ድለ

2023.08.24  መንእሰያት ኤውሮጳውያን ንመጻኢ ሰላም ዓለም ምሕዝነት ዳግማይ ንምርግጋጽ 2023.08.24 መንእሰያት ኤውሮጳውያን ንመጻኢ ሰላም ዓለም ምሕዝነት ዳግማይ ንምርግጋጽ 

መንእሰያት ኤውሮጳውያን ንመጻኢ ሰላም ዓለም ምሕዝነት ዳግማይ ንምርግጋጽ

ቨነዚያን፥ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ “መንእሰያት ንሰላም” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ ርክብ ይሳተፉ ከምዘለዉ

ኣብ ኢጣሊያ ዝመደብሩ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ፥ ኤውሮጳውያን መንእሰያት ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶዋን ቨነዚያን ብምርኻብ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኩናትን ካልኦት ኣብ ዓለም ዝፍጸሙ ግጭታትን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ንሰላም ዘለዎም ባህጊ ደጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 13 ሃገራት ኤውሮጳ ዝምጹ ኣስታት ሓደ ሺሕ መንእሰያት ተመሃሮ ካላእይ ደረጃን መንበረ ጥበብን ካብ ዕለት 25 – 27 ነሓሰ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኢጣሊያ ከተማታት ፓዶዋን ቨነዚያን፥ ኣህጉራዊ ኣኼባ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ “መንእሰያት ንሰላም” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ ርክብ ይሳተፉ ከምዘለዉን እዚ እውን “ዓለማዊ ምሕዝነት ንመጻኢ ሰላም” ዝብል ኮይኑ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዘሎን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ንምድንፋዕ ዘለዎም ባህግን ተወፋይነትን ደጊሞም የረጋግጹ ከምዘለዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዞም መንእሰያት ናይ ሰላም ተስፋ ንምክፋል ከምኡ እውን ስነ ህይወትን ስደትን ድኽነትን ኣብ ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ብምዝታይ ናይ ምድግጋፍን ምትሕልላይን ባህሊ ንምምዕባል ዕላማ ዝገበሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ጸሎት ዋዜማ ምእንቲ ሰላም ምስ ካርዲናል ማተዮ ጹፒ

በቲ ናይዚ ርክብ መደብ መሰረት፥ ዕለት 25 ነሓሰ ምሸት ብናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ደው ክብል ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ እንክብሉ ዝሰመይዎም ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዋሽንግተን ብምኻድ ኣብ ዩክረይን ፍትሓዊ ሰላም ንኽሉ መገዲ ክኽፈት ዝኹሕኩሑ ናብ ቻይና ብምኻድ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዘክእል ኣንፈት ኣብ ምንዳይ ክዝትዩ ትጽቢት ዝግበረሎም ዘሎ ካርዲናል ማተዮ ማሪያ ጺፒ ዝተመርሐ ጸሎት ዋዜማ ምእንቲ ሰላም ከምእተኻየደን ሰንበት ንጎሆ ተጋባእያን መንእሰያት ምስ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ኣብ ዝተረኽብሉ “ኵሉ ክቕየር ይኽእል” ብዝብል ኣርእስቲ  ኣብ ዝምራሕ ዓውደ ዘተ ክሳተፉ እዮም፥ እዚ መደብ ርክብ እዚ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቨነዚያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ማርቆስ ንሰላም ብዝካየድ ሽምዓ ብናይ ምብራህ ስነ ስርዓት ክዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

26 August 2023, 17:27