ድለ

ሃገራዊ ቅነ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኤርትራ

ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት እምበኣር መንእሰያት ንክርስቶስ ዝረኽቡሉ፣ ህላዌኡ ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ኣምልኾ፡ ኣብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘስተማቕርሉ ፍሉይ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ

“ማርያም ተንስአት፣ ተቐላጢፋ ንዝባን ይሁዳ ደየበት” ሉቃ.1:39፥ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ሓደ ካብቶም ብሉጻት መዓልትታት መንእሰያት ኮይኑ ዝጽንበል እዩ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከኣ መንእሰይ እቲ ንወንጌል ብሓይሊ ከብጽሕ፡ ክጎዪ ከምኡውን ኣብ ሕብረተሰብ ተደላይ ምዃኑ ስለ እትፈልጥ፡ ማእከላይ ተራ ትህቦ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብታ “ክርስቶስ ሕያው እዩ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም እውን መንእሰይ ንጽባሕ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሎሚ እውን ምዃኑ እዮም ዘዘኻኽሩና።

ናሆም ጳውሎስ - ኤርትራ

ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት እምበኣር መንእሰያት ንክርስቶስ ዝረኽቡሉ፣ ህላዌኡ ኣብ ጉባኤ፡ ኣብ ኣምልኾ፡ ኣብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘስተማቕርሉ ፍሉይ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ከም ኣብ ደብረ ታቦር ምድያብ ክንሓስቦ ንኽእል ኢና። ከምቲ ጴጥሮስን፡ ዮሓንስን፡ ያዕቆብን ምስ ጐይታ ኣብ ደብረታቦር ፍሉይ ተመክሮን ግልጸትን ዝቐሰሙ፣ ከምኡ ከኣ መንእሰያት ኣምእሮኦም ብወንጌል ዝበርሃሉ፣ ብመንፈስ ዝጽልይሉ፣ ሓይሊ ካብ ላዕሊ ዝዓጥቅሉ ናይ ደብረታቦር ግዜ እዩ ክበሃል ይከኣል። 

ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት 2023 ኣብ ሊዝበን - ፖርትጋል ካብ ዕለት 1-6 ነሓሰ 2023 ብማእከልነትን መሪሕነትን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብክብ ዝበለ ድምቀ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኢዩ። ሃገራት እውን ኣብ ዓደን ንመንእሰያተን ኣኪበን ኣብዒለንኦ እየን። ከም ውጽኢቱ ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ካብ 25-27 ነሓሰ 2023 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣስመራ ካብ ኣርባዕቲኡ ኤጳርቅናታት (ኤጳርቅና ኣስመራ፡ ኤጳርቅና ከረን፡ ኤጳርቅና ባረንቱ ከምኡውን ኤጳርቅና ሰገነይቲ) ከባቢ 300 ወከልቲ መንእሰያት አብ ዝተረኽቡሉ፣ ብሓባር ኮይኖም ከምልኹን፡ ክዝምሩን፡ ክቕድሱን፡ ቀንዮም።

ንሃገራዊ ቅነ መንእሰያት ኤርትራ ብሊቀ ጳጳሳት መንግስትኣብ ተስፋማርያም ኣብ ቅርዓት ኪዳነምሕረት ብጸሎትን ቡራኬን ተኸፊቱ። በዚ ከምዚ ድማ ሃናጺ መደባት ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፣ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ስግደት ቅዱስ ቁርባን፡ ሌላ ምስ ኣርባዕቲአን ኤጳርቅናታት፣ መዛሙር (ብብሌን፡ ኩናማ፡ ትግርኛ)፡ ኣስተምህርቶታት ኣብ መሪሕ ጥቕሲ “ማርያም ተንስአት፣ ተቐላጢፋ ንዝባን ይሁዳ ደየበት” (ሉቃ.1:38)፡ ኣስተምህሮ ‘ዓቢ መልእኽቲ ንመንእሰያት’ (ካብ ክርስቶስ ሕያው’ዩ ዓውዲ መልእክቲ ዝተወስደ)፡” ሓባራዊ ዘተን፡ ዝተፈላለዩ ናይ እምነት ምስክርነታትን ከምኡ ውን ካልኦት እተፈላለዩ መደባት ዘጠቓለለ ኣዝዩ ቅዱስ ግዜ እዩ ነይሩ። 

ሕመረት ናይዚ ዝቐነየ መዓልታት ከኣ ከምቲ ማርያም ነቲ ጥዑም ዜና ጥዒማ ስቕ ዘይበለት፣ ንኤልሳቤጥ ከተበስራ ተንሲኣ ንመገሻ ዝነቐለት፣ መንእሰያት እውን ንኣምላኽን ንቤቱን ዘሎና ቅንኢ ክዓቢ፣ እግዚኣብሔር ቀረባ እንከሎ ክንደልዮ፣ ምስ ረኸብናዮ ከኣ ብዘይ ወዓል ሕደር ንሓውናን ሓብትናን ከነካፍሎ ዝብል እዩ ነይሩ። ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ “ኦ ኢየሩሳሌም ብርሃንኪ ወጺኡ፣ ክብሪ እግዚኣብሔር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፣ ተንስኢ ከም ጽሓይ ብርሂ” (ኢሳ.60:1) ዝበሎ፣ መንእሰያት ተጎጎኦም ነጊፎም፣ ተስፋኦም ብጐይታ አሓዲሶም ነዚ ጥዑም ብስራት ወንጌል ከበስሩ ንኽወጹ ዘተባብዕ መልእኽቲ እዩ ነይሩ። 

ብሕጽር ዝበለ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ እምነት ጐዕዞ መንእሰያት ከየስተማቐርካዮ፡ ከይጠዓምካዮ ክሕለፍ ዘይብሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። “ብግዜ ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” (መክብብ 12:1) ንዝብሎ ብሓቂ ሕያው ኮይኑ ዝተረኽበሉ፣ ጐይታ ንመደባቱ ባዕሉ ዝተግሃሉ፣ ዝጐደለ ኩሉ እናመለአ፣ ንነፍሳት እናሐደሰ፣ ንስሙ ባዕሉ ኣኽበረ!  

11 September 2023, 13:11