ድለ

AUSTRALIA-INDIGENOUS-RIGHTS-REFERENDUM AUSTRALIA-INDIGENOUS-RIGHTS-REFERENDUM  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ኣውስትራልያ- ናይ ደቀባት ድምጺ ሕዝባዊ ውሳኔ 'ግብረገባዊ ጕዳይ' ኢዩ ይብሉ

ብመሰረት እቲ ናይ ኣውስትራልያ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ አብ ቀረባ ክካይድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ኣውስትራልያ ደቀባት ድምጺ ሕዝባዊ ውሳኔ ፖለቲካዊ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ ግብረገባዊ ጕዳይ እውን ኢዩ ኢሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን

ቅድሚ እቲ ብ14 ጥቅምቲ ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ኣውስትራልያ ደቀባት ድምጺ ሕዝባዊ ዋሳኔ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣውስትራልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም አድመጽቲ ንሻቕሎት ካልኦት ሰባት ብምስማዕ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ገዛእ ርእሶም ክሃንጹን ከሰናድዉን ጻውዒቶም አቕሪቦም።

ኣውስትራልያውያን ነቶም ደቀባት ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ብምሃብ ከምኡውን ድምጺ ማሕበረሰብ ደሴታት ቶረስ ስትረይትን ዚበሃል ኣካል ብምቛም ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገት ኪቕይርዎ ወይ ከይቅይርዎ ኺመርጹ እዮም።

ተጸምዶ አብ ዘተን ዝርርብን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት አስትራልያ አብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ ምስዚ ቅዋማዊ ለውጢ እተተሓሓዘ ጕዳያት ደቀባት "ፖለቲካዊ ጥራይ ዘይኰነስ ግብረገባውን ስነ-ምግባራውን" ምዃኑ ገለጹ።

እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ንሕዝቢ ኣብቲ ናይ ድምጸ ውሳኔ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ኢሎም ኢሎም አብ ዝመርሱሉ ውሳኔኦም ዝኾነ ይኹን ምኽሪ አይሃቡን ። ኣብ ክንዳኡስ እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ነቶም አድመጽቲ እቲ ሕሉፍን ናይ ሕጅን መጻእን ሃገሮም ኪሓስቡን ኪርድኡን አተባብዕዎም።

ጳጳሳት አስትራልያ አብ መልእኽቶም "ብዛዕባ እቲ ደቀባትን ማሕበረሰብ ደሴታት ቶረስ ስትሬትን እተሳቐዩሉ መከራን ከምኡ ውን ክሳዕ ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጕድኣትን ክንፈልጥ ኣሎና። ስለዚ ፍትሒ ነዚ ጕድኣት እዚ ኸነዐርዮ ኽንጽዕር ይሓተና አሎ።” ክብሉ ጽሒፎም ይርከቡ።

እዞም ጳጳሳት ቀጺሎም አውስትራልያውያን ነቲ ኡሉሩ ዝጸሓፎ ካብ ልቢ ዝነቐለ መልእኽቲ ከንብብዎ ጻውዒቶም ኣቕረቡ። እዚ ጽሑፍ እዚ ናብቶም ደቀባት ዘይኰኑ ኣውስትራልያውያን እተላእከ ዀይኑ ንደቀባት አውስትራልያ ኣብ ባይቶ ድምጺ ብምሃብ መሰላቶም ኣብ ምፍጻም ንምሕጋዝ ተሓድሶ ኺግበር ዝሓትት ኢዩ።

ብዘይካዚ እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ንህዝቢ ኣውስትራልያ ንኻልኦትን ንዝተገለሉ ማሕበረሰባትን ኬዘራርብዎምን ንተስፋኦምን ንፍርሆምን እንተላይ ነቶም ደቀባትን ነቶም ኣብ ደሴታት ቶረስ ስትሬይት ዚነብሩ ማሕበረሰንብን ኪሰምዕዎምን ክርድእዎምን አተባብዕዎም።

አብቲ መግለጺኦም "ነቲ በቶም ደቀባትን ማሕበረሰብ ደሴታት ቶረስ ስትረይትን ዝወረዶም ጕድኣት ንምእራም ከምኡውን ንመሰላቶም ንኺጥቀሙሉ ብዜኽእሎም መገዲ ስጕምቲ ኺወስዱ" ሕዝቢ አስውትራልያ ንኽሕግዝዎም ጻውዒቶም አቕረቡ።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍሉይ ምስ ጕዳያት ደቀባት ዞባ ኣማዞን ብዝተተሓዘ፣ ብዛዕባ ተጸምዶ ምስ ደቀባት ቅዱስነቶም ንዝበልዎ ቓላት ብምዝካር - "እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀንዲ መሻርኽትና ኢዮም፣ ካብአቶም ብዙሕ ነገር ክንመሃር ንኽእል ኢና. . . ቃላቶምን ተስፋኦምን ፍርሆምን ካብ ኵሉ ንላዕሊ አብ ግዜ ጸጋማትና ዜተኣማምን ድምጺ ክኾነና ይኽእሉ ኢዮም። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ ሕጅውን ዳግም እቲ ውጽኢት 'ብውሑዳት ዝተገብረ መደባት ንውሑዳት ጥራይ ዝኸውን' ምኾነ ነይሩ።" ይብሉ።

በዚ ኸምዚ ድማ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣውስትራልያ ብዛዕባ ደቀባት ኣውስትራልያ ነዚ ቃልት ቅዱስ አቦና ብምድጋም  ልክዕ ከማኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ይአምኑ ።

አውስትራልያዊ ድምጺ ሕዝባዊ ውሳኔ

እዚ ብ2023 ኣብ ኣውስትራልያ ዝካየድ ድምጺ ሕዝባዊ ውሳኔ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2023 ክካይድ ኢዩ ።

እቲ ደቀባትን ማሕበረሰብ ደሴታት ስትረይትን ዘቕረብዎ ድምጺ እንተድኣ ውሳኔ ረኺቡ "ንደቀባትን ንማሕበረሰብ ደሴታት ቶረስ ስትረይትን ዝውክል ብዛዕባ ጕዳያት ደቀባት አብ ፓርላማን ከምኡውን አብቲ ወሳኒ አካል መንግስቲ ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ተወከልቲ ክህልዉዎም ኢዮም።"

ብተወሳኺውን እቲ ባይቶ "ምስ ድምጺ ደቀባትን ማሕበተሰብ ደሴታት ቶረስ ስትረይትን ዚተሓሓዝ ጕዳያት እንተላይ ኣቃውማኡን ኣሰራርሓኡን ሓይሉን መርሒታቱን ብዝምልከት ሕግታት ናይ ምውጻእ ስልጣን ክህልዎ ኢዩ። "

26 September 2023, 13:21