ድለ

2023.09.22 Ordinazione diaconale in Eparchia di Asmara 2023.09.22 Ordinazione diaconale in Eparchia di Asmara  

ብ. ሊቀጳጳሳ አቡነ መንግስተአብ፦ “ዲያቆን ማለት አገልጋሊ ማለት ኢዩ"

ሰንበት ዕለት ቅ7 መስከረም ብጹዕ ሊቀጳጳስ አቡነ መንግስተአብ አብ ቍምስና ደብረ ኪዳነ ምሕረት ሰንበትል አስመራ፣ ንሓደ አባል ማሕበር ካህናት ዳኒኤል ኮምቦኒ ናብ መዓርገ ዲቍና አደይቦም። አብቲ ዕለት አብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ቃል አምላኽ፣ “ዲያቆን ማለት አገልጋሊ ማለት ስለዝኾነ፣ ከም ቅዱስ ዮሓንስ አብ ኵሉ ቦታ፣ ብፍላይ ከአ ነቶም ውጹዓት፡ ነቶም ርሱዓት ድምጺ ክትኮኖም፣ አብ ቦታኦም ኬድካ ክትበጽሖም፣ ወንጌል ከተበስሮም፣ ኢኻ ተጸዊዕካ” ክብሉ መዓድዎ።

ግርማይ አስፍሃ - አስመራ ኤርትራ

ኣባል ማኅበር ኮምቦኒ ተመሃራይ በያኑ ሃብታይ፣ ሰንበት 17 መስከረም 2023 ዓ.ም፣ ኣብ ቊምስና ደብረ ኪዳነ ምሕረት ሰምበል ኣሥመራ፣ ደቂ ማኅበር፡ ብዙሓት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ቤተሰብን ምእመናን ቊምስናን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፣ መዓርገ ዲቊና ተቐቢሉ።

ብፁዕ ሊቀጳጳሳት እቲ ናይ ዲቊና ስርዓት ምስ ፈጸሙ፣ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል- ቅዱስ ወንጌል፣ ዓሚ ሽግ ተሳጊርና “ዓመት ንዓመት ይድገመና’ ቢልና ዝለመናዮ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፣ እነሆ ሓዲስ ዓመት ሂቡና። እዚ ሓዲስ ዓመት ግና ክንረብሓሉ፡ ጸጽቡቊ ክንሰርሓሉ፡ ብእምነትን ብመንፈሳውነትን ብፍቕርን ክንዓብየሉ ኢዩ ሂቡና። ብዙሓት ምሳና ዝጀመሩ ኣይወድእዎን። ንሕና ከም ህያብ ነዚ ሓዲስ ዚወሃበና ዘሎ ግዜ ብምስጋና ክንቕበሎ፣ ነዚ ሓዲስ ዕድል ከኣ ብዝበለጸ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ብፍቕርን ብሕውነትን ክንነብር፡ ጸሎት ክንፈቱ፡ ቃል እግዚኣብሔር ክንምገብ፡ ምሥጢረ ንስሓን ቅዱስ ቊርባንን ክንቕበል፣ ናይ ምሕረት ስራሕ ከነዘውትር፡ ብኅብረት ክንጎዓዝ፡ ብሓዲስ መንፈስ፡ ብሓዲስ ናህሪ፡ ክንቅጽል ብዓቢኡ ከኣ ክንቅደሰሉ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ ኢሎም።

ናብቲ ዘንበብዎ፣ ብዛዕባ ስብከት ዮሓንስ መጥምቕ ዚዛረብ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተመሊሶም ከኣ፦ ቅዱስ ዮሓንስ ንመድኃኔ ዓለም መንገዲ ዝጸርግ ተባዕ ምስክር ኢዩ። ግና ከኣ ምስ ተሓተተ “ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፣ እቲ ካባይ ዚብርትዕ፡ ኣነ ሥራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን  ኼጥምቐኩም እዩ።” እናበለ ነቲ ዕድል ዝተኣኸበ ሕዝቢ፣ ንረብሓኡ  ክጥቐመሉ፡ ክጀሃረሉ እናኸኣለ ከማና ብቐሊሉ ከይተታለለ ብትሕትና ንክርስቶስ ዝሰበኸ ነቢይ ኢዩ። ዲያቆን ከኣ ኣገልጋሊ ማለት ስለዝኾነ፣ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ውጹዓት፡ ነቶም ርሱዓት ድምጺ ክትኮኖም፣ ኣብ ቦታኦም ኬድካ ክትበጽሖም፣ ወንጌል ከተበስሮም፣ ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ክልተ ደቂ ዘብደዎስ ስልጣን ምስ ለመንዎ። “ኣነ ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጻእኩን’’ ዚበሎም ፣ኣሰር መምህርና ብምኽታል፣ ብትሕትና ከተገልግል ኢኻ ተጸዊዕካ ዘሎኻ ቢሎም ንዲያቆን ሚዒዶም።

ቀጺሎም ከኣ ወለዲ፡ማኅበር፡ ምእመናን፡ ፈተውቲ “የፈጽምካ” እናበልና ጸሎት ክንገብረሉ፡ ምእንቲ ካህናትናን ዲያቆናትናን ክንጽሊ የድሊ ክብሉ ኣዘኻኪሮም፣ ንቊምስና ኪዳነ ምሕረት ከኣ ኣገልገልቲ የፍርዩ ስለዘሎዉ ኣመስጊኖም። ንኲልና እንቓዕ ሓጎሰና  ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ “ድሉው ውእቱ” ዝብል መዝሙር ምስ ተዘመረ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበል” ቢሎም  ኣብ ልዕሊ ተሰያሚ ኡፍ እናበሉ ጸልዮም፡ ናይ ኣገልግሎቱ ምልክት ዕርፈ መስቀል  ድሕሪ ተዋሂቡ፣ ንዲያቆናት ዝወሃብ ማዕዳ ተነቢቡ፣ ብቃለ ምስጋና ሓለቓ ማኅበር ካህናት ኮምቦኒ፣ ክቡር ኣባ ጋይም ኃይለሥላሴ መስዋዕተ ቅዳሴን ሢመተ ዲቁናን ተፈጸመ።

22 September 2023, 16:26