ድለ

2023.09.11 ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ እምነት ዘሎ ሓድነት የጉልሑ 2023.09.11 ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ እምነት ዘሎ ሓድነት የጉልሑ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብ እምነት ዘሎ ሓድነት የጉልሑ

ማቴዎስ ሳልሳይ፥ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ. 4, 4 – 6፥ “ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።”

ናይ መላእ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ማላንካራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርትያን ኩላውን ናይ ማላንካራ ሜጥሮፖሊታ ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ ዕለት 11 መስከረም ንፈለማ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዕዊ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብዚ እተገማምዐ ዓለም ሓድነትን ርህራሄን ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ መላእ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ማላንካራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርትያን ኩላውን ናይ ማላንካራ ሜጥሮፖሊታ ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ  ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ብዛዕባ ኣገዳስነት ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓዋዲ መልእኽትታቶምን ብፍላይ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከም እተዛረቡን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያናት ዝያዳ ምትሕብባርን ምርድዳእን ክህሉ ድማ ልባዊ ዕድመ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥

ሓድነት ንምርካብ ኣገዳስነት ሓባራዊ ቆራጽነት

ማቴዎስ ሳልሳይ፥ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ምዕ. 4, 4 – 6፥ “ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።” እዚ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስቲያናት ዘለዎም ዓሚቝ ሓድነት ዘጉልሕ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣስተንፍሶ “ኩላትና ኣሕዋት” ዓዋዲ መልእኽቲ

ባሲሊዮስ ማርቶማ ማተዎስ ሳልሳይ ንናይ ር.ሊ.ጳ. “ኩላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቲ መተባቢዒትን ኣስተንፍሶን እውን ምዃና ገሊጾም፡ ናይ ገዛእ ርእስናን ናይ መላእ ህዝብታት እዛ መሬት ዘሎና ሓላፍነት እተመላኽትን ድሌታት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ንኣሽቱን ዓበይትን . . . ነቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብነት ዝገበረ ሕውነታዊ መንፈስ ሓልዮትን ቅርበትን እተነጽር እያ። እዚ ስምዒት እዚ ሕውነታዊ ምስትእስሳር ንምድልዳልን ብዓለም ደረጃ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክርስቲያን ሓድነትን ርህራሄን ከም ዘድሊ ንምጉላሕ ዓሚቕ ድርኺት እያ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላምን ፍትሕን ክብርን ምድንፋዕ

ናይ መላእ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ማላንካራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርትያን ኩላውን ናይ ማላንካራ ሜጥሮፖሊታ ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ኣብቲ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ፥ ኣብ መንጎ መራሕቲ ዝግበር ዘተ ጥራይ ዘይኮነስ ጉባኤታቶም ሰላምን ፍትሕን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ንምድንፋዕ ዘለዎ ተወፋይነት ዝምስክር ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ኣብ ሓደ ምምጻኦም ከም ኣካል ናይዚ ተወፋይነት ተመልኪተን ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣብ ሓባራዊ እምነተን ተመርኩሰን ናብ ጭቡጥ ሓድነትን ሕውነትን ከብላን ክዓያን ኣተባቢዖም ይብል።

ምስጋና ንናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ንዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት

ኩላዊ ባሲሊዮስ ነቲ “ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያናት ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ክሌኣዊ ዝምድና ንምምዕባል ከይተሓላለ ዘካይዶ ጻዕሪ ልባዊ ኣድናቖቶም ገሊጾም፡ እዚ ስምምዓት እዚ ሕጋዊ ሰነዳት ዘመላኽቶ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንክርስቶስን ንመልእኽቲ ፍቕሩን ዘለዎም ናይ ሓባር ተወፋይነት መግለጺ ምዃኑ ኣሲሮም ብምዝኽካር~ እቲ ዝበጽሕዎ ክልቴኣዊ ስምምዓት ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ውህደትን ተሳትፎን ተልእኾን!

ናይ መላእ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ማላንካራዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርትያን ኩላውን ናይ ማላንካራ ሜጥሮፖሊታ ቅዱስነቶም ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት፥ “ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ውህደትን ተሳትፎን ተልእኾን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኩር ከም ዝኸውን ድማ ዘኪሮም፡ ሲኖዳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ መንነቶም ኣዕሚቝ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ብምግላጽ፥ “ሲኖዳዊ ሸነኻታ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣዕሚቝ ሱር ዝሰደደ ጥራይ ዘይኮነስ ንዕብየትን መንፈሳውን ሰናይ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰረተ እምነት እውን ሱር ዝሰደደ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥

ንግደትን ነጋድያንን

ኣብ መወዳእታ ኩላዊ ባሲሊዮስ ማርቶማ ማቴዎስ ሳልሳይ፥ ናብ መሬት ቅዱስ ቶማስ ብምኻድ ነቲ ሃብታም ልምድታት ቤተ ክርስቲያን ክርእዩ ልባዊ ዕድመ ኣቕሪቦም፥ ብተወሳኺ እውን እቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያ ሓድነት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ካህናት ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘካይድዎ ንግደታዊ ምብጽጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ምሕዝነትን ምፍላጥን ዘደልድል እዩ እንክብሉ ኣፍልጦ ከም ዝሃብሉ የመላኽት።

12 September 2023, 13:15