ድለ

2023.08.30 Wiktoria Ulma con i figli. Da sinistra Władzio, Stasia (che ha in braccio Marysia), Franuś (sulle spalle), Basia i Antoś (autunno 1943) 2023.08.30 Wiktoria Ulma con i figli. Da sinistra Władzio, Stasia (che ha in braccio Marysia), Franuś (sulle spalle), Basia i Antoś (autunno 1943)  

ሊቀ-ጳጳሳት ጎንደክስኪ፦ ስድራ ቤት ኡልማ 'ምሳሌ ፖላንዳውያን ንኣይሁድ አብ ምድሓን' ኢዩም

ብመሰረት ኣቦ መንበር ጕባኤ ጳጳሳት ፖላንድ ዝዀኑ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ስታኒዝላቭ ጎንደክስኪ ዘውጸዎ መግለጺ፣ እቲ አብ ቀረባ ክእወጅ ተመዲሙ ዘሎ አዋጅ ብጽዕና ስድራቤት ኡልማ ነቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኣይሁድ አብ ምድሓን ፖላንዳውያን ዝፈጸምዎ ጅግንነት ዜጕልሕ እዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ – ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ስታኒዝላቭ ጎንደክስኪ ዝሃብዎ መግለሲ እታ ብዕለት 10 መስከረም ክእወጅ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ስድራቤት ኡልማ ብጽዕና "ምሳሌ ናይቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኣይሁድ ዘድሓኑ ፖላንዳውያን" ኮይኑ ይርከብ አሎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ጕባኤ ጳጳሳት ፖላንድ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቓለ-መሕትት እዚ አብ መደብ ተታሒዙ ዘሎ አዋጅ ብጽዕና ነቲ አብ መንጐ ካቶሊካውያንን አይሁድን ዘሎ ርክብ ብኸመይ ከም ዘደልድሎ ሓሳቦም ገሊጾም።

ሊቀ-ጳጳሳት ጎንደክስኪ ስድራ ቤት ኡልማ ንኣይሁድ ስለ ዘዕቆብዎም ብዕለት 24 መጋቢት 1944 ብጀርመናዊ ስርዓት ናዚ  ከም እተቐትሉ ድሕሪ እንከዘንትዉ፦

"ክልተ ሰብ ኪዳን ወለዲ ምስ ሸውዓተ ደቆም ተቐትሉ" ክብሉ ዛንታኦም ድሕሪ ምትራኽ ። "እዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ አብዚ እዋን እዚ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ተራእዩ ዘይፈልጥ ኮይኑ አሎ፣ ንመጀመርታ ግዜ መላእ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብሓንሳእ አዋጅ ብጽዕናኦም ይፍጸም ብምህላው።" ክብሉ መስከሩ።

ደረት ዘይብሉ ሓድነት

ሊቀ-ጳጳሳት ጎንደክስኪ ብዛዕባ ኣገዳስነት አዋጅ ብጽዕና ናይ ስድራቤት ኡልማ እንክገልጹ፣ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እኳ እንተነብረ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ምንባሮም ብምግላጽ ቁምነገር ሰብኣዊ ሓድነት እንታይ ከም ዝመስል አነጸሩ።

ብጹዕነቶም ከም ዝገለጽዎ ስድራቤት ኡልማ ንኣይሁድ ብምሕባእን ብምዕቋብን ዝጽበዮም ዝነበረ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጡ ከም  ዝነበሩ አስፊሖም ገለጹ።

"እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ኻብቲ ሰብ ዝነብረሉ ማእከል ዓዲ ኣብ እተወሰነ ርሕቐት ዚነብሩ እኳ እንተ ነበሩ ንገለ ኣይሁዳውያን ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ቤቶም ብምሕባእን ብምዕቋብን ንገዛእ ርእሶም አብቲ ካብ ጀርመናውያን ክመጾም ዝኽእል ዓብዪ ሓደጋ ኸም ዘእተዉ ዝፈልጡን ዝርድኡን ኢዮም ዝነበሩ" በሉ። "ውሉድ ኡልማ ነቲ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ይኾኑ ኢዮም፣ በዚ ድማ ብጌጋ ከም ሃንደበት ንዝኾነ ሰብ ነጊሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ከምኡ ውን ካብ ድኳናት ብዙሕ ምግቢ ክዕድጉ ዝረአይዎም ውን ንገለ ገለ ሰባት ጥርጠራታት ፈጢሩሎም ክኸን ይኽእል ኢዩ።”  ቀጺሎም ብጹዕነቶም አብቲ ማሕበረሰብ ዝነበረ ሓድነት ንምግላጽ ካልኦት ስድራ ቤታት እውን ይሕግዝዎም ብምንባሮም  ኣብታ ቝሸት አስታት 21 አይሁድ ብህይወት ከም ዝተረፉ ጌሮም ኢዮም ክብሉ ገሊጾም ።

ሊቀ-ጳጳሳት ጎንደክስኪ እቲ ስድራቤት ኡልማ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብቲ ኣብ ልምዲ ፖላንዳውያን ሱር ዝሰደደ ባህሊ ክርስትያናዊ ፍቕሮምን ኣተዓባብያኦምን ኮይኑ አብ ካቶሊካውነቶም  እተመስረተ መንነት ምዃኑ ገለጹ።

ወሲኾም ድማ "ተግባራቶም ካብ ጥንሲ ኽሳዕ ተፈጥሮኣዊ ሞት ንነፍሲ ንወከፍ ህይወት ወድሰብ ዘለዎም ኣኽብሮት ዘረጋግጽ ኢዩ" በሉ። አስዕብ አቢሎም ድማ “ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወድሰብ ዕቝባ ኸም ዘድልዮ ይፈልጡን ይአምኑን ክንዲ ዝነበሩ እዮም፣ ምእንቲ እዚ ሓቂ እቲ ዝለዓለ መስዋእቲ ህይወቶም ክኽፍሉ ዝገበሮም።"

ጅግንነት አብ ሓደገይና ዅነታት

ስድራ ቤት ኡልማ ነቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንኣይሁድ ዘድሓኑ ፖላንዳውያን ከም እተመልክት ድሕሪ ምግላጾም፣ ከምዚ ብምግባሮም ዳርጋ 1,000 ፖላንዳውያን ተቐቲሎም ኢዮም፣ እዚ ድማ ጅግንነት ናይቶም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ዘጕልሕ አብነት ኢዩ ይብሉ።

ሊቀ-ጳጳሳት ጎንደክስኪ "እቲ ኣብ ፖላንድ ዝነበረ ዅነታት ምስ ካልኦት ሃገራት መወዳድርቲ ኣይነበሮን" ክብሉ ይምስክሩ። ቀጺሎም ድማ "ፖላንዳውያን ንኣይሁድ ብምሕጋዞም ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኢዩ ዝወርዶም ዝነበረ። እንተኾነ ግን ብኣንጻሩ ፖላንዳውይን ዕሉል ዝኾነ ጅግንነት ዝመልኦ ተግባራትን አቕዋም ከም ዝነበሮም ንጹር እዩ ። ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ነቲ እቶም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ዝነበሩሰባት ንዝነበሮም ጅግንነት ከጸልምቶ ዝኽእል አይነበረን። ኣብ መወዳእታ ደረጃ ክብሪ ሓደ ሕብረተሰብ እቲ ገሊኦም ገበነኛታት ብዚገብርዎ ዘይኰነስ ብተግባራት ክቡራትን ጀጋኑን ዝኾኑ ሰባት እዩ ዝምዘን።"

ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጎንደክስኪ አብ መግለጺኦም አዋጅ ብጽዕና ስድራቤት ኡልማ ነቲ ካቶሊክን ኣይሁድን ዘለዎም ርክብ ዘዕሙቕ ከም ምዃኑን ብዝበለጸ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ፖላንዳውያንን ኣይሁድን ዘሎ ዝምድናታት ከም ዘደልድሎን ኣጕልሑ።

"እዚ ንቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ወሳኒ ጕዳይ ኢዩ ዝነበረ" ምስ በሉ፣ "ቅዱስነቶም ቈልዑ ኣይሁድ ኣብ ዚመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ እዮም ዓብዮም። ብዕድመ ምስ ደፍኡ እውን ብዙሓት ኣይሁዳውያን ዚፈልጥዎምን ፈተውትን ነይሮምዎም እዮም ። ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ዝነበሩሉ ዘመን እውን ኣብቲ አብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ኣይሁድን ዝግበር ዝነበረ ርክባትን ዝርርባትን ድማ ብዙሕ ፍረ ንኸፍርዩ ሓጊዝዎም ኢዩ" ክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ።

08 September 2023, 13:23