ድለ

ሰማዕታት ቻፖተራ፥ ዝኽሪ ምእንቲ ሰላም ህይወቶም ዝሰውኡ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ሰማዕታት ቻፖተራ፥ ዝኽሪ ምእንቲ ሰላም ህይወቶም ዝሰውኡ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር 

ሰማዕታት ቻፖተራ፥ ዝኽሪ ምእንቲ ሰላም ህይወቶም ዝሰውኡ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር

መከራ ህዝቦም ዝተኻፈሉ ሰላምን ዕርቅን ዝደለዩ ሰብኣውን መንፈሳውን ባህርያቶም ንኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ዘወፈዩ ፍሉያት ጓሶት

ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ እዋን ኩናት ሓድሕድ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ክልተ ኢየሱሳውያን ካህናት ብሰበኻዊ ደረጃ ንብጽዕና ዘብጽሖም መስርሕ ከም እተዛዘመን ናብ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክለኣኽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሞዛምቢ ኣብ መላእ ሃገረ ስክበት ተተ ካብ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ዝተዋጽኡ ብኣምኢት ዝቝጸሩ ምእመናንን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዕለት 12 ነሓሰ ኣብ መንበረ ጳጳስ ዞቡኤ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሓብሩን እዚ እውን ነቶም ኣብ ቻፖተራ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ምእንቲ ሰላም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ክልተ ኢየሱሳውያን ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣባ ዥዋው ደ ደዉስ ካምተድዛን ኣባ ሲልቪዮ ኣልቨስ ሞሬራ - ሰማእታት ተባሂሎም ዝዝከሩ፡ ብቤተ ክርስያን ብጹዓን ስዒቡ እውን ቅዱሳን ክበሃሉ ዘድሊመጽናዕቲ ብሰበኻዊ ደረጃ ተጠናቒቑ ናብ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክለኣኽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመልክት።

ቃል ምስጋና

ናይ ሰበኻ ተተ ጳጳስ ዲያማንቲኖ ጉኣፖ ኣንቱነስ፥ ኣብቲ ኣብ ሰበኻኦም ብምኽንያት ምዝዛም እቲ ንብጽዕናን ናብ ቅድስናን ዘሰይን ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ነቶም ክልተ ሰማእታት ኢየሱሳውያን፥ መከራ ህዝቦም ዝተኻፈሉ ሰላምን ዕርቅን ዝደለዩ ሰብኣውን መንፈሳውን ባህርያቶም ንኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ዘወፈዩ ፍሉያት ጓሶት” ብምባል ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መስርሕ ብጽዕና

እቶም ክልተ ሓደ ተወላዲ ሞዛምቢክን እቶም ካልኣይ ድማ ተወላዲ ፖርቱጋል ዝኾኑ ሰማእታ ካህናት ኢየሱሳውያን ናብ ብጽዕናን ስዒቡ እውን ናብ ቅድስትና ዘብጽሖም ብሰበኻ ደረጃ ዝተኻየደ መስርሕ፥ ነዞም ክልተ ሰማእታት ካህናት ብቐረበ ዝፈልጥዎም ዝሃብዎ ቃልን መንፈሳዊ ዕምቆቶምን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክሳብ ህይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል ፍቕሪ ብቓልን ተግባርን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ህዝቦም ውሱጣት ብምዃን ዝነበርዎ ውፉይነት ዘዘንትው ታሪኽ 1500 ገጻት ዘለዎ ሰፊሕን ዓሚቑን ሰነድ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ እቲ ሰነድ ኣብ ሞዛምቢክ ናብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ፖውል ኣንቶኒዮ ከም እተላከን ብቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣቢሉ ናብ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሓልዮ ቅድስና ክለኣኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

07 September 2023, 16:14