲ ሰላም ፍሉይ መደብ ጸሎት ተኻይዱ።

አብቲ በቶም ኦርቶዶክሳዊ ፓትሪያታክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቴዎፍሎስ ሳልሳይ ዝተመርሐ መደብ ጸሎት፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ አብ እስራኤል ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኣዶልፎ ቲቶ ዪላና ከምኡውን አብ ቅድስቲ መሬት ንናይ ቅድስቲ መንበር ርስቲ ዓቃቢ ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ከም ዝተሳተፉ ዜና ቫቲካን አፍሊጡ።

ኣብ መወዳእርታ ናይቲ መደብ ጸሎት ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ነዚ ዝስዕብ ቃለመሕትት ምስ ኦዘርቫቶረ ሮማኖ አካይዶም።

ሕቶ - እቶም ካብቲ ኣብ ልዕሊ እታ አብ ጋዛ ትርከብ ቤተ-ክርስትያንኩም ዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምብ  ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ዝደሓኑ ክርስትያን አብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ?

እቲ አብ ጋዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ አብ ልዕሊ ቤተክርስትያና ዝወደረ መጥቃዕቲ አብቶም አብ ጋዛ ዝርከቡ ክርስቲያንን ከምኡ ውን አብ ዝተረፈ ክፋላት እታ ቅድስቲ መሬትን ከቢድ ጽልዋ አሕዲሩ ኢዩ።

እቶም ካብዚ ዘስካሕክሕ ቦምባዊ መጥቃዕቲ ዝደሃኑ ብሓቂ ጸዋራትን መንፈስ ክርስቶስ ዝመልኦም ሰባት ኢዮም። ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ፈተነ እምነቶም ክምስክሩ ተረኺቦም ኢዮም። ጸበባ እኳ እንተ አጋጠመና ምእንቲ ክንሓውን ብርታዐ ምእንቲ ክንረክብን ንሓድሕድና ንኽንደጋገፍን ከም ሓደ ማሕበረሰብ መጠን ተአኻኺባና ኢና።

ክርስቲያን ምእመናን ከም ምዃና መጠን ገብረቲ ስለም ክንከውንን ንፍትሒ ከነናድን ኢና ተጸዊዕና ዘሎና። ነቲ ዓቢይ ገበን ዝኾነ ውግእ እንህቦ ምላሽ ከአ ንወድሰብ ካብቲ ናይ ውግእ ጸልማት ከናግፎ ዝኽእል ብርሃን ተስፋን፡ ጽንዓት እምነት ምዃኑ ኢዩ።

ሕቶ - ነዞም ሰባት እዚአቶም ኸተዕቍብዎምን ንኽትድግፍዎምን ከመይ ዝበለ ተበግሶታት ኢኹም ተገብሩ ዘሎኹም ?

አብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኵልና ክርስቲያን ኣሕዋትን አሓንትን ንዅሎም እቶም በቲ አብ ጋዛ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተጐድኡ ሰብት ንምድጋፍን ዑቕባ ንምሃብን ኢድና ክንዝርግሕ ቅዱስ ግዴታና ኢዩ።

ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ፓትርያርክን ካልኦት መራሕቲ ኣብያተ - ክርስትያንን ኣቢሎም፣ ነቶም ብዙሕ ስቓይ ዝወርዶም ዘሎ ሰባት ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ንምሃብ ደኺመ ኸይበሉ ይሰርሑ አለዉ ። እተን ናይ ግብረ - ሰናይ ውድባትና ድሕሪ እቲ እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ማይን ኤለክትሪክን መግብን መድሃኒትን ንምቍራጽ ዝገበርዎ ውሳኔ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ምግብን መጽለልን መድሓኒትን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት ንምምላእ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ መሻርኽትና ይተሓባበራ ኣለዋ ።

ብጸሎትን ጠበቓነትን ከምኡ ውን ተግባራዊ ደገፍ ብምልጋስ ነቲ ኣብዛ ፍቕርን ድንጋጽን ዘድልያ ዘሎ ዓለም መበሰርቲ ሰላምን መዓይይቲ ምሕረትን  ክንከውን ንዝጸውዓና ትምህርትታት ክርስቶስ ብምስዓብ ነቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተጐድኡ ንምዕቋብን ንምድጋፍን ቈራጽነትን ተበግሶታትን ንገብር አሎና።

ሕቶ - ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዚነብሩ ህዝብኹም ከ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ ?

ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብና ዘሎ ኣረኣእያ ሓደ ኻብቲ ተስፋን ተጻዋርነትን ንእምነትና ዘሎና ዓሚቝ ቈራጽነትን እዩ ። ኣብቲ ኸባቢ እተሓላለኸን ኣጸጋምን ኵነታት እኳ እንተሎ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግን ንትምህርትታት ክርስቶስ አብ ምስዓብ ጸኒዖም ኢዩም ዝርከቡ ዘለዉ ።

ኣብዛ ምፍልላይን ብዙሕ ክርክራት ዘለዋ ሃገር ሰላምን ውሕስነትን ካብ ምድንፋዕ ኣይከነቋርጽን ኢና። ኣብ መንጎ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን እምነትን ዘለዎም ሰባት ድልድል ንምስራሕ ብምጽዓር ኣብ ውህደት እተፈላለዩ እምነታትን ምትሕብባርን ብንጥፈት ንካፈል አሎና። ክርስቲያዊ ማሕበረሰብና ነቲ ቐንዲ መሰረት ክርስትና ዝዀነ፣ መልእኽቲ ፍቕርን ምሕረትን ዕርቅን ህያው መሰኻኽር ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነቶም ኣብዚ ኸባቢ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጋዛ ብዜስካሕክሕ ደብዳብ ኣየርን ብተዅስን ዝወርዶም ዘሎ ስቓይን መከራን ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና።

ኣብ መወዳእትኡ መልእኽትና ሓደ ኻብቲ ዘይነቓነቕ እምነትን ንሰላም ዘሎና ቘራጽነትን ከምኡውን ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ብርሃንን ተስፋን ስኒትን ዘለዎ መጻኢ ንኽንረክብ ተስፋ ብምግባር ገበርቲ ሰላም ክንከውን ከም እተጸዋዕና ዝገልጽ እምንቶ ኢዩ ዘሎና ። ኣብዚ ቕዱስ ዝኮነ ግን ከአ ሽግር ንዘለዎ ዞባ ሰላምን ፍትሕን ደሓንን ንምርካብ ካብ ምጽላይን ካብ ምዕያይን ኣይከነቋርጽን ኢና።

ሕቶ - እቲ ብግልኹም ንዓኹም ዝስምዓኩም ዘሎ ስቓይካን ቃንዛን ከምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎኩም ኣጸጋሚ ዅነታት ክግምቶ እኽእል ኢየ ። አብዚ ኩነታ እዚ ንዓኹም ዝስምዓኩም ብኸመይ ምገልጽኩምና ?

ፓትርያርክ የሩሳሌም ከም ምዃነይ መጠን ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ አሕዋትና ካልኦት መራሕቲ  ኣብያተ-ክርስትያን ኰይነ ንመንፈሳዊ ድሕንነትን ውሕስነትን እቶም ኣብዚ ዞባ እዚ ዘለዉ ክርስትያን ምእመናና ሓላፍነት ተሰኪመ አሎኹ፣ ከምኡ ውን ኣብ ክንዲ ዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክርስትያን ኣሕዋትናን አሓትናን ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዚግበር ንግደታት ድማ ዝከታተል እየ።

እዚ ቦታ እዚ ብፍላይ ኣብ እዋን ህውከትን ግጭትን ዓብዪ ብድሆታትን ኣጸጋሚ ውሳነታትን ዜምጽእ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብሕታዊ ስምዒታትና ኣብቲ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ንኽንዕቅብ ዝመርሓና ትምህርትታት ክርስቶስ እተመስረተ ክኸውን አለዎ።

ንዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብና ኣጸቢቐ እድንግጸሎም ኢየ፣ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘጋጥሙ ዘለዉ ጸገማት ጸይሮም ምስ ዝሓልፉ ዘለዉ ዅሎም ኸኣ ልበይ ይሳቐ አሎ ። ነቲ ክርስቶስ ብዛዕባ ርሕራሐን ይቕረ ምባልን ምትዕራቕን ዝሃቦ መልእኽቲ ብምንጽብራቕ ብኣብነት ናይ ምምራሕ ዓብዪ ሓላፍነት ከም ዘለኒ ኢዩ ዝስምዓኒ።

ብድሆታትን ብሕታዊ ጸገማትን እናኣጋጠመና ኽነሱ ግን ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ "በቲ ሓይሊ ዝሕበኒ ንዅሉ እኽእሎ ኢየ" (ፊልጲ 4፡ 13) ንዝበሎ ቓላት ዘኪረ እጸናናእ ። ፍትሕን ሰላምን ደሓንን ኵሎም ደቂ ኣምላኽ ኣብዛ ቕድስቲ መሬት እዚኣ ኣብ ምስራሕ ዘሎኒ ሕልኽልኽ ዝበለ ግደ በዚ ብርታዐን ደገፍን ናይቶም አመንቲ ዝኾኑ ማሕበረሰብና ኢየ ዝጓዓዝ ።

24 October 2023, 17:34