ድለ

2019.02.22 Card. Cupich 2019.02.22 Card. Cupich 

ካርዲናል በርናዲን፦ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብድሆታት 'ዘይቀያየር ስነ-ምግባር ህይወት' ክብሉ ይምስክሩ

ሊቀ - ጳጳሳት ቺካጎ ካርዲናል ብሌዝ ኩፒች ነቶም ቅድሜኦም ዝነበረ ካርዲናል በርናርዲን ዘስተምሃርዎ "ዘይቀያየር ስነ - ምግባር ህይወት " ዝብል ኣረኣእያ ይድግፍዎን የተባብዕዎን። ነቲ ዘሎ ባህሊ ውግእን ምፍልላይን ሕልፍ ብምባል ነቲ ናይ ኣሜሪካ ህልው ብድሆታት ብምግላጽ ሓድነትን ምዕብልናን የመላኽት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ብለዝ ኩፒች ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ፎርድሃም ዘቕረቦ መደረ ብዛዕባ እቲ ካርዲናል ጆሴፍ በርናርዲን ዘስተምሃሮ "ዘይቅየር ስነ-ምግባር ህይወት" ዘርእስቱ ነባሪ ውርሻ ገለጸ። ሊቀ-ጳጳሳት ቺካጎ ናይቶ ቅድሚኦም ዝነብረሩ ሊቀ ጳጳስት ውርሻ ተቐቢሎም እተፈላለየ ጕዳያት ህይወት እንተላይ ምንጻል ጥንሲ ኑክልየሳዊ ውግእ ድኽነት ከምኡውን ስቓይ ዘይብሉ ወለንታዊ ሞት ኣብ ቅድስና ነፍሲ ወከፍ ህይወት እተመስረተ ምትእስሳር ከም ዘለዎ አጉሊሖም ገለጹ።

ካርዲናል ኩፒች ነቲ ካርዲናል በርናርዲን ብ1983 ኣብ አብ ተመሳሳሊ ናይ ኢየሱሳውያን ተቕዋም ተረኺቦም ዘቕረብዎ  ብሉጽ ዝኾነ አስተምህሮ ብምጥቃ መግለጺኦም አቕረቡ ። ነቲ ኣብ መንጎ አስተምህሮት ቤተ-ክርስትያንን ዝሰፍሐ ክፍሊ ሕብረተሰብን ዘሎ ጋግ ንምስጋር ኣብ ሓፈሻዊ መግለጺታት ሓባራዊ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ምጥቃም ዘስተምህር ስሩዕ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ክህሉ ድማ ምሕጽንታኦም ቕሪቦም።

ሓሙሽተ ኩውንነታት መገምገሚ ሓሳት

ካርዲናል ኩፒች አብ ዘቕረብዎ መደረ ንትምህርትታት ካርዲናል በርናርዲን ብምጥቃስ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሓሳባት ዝሓዘ ንኵውንነታት  መገምገሚ ሓሳባት አቕሪቦም

1. ውሳኔ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፦ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ምቕያር ላዕለዋይ ቅዋም እታ ሃገር  ነቲ ንህይወት ዝድግፍ ምንቅስቓሳት ሓድሽ ኣጋጣሚታትን ብድሆታትን ፈጢሩ ኢዩ።

2. ለውጢ ዅነታት ኣየር፦ ንለውጢ ኩነታት ነታት አየር ዓለምና ንደቂ ሰብ አስጋኢ ምዃኑ ብምግንዛብ ብህጹጽ ምላሽ ክወሃበሉ አድላዪ ምዃኑ።

3. ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ናይ ሓደስቲ ስልጣኔታት ኢደጥበብ፦ ምስ ስነ ምግባራዊ መዋቕር ዜምጽኦ ለውጥታት ምግንዛብን ምስ ተክኖሎጅን መከላኸልን ዚተሓሓዝ ጕዳያት።

4. ሕዳሴ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቲ ናይ ካርዲናል በርናርዲን አተሓሳስባ ብምስምማዕ ዘምጽእዎ ተሓድሶ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያንን ኣገዳስነት ሲኖዶሳውነት ዘጉልሕ ከም ምዃኑ ።

5. ምግናን ናይ ምፍልላያት፦ ኣብ ምዕራባዊ ሕብረተሰብ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ንማሕበራዊ ፍልልያት ብዚምልከት ሓድነትን ዘይንጸል ስነ ምግባራዊ ስርዓትን ከም ዜድሊ እውን ገሊጾም።

ካርዲናል ኩፒች እቲ ኣብ ትምህርትታት ካርዲናል በርናርዲን እተመስረተ ዘቕረብዎ መደረ  ዘይነጻጸል ስነ-ምግባራዊ ትምህርቲ ሓድነት ንቤተ-ክርስትያንን ንማሕበረሰብን ከም ዝሃንጽ ከምኡ ውን ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ዘመና ንኽንዋጽአሉ ዘኽእል ዓቕሚ ብምፍጣር ዝያዳ ቅንዕናን ሰላምን ዘለዋ ዓለም ንኽንሃንጽ መገዲ ክኸፍተሎም ከም ዝኽእል ገሊጾም። ሓድነት ከም ስነ - ምግባራዊ ውርዝውና ምኹኑ መጠን ነቲ ከም ድኽነት ዓሌታውነት ከምኡውን ዕንወት ኣከባቢ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ስቓይ ደቅሰብ ንምብዳህ ኣበርክቶ ዝገብር ንሓባራዊ ረብሓ ዘዛይድ መዋቕር ንምምዕባል ቁርሲ ፍቓድ ምግባር ዝሓትት ከም ምዃኑ አግፊሖም ገሊጾም ።

ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት

ቀሲሎም ድማ ነቲ ዘይነጻጸል ስነ-ምግባራዊ ሓድነት ንምምዕባል ሓሙሽተ ቐንዲ ነጥብታት ጠቒሶም-

1. አብ ቅኑዕ አመክንዮን ቅዱሳት ጽሑፋትን እተሰረተ ፦ እዚ ስነ - ምግባራዊ ስርዓት እዚ ካብቲ ልሙድ ሰብኣዊ አመክንዮን ቅዱስ መጽሓፍን እተወስደ ኪኸውን ኣለዎ ፣ እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ድሕነትን ንምድራዊ መከራን ብኸመይ ከም እንርድኦም ዜጕልሕ እዩ ።

2. ብርሕራሐ ምብጋስ ፦ ርሕራሐ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ፍልልያት ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ኣከራኻሪ ጕዳያት ድልድል ክሓንጽ ዝኽእል ኢዩ ፣ እዚ ጸገማት እዚ ንሓድሕዱ ኸም ዚተኣሳሰር ብምጕላሕን አብቶም ዚሳቐዩ ኣብ ድንጋጽን ፍቕርን ከም እተተኵር ብምግባርን እዩ ዝሰርሕ ።

3. ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ ፦ ተግባራትና ንዓለም ስለ ዚጸልዋ ዓለምለኻዊ ኣረኣእያ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ። ነቲ ሓባራዊ ዝኾነ ሰብአውነት ኣፍልጦ ምሃብን ብደረጃ ዓለምለኸ ፍትሕን ሰላምን ንምርካብ ብሓባር ምዕያይን ኣገዳሲ ምኹኑ ።

4. ሲኖዶሳዊ አቀራርባ - ቤተ-ክርስትያን ካብ ላዕሊ ኣብ ክንዲ እትጽሎ ብመንፈስ ምትሕብባርን ፍርዲ ብዘይምቕዳምን ዘጠቓልል ሲኖዶሳዊ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ኣለዋ።

5. ኣብ ጸሎት እተመስረተ ጕዕዞ ፦ ጸሎት ነዚ ስነ ምግባራዊ ስርዓት እዚ ኣብ ምምዕባል ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ከም ዚሰፍን ብምግባርን ኣብ መንጎ ማሕበረሰብን ቤተ ክርስትያን ርክብም ከም ዚህሉ ምግባርን እዩ ።

30 September 2023, 09:22