ድለ

ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን 

ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን

ቀጻሊ ጉዳያት ጸጥታ እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ድርባስ ቁጠባን ኣብ ህዝባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገማትን እውን ኣጉሊሖም፥ ዓለማውያን ምእመናን ተበግሶ ወሲዶም ከም ህያው ኣብነታት ናይ ሓባር ረብሓ ኮይኖም ክነብሩ ተማሕጺኖም

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይጀሪያ ኣብ ኣቡጃ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ - ጉስነት ምስ መንግስቲ ምትሕብባርን ተራ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣማእኪሎም ዘካየድዎ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 17 መስከረም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 7 መስከረም ዝተኸፍተ ናይ 2023 ዓ.ም. ካልኣይ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይጀሪያ ዕለት 17 መስከረም ከም እተዛዘመን ብዛዕባ ጸጥታ ጉዳያትን ቁጠባዊ ቃልስን ሓዊሱ ብድሆታት ሃገሮም ዘትዮምን ከምኡ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ክበራታዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም ንምእመናን ኣብ እምነቶም ከም ዘበራትዑ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።

ምስ ናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣሕሉቕን ዓለማውያንን ዝህሉ መስተጋብራዊ መደባት

ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይጀሪያ ኣባ ዘካርያ ንያንቲሶ ሳምጁሚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ጳጳስት ናይጀሪያ ምስ ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ናይጀሪያ መስተጋብራዊ መደብ ከም ዘካየዱን፥ “እቶም ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ልኡካነ ወንጌልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ባዕዳውያን ዘይኮኑስ ምሉእ ኣባላት ናይታ ብሓባር እትጓዓዝ ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም” ኢሎም።

ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን
ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን

ናይ ናይጀሪያ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ሉሲዩስ ኢወጁሩ ኡጎሪጂ ኣብ ናይጀሪያ ብፍላይ ድማ ኣብ ርሑቕ ክፋል እታ ሃገር ንህንጸት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሓዋርያዊ ዕዮን ንዝገብርዎ ዓቢ ኣበርክቶ ገዳማውያንን ገዳማውያንት ልኡካነ ወንጌል ማሕበራትን ንኢዶም።

ዋና ጸሓፊ ከም ዝገለጽዎ እቶም ጳጳስት ንዓለማውያን ምእመናን ዞባ ኣቡጃ እውን ከም ዘተባብዑን ኣብ ዝሃለውዎ ኩሉ ክብርታት ወንጌል ክምስክሩ ከም ዘለዎም እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፥ “ሓዋርያውነት ዓለማውያን ምእመናን ንክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ኣብ ስድራ ቤታውን በርገሳውን ዓለም ምውካል እዩ” እንክብሩሉ ወሲኾም፥ ዓለማውያን ምእመናን ኣባላት ፖለቲካዊ ይኹን ዝተመርጹን ሰራሕተይናታት መንግስቲ ሰብ ሙያ ይኹን ነጋዶን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዓለምና ናይ ሕዳሴን ለውጥን መጋበርያን ናይ ሕብረተሰብ መባኹዕቲ ክኾኑ እውን ጻውዒት ከም ዘቕረበ ኣፍሊጦም።

ሲኖዳውነት፥ ብሓባር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ምጉዓዝ

ኣብቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ፥ ጳጳሳት ናይጀሪያ ኣምር ሲኖዳውነት ብጥንታውን ታሪኻውን ትርጉሙ ከም ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ብሓባር ምጉዓዝ ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ዳስ ካብ ዝብል ርድኢት ዝተፈልየ ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡን፥ ጳጳሳት ሲኖዳውነት “ስድራ ቤት ብምዃን ካብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብሓባር ምጉዓዝ እዩ” ዝብል እምነቶም ከም ዘስመሩሉን ዝተፈላለያ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዘለወን ውህደት ‘ዓቀብት እምነት’ ምዃነን ኣብ ግምት ከእትዋ ከም ዘለወን እውን ከም ዘተሓሳሰቡ ሓቢሮም።

ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን
ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን

ግብረ ገባዊ ቡሶላ

ጳጳሳት ናይጀሪያ ግብረ ገብ ካብ ውልቃዊ ኣረኣእያታት ርእየተ ዓለም ናጻ ዝኾነ ንኹሉ ዓይነት ቅድመ ፍርድን ኣሳዶን ዝቃወም ክኸውን ከምዘለዎን፡ ከም ዝበሉን ብመሰረት እቶም ጳጳሳት “ዝኾነ ይኹን ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ካብ ምዃኑ ዘለዎ ክብርታት ምንጻግ ኣብ መወዳእታ ህላወ ሓደ ፈጣሪ - ኣምላኽ ምንጻግ ናይቲ ናይ ሰነ ሰብኣዊ ትርጉም ኣልቦነት፡ ሃይማኖታዊ ግብረ ገባዊ እምነታት ኮነ መንግስታዊ ስርዓታት ፈጺሞም ኪድምሰሱ ኣለዎም ዝብል ኣረኣእያ ኣልቦነት ናይቲ ብፈላስፋ ኒች ዝተደፋፋአ ድሕረ ዘመናዊ ባህሊ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ግብረ ገብ ቡሶላ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ገሊጾም።

ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን
ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን

ጳጳሳት ናይጀሪያ ሰስመሩሉ ኩነታት ሃገሮም

ህልው ኩነታት ሃገር ብዝምልከት እቶም ጳጳሳት ናይጀሪያ፥ ኣብ ሃገሮም ሃይማኖት ብተደጋጋሚ ከም መጋበርያ ምልኪን ዓመጽን ምፍልላይን ምትላልን እናኾነ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝፍጸም ምዝመዛ ኣማእኪሎም እውን ሓሳቦም ከም ዝገለጹን፥ ቀጻሊ ጉዳያት ጸጥታ እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዘሎ ድርባስ ቁጠባን ኣብ ህዝባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገማትን እውን ኣጉሊሖም፥ ዓለማውያን ምእመናን ተበግሶ ወሲዶም ከም ህያው ኣብነታት ናይ ሓባር ረብሓ ኮይኖም ክነብሩ ተማሕጺኖም፥ ኣብ መወዳእታ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይጀሪያ እምነት ክዕቅቡን ኣብ ህይወት ኵላዊት ቤተ ክርስልቲያን ሃናጺ ጽልዋ ንምፍጣርን ተወፋይነቶም ደጊሞም ከም ዘራገገጹ ናይ ናይጀሪያ ጉባኤ ጳጳሳት ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ኣባ ዘካርያ ንያንቲሶ ሳምጁሚ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን
ናይ ናይጀሪያ ጳጳሳት ጉባኤ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳስነት ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን
18 September 2023, 16:30