ድለ

2023.10.06 Blessed Abba Ghebremichael Priests Union 100 years Jubilee 2023.10.06 Blessed Abba Ghebremichael Priests Union 100 years Jubilee  

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ምሥረታ ምኅበር ካህናት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ኤጳርቅና ከረን

ዝሓለፈ ሮቡዕ ዕልት 4 ጥቅምቲ 2023 ማሕበር ካህናት ኤጳእቅና ከረን ብፁዕ አባ ገብረ ሚካኤል ሰማዕት መበል 100 ዓመት ኢዮቤል ምስረታኡ አኽቢሩ፣ አብሪ ዝኽሪ ዕለተ ልደት ብጹዕ ኣባ ገብረሚካኤል ዝኸብረሉ ዕለት መለእ አባላት ማሕበር ብጹዕ አባ ገብረሚካኤልን ካብ ኩሉ ቁምጽናታት ዝመጹ ምእመናንን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣባ ፍሥሓ ተኪኤ - ከረን ኤርትራ

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ማኅበር ካህናት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት፡ ነቲ ብ1923 ካህናት ኣቦታት ዝመስረትዎን ንጉዕዞ ሚእቲ ዓመት ዘሰነየና ኣምላኽ ከነመስግንን እንዝክሮ ዘሎና ክብረ በዓል ኢዩ።

ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን
ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን

እዚ ማሕበር እዚ ካህናት ኣቦታት ኣብ፦

·      መንፈሳውን ማሕበራውን ሕይወቶም ክሕግዞም

·      ኣብነት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ንክኽተሉ

·      ንቅድስና ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ንኽጽዕሩ ዝቆመ ማኅበር ኮይኑ።

ክብረ ብዓል ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ብደረጃ ሰበኻ፡

·      ዓመታዊ ክብረ በዓል ምእመናን 23 ነሓሰ ዕለት-ሰማዕትነቶም

·      ናይ ካህናት ማኅበር ዓመታዊ በዓል ድማ ኣብ ዕለት ትውልዶም 23 መስከረም ይኸብር።

ብምኽንያት 100 ዓመት ኣልማዛዊ ኢዮቤል ማኅበር ካህናት ብፁዕ ኣባ ገ/ሚካኤል ሰማዕት ንምእመናንን ካህናትን ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ብዛዕባ ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ንዘለዎም ኣፍልጦ ከነዕብን፡ መንፈሳውነቶምን ሰማዕትነቶምን ከነስተምህር፡ ኣብ ቊምስናታትናን ቤተ ጸሎታትናን ብስሞም መንፈሳዊ ማሕበር 12 ከነቀውምን ነዚ ዓመት እዚ ኣፍልጦ ምእመናናን መንእሰያትናን ክሰፍሕ ኣስተምህሮታትን ጎስጓስትን ካብ መስከረም 2022-መስከረም 2023 ተኻይዱ

ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን
ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን

ብፁዕ ወይ ቅዱስ ዝበሃል ኣብ ዝተወሰነ ማሕበር ዝተርፍ ዘይኮነ ናይ መላእ ቤተክርስቲያንን ማሕበረ ኣመንትን ኢዩ። በዚ መሰረት ኲልና ቤተ ክህነትን ምእመናንን መንገዲ ብፅዕናን ቅድስናን ክንርዳእ፡ ኣፍልጦና ከነዕብን ብፁዕ ኣቦና ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ኣሰሮም ክንስዕብ ናይዚ ዓመተ ኢዮቤል ብሱባኤን ኣስተምህሮታትን ጸሎት ናብ ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕትን ብምዕራግ ነኽብሮ ኣሎና።

ንዕለተ በዓሉ ብድሮ ዋዜማ ኩሎም ካህናት ብማእከልነት ብጹእ ኣቡነ ኪዳነ ዘዕርግዎ ውዳሴን ናይ ንግሆ ማህሌትን ድሕሪ ምዕራግ፡ ካብ ኩሎን ቊምስናታት ዝተወከሉ ምእመኣናን ሰበኻን፡ ማሕበራትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ተሰንእዩ ምዕሩግ ቅዳሴ ዓሪጉ። ብፁዕ ጳጵስ ኣብ ዘስተምሃርዎ ናይ ዕለቱ ቃል፦

ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን
ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን

 “ሞዕዎ ለእኩይ ሕሊና በእምነቶሙ እስመ ሰናይ ገድል ተጋደሉ” ነቲ እኩይ ሕልና ዝኾነ ናይ ሰይጣን ስራሕ ብእምነቶም ስዒሮም ብሰናይ ገድሊ ከኣ ተገዳሉ ዝብል ጸሎት ናይ ዕለቱ ንረክብ። ካልእ በደል ከይተረኽቦም ሓቀኛታትን እሙናትን መሰኻኽር ወንጌል ብምዃኖም ጥራይ መግረፍትን መሪር ግፍዕን ዝወረደሎም ዓቢይ ገድሊ ዝፈጸሙ፡ ንዓለም ብርሃን ኮይኖም ካብ ዘለው ቅዱሳንን ሰማዕታትን ሓደ ዝኾኑ ብጹእ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ናይ ዝትመርኮሱ ካህናት መበል 100 ዓመት ነብዕል ኣሎና።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘበሰሮ ቃል ሕይወትን መንገዲ ሓቅን ጽድቅን ተጻሪሩ ናብ መስቀል ክበጽሕ ዝገብሮ እኩይ ሰይጣን ብሞትን ሰናይ ገድልን ስዒሩ ንዘርኣዮም ኣብነት ንዓኡ ተኸቲሎም ብሰማዕትነት ዝሓለፉ  ቅዱሳን ሰማዕታት ተኸቲሉ ብሰማዕትነት ዝሓለፈ ብጹእ ኣባ ገብረሚካኤል፡ ናይ ዘመንና ኣብነት ኢዮም።

ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን
ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን

ማቴዎስ ወንጌላዊ 23 ኢየሱስ ካብ ቤተ መቅደስ ወጺኡ ናብ ደብረዘይት ከደ ዝብል፡ ቅዱስ ቄርሎስ ክርስቶስ ካብ ቤተ መቅደስ ኣይሁድ እንክወጽእ 3 ነገራት ሒዙ ወጽአ

·      ትንቢትን፦ ንሱ ጎይታ ትንቢት ኢዩ እሞ ነቲ ትንቢት ስለዘይተቀበልዎ ሎሚ ነቢይ ዘይብሎም ገበሮም

·      ክህነትን፦ ንሱ ሊቀካህናትን ሰያሜ ካህናትን ኢዩ እሞ ሎሚ ክህነት ኮነ መስዋዕት ዘይብሎም ኮይኖም ተረፉ

·      መንግስትን፦ እቲ ንነገስታት ሰያሚ ዝኾነ ክርስቶስ ስለዘይተቐበልዎ ዘመሓድር መንግስቲ እቲ ብነቢይ ተቐቢኡ ብናይ እግዚኣብሔር ፍቃድ ዝነግስ ዝንበረ ሎሚ የልቦን

ካብ ቅዱስ እስቲፋኖስ ጀሚሮም መቕተሊኦም ንናይ ጎ/መ/ኢ/ክ/ስ ንትምህርቱን ስለዝመስከሩን፡ ንሞት ንሰማዕትነት ተቀበሉ። ሎሚ ንዝክሮ ብጹእ ገብረሚካኤል ዝቀደሙ ሰማዕታት ብኣረሜን ክቅትሉ ንሱ ግና ብክርስቲያን ዝኾኑ ንክርስቶስ ዝኣምኑ ኢዩ ተቀቲሉ፡ በዚ ከኣ ፍሉይ ይገብሮ።

ቅዱስ ዳዊት፡ “ነዋሕቲ ኣግራብ ሊባኖስ ተኸልካ ኣብኡ ከኣ ኣዕዋፍ ክፈርያ ኢየን” ይብል። ዓቢይ ነዊሕ ገረብ ዝተባህሉ ከም ብፁዕ ገብረሚካኤል ዝበሉ ቅዱሳን ኣበው ጻድቃን ሰማዕታት ኢያቶም። ኣዕዋፍ ዝተመስልና ከኣ ንሕና ደቂ ኣዳም ኢና። ነዊሕ ገረብ ጽላላቱ ርሑቅ ስለዝኸይድ እቶም ናብኡ ገና ዘይቀረቡ ኣብ ዘለውዎ ካብ ጸሓይ ከጽልሉ ዝኽእሉ፡ ብፁዕ ገብረሚካኤልን ካልኦት ኩሎም ቅዱሳንን ሰማዕታትን ረዲኤቶም ነዊሕ ካብ ጫፍ ዓለም ክሳብ ጫፍ ስለዝበጽሕ ነዓና ከምኡ ገይሮም የጽልሉና።

ናይ ሰማዕትነት ክብሪ ዝርከብ “ነቲ ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተተዓገሥኩም እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልዩ ዝበሎ(2፡20) ዝበሎ ቅዱስ ጴጥሮስ” ከም ቅዱሳን ኣቦታት ንህይወት ክርስትና ሠናይ ኣናገበርካ ደኣም እምበር ሕማቅ እናገብረካ እናሰረቕካ፡ እናዓማጽካ ክብሪ የልቦን ሠናይ ገድሊ እንተገብርና ኢና ክብሪ ንቅበል። ሎሚ ሎሚ ክንደይ መንእሰያት ንናብራ ክመሓየሹ ኣብ በረኻታት ሊብያን ካልእን ዝተሰደዱ እምነትኩም ከሓዱ ተባሂሎም ዝተረሸኑ ናይ ዘመንና ሰማዕታት ኢዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት እንታይ ምገበርኩ ኢልካ ምሕሳብን፡ ኣብ ሰማዕታት ምምዕቋብን የድልየና እሞ ብፁዕ ገብረሚካኤል ናይ ድሕነትና ምኽንያት ናይ ክርስትናና ምስክር ኮይኖም ሰናይ ገድሊ ተጋዲሎም ዝመስከሩ፡ ንሕናውን ብህይወትና ክንምስክር ቅዱስ ፍቃዱ ይኹን፡ ክብሉ ኣስተምሂሮም።

ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን
ማሕበር ካህናት ብፁዕ አባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ከረን

ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ መንበረ ጵጵስና ከረን፡ ጸሓፊ ማኅበረ ካህናት ኣባ ፍስሓ ተኪኤ፡ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል፡ ንኩልኹም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ተሳተፍቲ(ምእመናን፡ ካህናትን ደናግልን ሰብ ውፉይ ሕይወትን) ነዚ መደብ ዘማዕረጉ መንእሰያት ሓቢንመንተል ምስ ቆሞሳቶም ንኩሎም ነዚ ዓመት እዚ መደባት ኢዮቤል ክዉን ንክኸውን ዝጸዓሩ ቆሞሳት፡ ምእመናን ብምምስጋን።

ሓጺር ታሪኽ ማኅበርን፡ ብምኽንያት 100 ዓመት ኣልማዛዊ ኢዮቤል ዝተገብረ ንጥፈታትን ገሊጾም። ስዒቡ ብዳራማን ባህላዊ መግለጽን መንእሰያት ደብረ መድኃኔ ዓለም ሓቢንመንተል ንክብረ በዓሉ ዝገልጽ ምርኢት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ቃለ ምስጋናን እንቋዕ ኣብቅዓኩም ናይ ዝብል ካብ ተሳተፍቲ ድሕሪ ምቅባል፡ ብጸሎት ብጹእ ጳጳስ ተዛዚሙ።

10 October 2023, 16:43