ድለ

ካብ በርሊን ጻውዒት ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ህዝብታት ዝፈላልይ መናድቕ ይፍረስ! ካብ በርሊን ጻውዒት ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ህዝብታት ዝፈላልይ መናድቕ ይፍረስ! 

ካብ በርሊን ጻውዒት ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ፥ ህዝብታት ዝፈላልይ መናድቕ ይፍረስ!

ኲናት ስዕረት ሰብኣውነት እዩ፥ ዘለኣለማዊ ክኸውን ሳዕቤናቱ ከስፍሕ ንቶም ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ነቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝብን ከባብን ከይተረፈ ዝጸሉ ሓደጋ የስዕብ

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ “ትብዓት ሰላም” ብዝብል መርሕ ቃል ዝጠለቦ ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ናይ 2023 ዓ.ም. ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዓውደ ጉባኤ፥ “ኣብ ዓለም ኣጽዋር ውግእ ኣብ ዝዛረበሉ ዘሎ እዋን ዘተ ክተባባዕ” ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዘለኣለማዊ ዝኾነ ፈላላይ መንደቕ የሎን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1989 ዓ.ም. ኣብ በርሊን ዝተራእየ “ሰላማዊ ሰውራ” እቲ ኣብ ኤውሮጳ እስያ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ኣብ ማእከል ባሕሪ ንህዝብታት ዝፈላልይ መናድቕ ዝርአን ዘይረአን” ኣብ ቀረባ እዋን ዝድገም ታሪኽ ክኸውን ዝኽኣል እዩ።”. . . እዚ ናይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ብመንፈስ ኣዚዚ ዝተኣከቡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ “ትብዓት ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ መሰረታዊ ሓሳብ ክኽውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ መበል 37 ዓውደ ኣኼባ ዝመጽእ ናይ 2024 ዓ.ም. መበል 38 ዓውደ ኣኼባ ኣብ ፓሪስ ንኽካየድ ዕለት 13 መስከረም ኣብ  መዛዘሚ ዓውደ ኣኼባ ከም እተወሰነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘተ ምብጋስ

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፥ ነቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጉባኤ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “እቲ ዓውደ ርክብ ነፍሲ ወከፍ ግጭት ኣዴታትን ስደተይናታትን ኣብ ውግእ ዝሞቱን ዝጭድርዎ ኣውያት፡ ሰላም ንምስማዕ ዝጽውዕ ምዃኑን፥ እዚ ኣውያት ሰላም እዚ ክስማዕ ዘለዎ “ቅዱስ መሰል ኩሉ” እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሉ ብምዝኽካር፥ . . . ውግእ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ንሓድሕድካ ንምዝታይ ትብዓት ክህልውን ኣብቲ ኣጽዋር ጥራሕ ኣብ ዝዛረበሉ ዘሎ እዋን እውን እተኾነ ዘተ ክካየድ ዝበለጸን ንዘላቕ ሰላም መሰረት ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሰኣሊያነ ሰላም

ሃይማኖታት ክብደት ናይ ዘለወን ሓላፍነት ኣዚዩ ስለ ዝስመዐን “ሰኣሊያነ ሰላም” ይኾና። ሰላም ንምግባርን ንምርግጋጽን ንጥንቃቐ ክስዕሮ ኣለዎ። ምኽንያቱ ሰላም ንበደል ኢድካ ምሃብ ዘጠቓልል ዘይኮነስ “መወዳእታ ዘይብሉ ምድግጋም ሓደጋታት ዘለዎን ሰብ ክቆጻጸሮ ዘይክአሎ ዝመስል ግጭት” ዘስዕብ ሓደጋ ምውጋድ ስለ ዝኾነ . . . ዘለኣለማዊ ውግእ የሎን! ዝብል ርግጸይናነት ናይ እምነት ባህሊ እዩ ከም ዝበሉን

ናይ ሕውነትን ኣሕዋትን ዓለም

ኲናት ስዕረት ሰብኣውነት እዩ፥ ዘለኣለማዊ ክኸውን ሳዕቤናቱ ከስፍሕ ንቶም ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ነቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ህዝብን ከባብን ከይተረፈ ዝጸሉ ሓደጋ የስዕብ፡ ምኽንያቱ ኩናት ከምኡ እውን ለበዳታትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ምምዝባል ህዝብታን ዘይምዕሩይነትን ንኹሉ እዩ ዝትንክፍ፥ ካብዚ ናይዞም ጸገማት ጽልዋ ናጻ ክኸውን ዝኽእል ሰብ የሎን፡ እቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ዘውጽእዎን ዝኸተምዎን ናይ ሓባር መግለጺ ብኣጽንዖት ብምምልካት፥ ናይ ሰላም ጻውዒት ብምኽታም፥ ናይ ሕውነትን ኣሕዋትን ዓለም ንምሃንጽ ቃል ከም ዝኣተዉን . . . ውግእ ንእተዘየጥፋእናዮ ውግእ ንሰብኣውነት ከጥፍኦ እዩ፡ ስለዚ ከየጥፍኣና ከነጥፍኦ ይግብኣና፡” ብቕጽበት ካብ ምርጋፍ ኣጽዋር ንበገስ ውግእን ወረ ውግእን ድማ ደው ነብሎ . . . ንዕርቂ ህዝብታት እቲ ዝበለጸ ኣድማዒ ፈውሲ ካብ ዝኾነ ዘተ ሓቢርና ንበገስ፥ ምኽንያቱ ሰላም ኩሉ ግዜ ተኻኣሊ ስለ ዝኾነ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

14 September 2023, 15:56