ድለ

2023.09.11 Ordinazione diaconale dalla Eparchia di Keren. 2023.09.11 Ordinazione diaconale dalla Eparchia di Keren. 

ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ፦ “ዲያቆናት ምስጢራት ብምዕዳል ንደቂሰባት ናብ ድሕነት ይመርሑ!”

ብጹዕ አቡነ ኪዳነ የዕብዮ ንሓሙሽተ መንእሰያት ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ናብ መዓርገ ዲቁና አደዪቦም። አብቲ ዕለት አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ ዲያቆናት ምስጢራት ብመዕዳል ቃል አምላኽ ብምስባኽ ንደቂ ሰባት ናብ ድሕነት ዘብጽሑ ልኡኻት ወንጌል ኢዮም ክብሉ አስተምሂሮም።

አባ ፍስሃ ተኪኤ - ኤጳእቅና ከረን ኤርትራ

ትማሊ ቀዳም ዕለት 09 መስከረም አብ ርእሰ አድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ከረን ብጹዕ አቡነ ኪዳን የዕብዮ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳእቅና ከረን አብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ብዙሓት ካህናትን ምእመናንን ወለድን ፈተውትን አብ ዝተረኽቡሉ ንሓሙሽተ መንእሰያት ተመሃርቲ ደብረ መድሓኔ ዓለም ዓቢይ ዘርአ ክህነት ዝኾኑ ሥርዓተ መዓርገ ዲቁና ፈጺሞ።

አብቲ ዕለት እቲ መዓርገ ዲቁና እተቐበሉ ተመሃርቲ አባላት ሰበኻ ከረን ኮይኖም ፦ ዓንዶም ቃልአብ ካብ ቍምስና ደብረ ቅዱስ ጊዮርጊስ ለበዳ፣ ብያኑ ቀለተ ካብ ቍምስና ደብረ መድሓኔ ዓለም ሓቢን መንተል፣ ተመስገን ግርማጼን ካብ ቤት ጸሎት ቅዱስ ፒዮ ቀረጫ፣ ርእሶም ህያቡ ካብ ቍምስና ደብረ ማርያም ጽዮን ቍኒዕ፣ ምሉእ ዓንደብርሃን ካብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ባምቢ ኢዮም።

መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን

አብቲ ዕለት አብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብጹዕ አቡነ ኪዳነ አብ ዘስምዕዎ ቃል አማልክ፣ ተልእኾ ዲያቆናት አብ ቤተክርስትያን፣ አብ ስርዓተ ሊጡርጊያ ምግልጋል፣ አብ ነገረ ስብከተ ወንጌል ቃል አምልኽ ንምእምነና ዘስምዑን ዘስተምህሩን፣ ምስጢራት ብምዕዳል ንደቂ ሰባት ናብ ድሕነት ዘብጽሕ መንገዲ ዝሕብሩ ኢዮም ክብሉ ሰፊሕ ቃል አምላኽ አስሚዖም።

መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን

ብጹዕነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ዲያቆናት አገልገልቲ እቲ ልዑል ቃል ብምዃን፣ ናብ ምእምናን ንቃል እግዚአብሔር ዘብጽሑን ብአገልግሎት ግበረ ሰናይ አብቶም ዝሰአኑን ዝተሸገሩን ዝሰርሑ ኢዮም በሉ። ቀጺሎም ድማ ካብታ “እግዚአብሔር ፍቕሪ ኢዩ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ር. ሊ. ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምጥቃስን ነቲ አብ ግብሪ ሓዋርያት 6፡2-4 ዘሎ ዘኪሮም “ንሕና መአዲ ኽንሰርዕ ክንብል ቃል አምላኽ ምስባኽ ክንሓድግ አይግብኣናን እዩ። ስለዚ አቱም አኅዋትና፣ ካባኻትኩም ብጽቡቕ ዝተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሸሞንተ ሰብአይ ሕረዩ። ነዚ  ጉዳይ እዚ ኸአ ክንምዝዞም። ንሕና ግና አብ ጸሎትን አብ ምምሃር እዚ ቃል እዝን ክጽመድ” በልዎም።

ዲያቆናት ተልእኾኦም ናይ ስጋ ስራሕ ጥራይ ዘይኮነ እንታይ ደአ አብ ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን መንፈሳዊ አገልግሎትን ዝወፍሩ ብምዃኖም፣ ነቲ ቤተክርስቲያን አብ ክልቲኡ መዳያት ስጋን መንፈስን ንኽተገልፍል ናይ እግዚአብሄር ትእዛዝን መጸዋዕታን ከም ዝኾነ ዝሕብር ኢዩ፣ ክብሉ አስተምሃሩ።

ስለዚ ተልእኾ ዲያቆናት ቃል እግዚአብሔር ምስባኽን፣  ምዕዳል ምስጢራትን ከምኡ ውን ኣብ ሓልዮታዊ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝተምስረተ ኢዩ ይብሉ።

መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን

ቀጺሎም ድማ ብጹዕነቶም ነቶም ናይ ዕለቱ ተሰየምቲ “ፍቁራት ተሰመይቲ ንጽዋዔ ክርስቶስ መልሲ ዝሃብኩምን፣ ንክርስቶስ ብተኣምንነት ከተገልግሉ ዝታዳለኹምን ንስፍሓተ ወንጌሉን ንዕቤት ቤተክርስቲያኑን ክትሰርሑ፡ ብጸጋ መንፈስ ቅዱሱ የሐይልኩም።” ክብሉ አባታዊ ምርቃኦም አካፈልዎም።

ብጹዕ አቡነ ኪዳን አብ መደምደምታ ኣብ ተልእኾ ቤተክርስቲያን ብጸጋ  ክህነትን ዲቁናን ዝለኣኹ የድልየና ኢዮም ድሕሪ ቢሎም። ስለዚ ከኣ በዚ ሲመት እዚ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ይወሃበና አሎ፣ እዚ ብሳላ ናይቶም ቅዱሳን ዝኾኑ ኣቦታትን ኣዴታትን ጸሎትን እምነትን አብዚ ከባቢና ንረኽቦ ዘሎና ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ኢዩ፣ እሞ ንኣምላኽ ከነመስግን ይግባእ።

አብዚ መዓርጋት ዲቁናን ክህነትን ዝነዓቀሉ ዘሎ ግዜን፡ ቤተክርስቲያን ብደቃን ካልኦትን ትሽገረሉ አብ ዘላ ዘመንን ብምህላውና፡ ነቲ ዝተቀበልናዮ ጸጋ ዘይምጥቃም ይመስል፡ ጸጋ ክህነትን ዲቁናን  እንተዘየሎ ነፍሳት ብጥሜት መንፈስን ድርቅናን ይጠፍኣ፡ ስለዚ እግዚኣብሔር ነዛ ሰበኻናን ንቤተክርስቲያኑን ብዕጽፍን ድርብን ተላኣኽቲ ይህበና ብምህላዉ ከነመስግ አሎና፡ ነቶም ዘወፈይዎም ወለድን ዘዕበይዎም መምሃራንን ብዝገበርዎ ኩስኰሳን ወፈያን ከኣ ነመስግኖም ኢሎም ስብከቶም ዛዚሞም።

መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2023 ኤጳእቅና ከረን
11 September 2023, 16:23