ድለ

2023.07.07  ኣና ሓና ጃሉፍ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ 2023.07.07 ኣና ሓና ጃሉፍ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ  

ኣባ ሓና ጃሉፍ ኣብ ሶሪያ - ኣለፖ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ጳጳስ ተሸይሞም

ኣቡነ ዣሉፍ ጳጳስ ነዞም ሰባት እዚኦም ነቶም ጭቡጥ ወጅሂ ዘለዎም ኢኹም . . . ኣብ ኩሉ እዋን መጓሰኻ ሓዲግካ ዘይከድጋካ . . . ተባዕን ውፉይን!

ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከም ዝሓበሮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሶሪያ ናይ ኣለፖ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ ዝኽተሉ ማሕበረብ ክርትያን ሓዋርያዊ መስተናብር ንኽኾኑ ንዝሰመይዎም ኣባል ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ኣባ ሓና ዣሉፍ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 17 መስከረም ቅብኣተ ጵጵስናኦም ተፈጺሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ሓና ዣሉፍ ሓዋርያዊ መስተናብር ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ቤት ክርስቲያን ኣለፖ ኣቡን ንኽኾኑ ንእተሾሙ ዕለት 17 መስከረም ቅብኣተ ጵጵስናኦም ከም እተፈጸመን፡ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ናይ ምብራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሕጹይ ካርዲናል ሊቀ ጳጳሳት ክላውዲዮ ጉጆሮቲ ክኾኑ እንከለዉ ኣብቲ ስርዓተ ቅዳሴ ኣብ ሶርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካርዲናል ማርዮ ዘናሪ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሕጹይ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብቲ ቅብኣተ ጵጵስና ስርዓተ ቕዳሴ ከም ዝሓበሩን ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ነቲ ብኲናት ዝተሳቐየ ህዝቢ ፍሱሕ ምጽንናዕ

ኣቡን ዣሉፍ ኣብ ወረሒ ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ መስተናብር እንክብሉ ምስ ሰመይዎም ምስ ቫቲካን ኔውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ 

ነቲ ብኲናት ዝተሃስየ ማሕበረሰብ ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ዕንወት ኣብ ስቓይ ንዘሎ ህዝቢ ሕጉስ ተወፋይነት ንምቕጻል ዝተወሃበኒ ሓዋርያዊ ሓላፍነት እዩ

 እንክብሉ ተልእኾኦም እንታይ ይመስል ገሊጾም፥ ኣብ ሶሪያ ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽ ብሓባር ምዕያይ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣገልግሎቶም ንኽብሪ ኣምላኽን ንሰናይ ቤተ ክርስቲያንን እዩ እንክብሉ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

መጓሰኻ ሓዲግካ ዘይምህዳም

ሕጹይ ካርዲናል ሊቀ ጳጳሳት ጉጆርቲ ኣብ ቅብኣተ ጵጵስና ኣቡነ ዣሉፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ንናይ ኣቡን ዣሉፍ ጽንዓትን ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ተወፋይነቶምን ኣፍልጦ ብምሃብ፥

ኣቡነ ዣሉፍ ጳጳስ ነዞም ሰባት እዚኦም ነቶም ጭቡጥ ወጅሂ ዘለዎም ኢኹም . . . ኣብ ኩሉ እዋን መጓሰኻ ሓዲግካ ዘይከድጋካ . . . ተባዕን ውፉይን!

እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምልክት ንኹሉ ህዝቢ ሶርያ

ሊቀ ጳጳሳት ጉጆሮቲ  ኣብ ስብከቶም፥ “እግዚኣብሔር ንኹሉ ህዝቢ ሶርያ ምልክት ገይሩካ እዩ” ምስ በሉ ንኹሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዘገልግሉ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን መእመናን ስለ ተወፋይነቶም ኣመስጊኖም፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንበር ታቦት ዘሎ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ እናጠመቱ፥ “እዚ መለለይኻን - መለለይናን መንነትናን እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ ንኣቡን ሓና ዣሉፍን ንኹሎም ካቶሊካውያንን ህዝብን ሶሪያ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም፡ እግዚኣብሔር ናይ ተስፋን እምነትን ተኣምር ፍቕሪ የቕርበልና” ኣንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ናይ ምስራቕ ስርዓትን ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

19 September 2023, 15:47