ድለ

ካርዲናል ጹፒ፥ ከም ኣካል ተልኾ ሰላም ዩክሬይንናብ ቻይና ክበጽሑ እዮም ካርዲናል ጹፒ፥ ከም ኣካል ተልኾ ሰላም ዩክሬይንናብ ቻይና ክበጽሑ እዮም  (Francesco Pierantoni)

ካርዲናል ጹፒ፥ ከም ኣካል ተልኾ ሰላም ዩክሬይንናብ ቻይና ክበጽሑ እዮም

ዩክሬይናውያን ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ባዕሎም ክውስኑ ኣለዎም፥ ሰላም ናይ ኩሉ ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፥ “ዝኾነ ሰብ ብጸቕጢ ዘንብሮ ነገር ኣይኮነ

ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ክረጋገጽ ዘድሊ መስርሕ ናይ ሰላም ዘተ ንምህላው ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ልኡኽ ማተዮ ማሪያ ጺፒ ኣብ ቻይና ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ልኡኽ ሰላም እንክብሉ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝመዘዝዎም ሊቀ ጳጳሳት ቦሎኛ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ካርዲናል ማተዮ ጹፒ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ቻይና - በጂንግ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብጹዕነቶም “ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰብኣዊ ተበግሶታት ንምቕጻልን ናብ ፍትሓዊ ሰላም ከብጽሕ ዘኽእል መገድታት ንምድላይ ዝኣመተ ተልእኾ” ንምፍጻም ዘካይድዎ ዑደት ምዃኑ የዘኻኽር።

ድልያ ሰላም

ካርዲናል ዙፒ ኣብቲ ብቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣብ በርሊን ንኽካየድ ዝተዳለወ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጸሎት ንሰላም ከም እተሳተፉን ኣብ ጎድኒ እቲ ኣኼባ ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ንቕኑዕን ውሑስን ሰላም ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፥ ዩክሬይናውያን ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ባዕሎም ክውስኑ ኣለዎም፥ ሰላም ናይ ኩሉ ጻዕሪ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፥ “ዝኾነ ሰብ ብጸቕጢ ዘንብሮ ነገር ኣይኮነ፡ ዩክሬይናውን ብውሕስነትን ተወፋይነትን ጻዕርን ዝመርጽዎ ሰላም ክኽውን ኣለዎ፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሰብኣዊ ጻዕርታት

ካርዲናል ጹፒ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዕለት 5 – 6 ሰነ ኣብ ኪየቭ፡ ካብ ዕለት 28 – 29 ሰነ ኣብ ሞስኮ ካብ ዕለት 17 – 19 ሓምለ ድማ ኣብ ዋሽንግቶም ዑደት ከም ዘካየዱን እቲ ብቅዱስ ኣቦና ዝተወሃቦም ናይ ሰላም ተልእኾ ሰብኣዊ መዳያትን ኣገዳስነት ምርግጋጽ ሰላምን ክስትውዓልን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ናብ ዘተ ዝወስድ መገዲ ንምምልካት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

13 September 2023, 16:01