ድለ

ጹፒ፥ ዓቢይ ኣቓልቦ ካብ መንግስቲ ቻይና ነቲ ተልእኾ ሰላም ጹፒ፥ ዓቢይ ኣቓልቦ ካብ መንግስቲ ቻይና ነቲ ተልእኾ ሰላም 

ጹፒ፥ ዓቢይ ኣቓልቦ ካብ መንግስቲ ቻይና ነቲ ተልእኾ ሰላም

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዩክሬይን ንሰላም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ንምዝራብን ንምርኻብን ክፉት ምዃኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “ሰላም ብዘተን ክህሉ ዘኽእል ቦታታት ምርካብን ኣገዳሲ እዩ።” ስለዝ እቲ ናይ ላቭሮቭ መግለጺ ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደልይዎ ኣንፈት ዝኸይድ እዩ ዝመስል”

ካርዲናል ጹፒ ምስ ናይ ኢጣሊያ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቲቩ-2000 ምስ እተሰምየ መደብር ተለቪዥን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ በጂንግ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሞም ምስ ተመልሱ መግለጺ ከም ዝሃቡን፥ ካብ ቤጂንግ ዝተኣተወ ቃል ኪዳን ኣሎ ዶ? ንዝብል ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፥ “ኩሉ ሰብ ናብ ሓደ ኣንፈት ክደፍእ ኣለዎ፡ እዚ ድማ መፍትሕ ፍትሓውን ውሑስን ሰላም ንምርካብ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ይምልሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ማቴዮ ጹፒ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ቤጂንግ ከም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሞም ናብ ኢጣሊያ ክምለሱ እንከለዉ ብኢስጣምቡል ኣቢሎም ብቀጥታ ናብ ፓለርሞ እዮም ዝኣተዉ፡ ኣብኡ ድማ ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ሰማእትነት ኣባ ፒሊየዚ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ናይ ኢጣሊያ  ብጹዓን ጳጳሳት ቲቪ - 2000 ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ካብ መንግስቲ ቻይና ዓቢ ኣቃልቦ ዝተወሃቦ ተልእኾ” ምዃኑ የረጋግጹ።

ፍትሓውን ውሑስን መፍትሕ ሰላም ምርካብ

ጹፒ ብዛዕባ “ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ደው ክብል እቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ማለት ብመገዲ ሰላም ክፍታሕ ዝጽዕር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላም ልኡኽ ኮይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፥ “ብግልጺ ዘተን ኣገዳሲ ሓሳባት ምልውዋጥን ብዛዕባ ተስፋታት መጻኢ” ዘተኮረ ምዃኑ ሓቢሮም ወሲኾም፥ “ኩሉ ሰብ ናብ ሓደ ኣንፈት ክደፍእ ከም ዘለዎን፡ እዚ ድማ መፍትሕ ፍትሓውን ውሑስን ሰላም ንምርካብ ክኸውን ኣለዎ” ቢሎም፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ዩክሬይን ንሰላም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ንምዝራብን ንምርኻብን ክፉት ምዃኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “ሰላም ብዘተን ክህሉ ዘኽእል ቦታታት ምርካብን ኣገዳሲ እዩ።” ስለዝ እቲ ናይ ላቭሮቭ መግለጺ ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደልይዎ ኣንፈት ዝኸይድ እዩ ዝመስል” ኢሎም።

ንሰላም ኩሉ ክጽዕር ኣለዎ

ኣብ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ግንባር ንሰላም ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዩክሬይን ጥራይ ኣይኮነን ክኽውን ዘለዎ ኩሉ ክዋስእ ይግብኦ። ዩክሬይን እማመታታ ኣቕሪባ ኣላ፡ ስለዚ ኩሉ ሰብ ንሰላም ክጽዕርን ግዴኡ ከበርክትን እዩ ዘለዎ። ርእሰ ብሔር ፑቲን ኣብ ሲኪ ምስ ናይ በላሩስ ርእሰ ብሔር ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ተራኺቦም፥ ሩሲያ “ኣብ ጉዳይ ዩክሬይን ንዝግበር ዘተ ኣቢያ ኣይትፈልጥን እቲ ካልእ ወገን እንተደልይዎ ግና” እንክብሉ ከም ዝገለጹን ጹፒ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዕለት 28 – 30 ሰነ ኣብ ሞስካ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ናይ ክረምሊን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኻሪ ዩሪ ኡሻኮቭ ድሕሪኡ ድማ ምስ ኣደ መንበር ሽማግለ ዛዕባ መሰላት ትሕቲ ዕድመ ሩሲያ ዝኾነት ማሪያ ሎቫ ቤሎቫ ከም እተራኸቡን (ብዛዕባ ጸገም ናይቶም ናብ ሩሲያ ዝኣተዩ ህጻናት ዩክሬይን) ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያ ፓትሪያርክ ኪሪል ከም እተራኸቡ ከምኡ እውን ካብ ዕለት 5 – 6 ሰነ ኣብ ኪየቭን ካብ ዕለት 17 – 18 ሓምለ ኣብ ዋሽንግቶን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

16 September 2023, 16:49