ድለ

መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ይቃወሙ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ይቃወሙ  (ANSA)

መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ይቃወሙ

“ኣብዚ ተኣፋፊ ኵነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ምስቶም ዘተ ዝመርጹ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይህሉ ጻውዒት ምስዘቕርቡ ንሓብር፥ እዚ ምስትውዓል እዚ ድማ ኣቃልቦ ክግበረሉ ነተባብዕ፡”

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተዋፊረን ናይ ዘገልግላ ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ኣሕሉቕን ጳጳሳትን ኣብ ኒጀር ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ንምውጋድ ዝሃቀነ ክግበር ኣለዎ ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ዘይኮነ ነቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዘጋድዶ እዩ ቢሎም፡ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ንቃወም ከም ዝበሉ ኣይሲ - ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካን ወንጌልን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ጳጳሳትን ኣብታ ብዕልዋ መንግስቲ ዝተሃስየት ኒጀር ዝኾነ ይኹን ክፍጸም ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምቅዋም፡ ምርግጋእ ከጥፍእ ዝኽእል ስጉምቲ ከይግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ አይሲ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣድላይነት ዘተ

ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ማሕበርን ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ዞባዊ ጉባኤ፥ ናብ ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ፥ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብጀካ ዘተ ካልእ ዓይነት ምትእትታው ከምዘይፈትሖ የተሓሳስቡ።

“ኣብዚ ተኣፋፊ ኵነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ምስቶም ዘተ ዝመርጹ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይህሉ ጻውዒት ምስዘቕርቡ ንሓብር፥ እዚ ምስትውዓል እዚ ድማ ኣቃልቦ ክግበረሉ ነተባብዕ፡” ከም ዝበሉን ድሕሪ እቲ ዕለት 27 ሓምለ ብጀነራል ኣብዱልራሕማን ትቺያኒ ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ፥ ንምእላይ ኣብ ኒጀር ቅዋማዊ ስርዓት ውሑስ ንምግባር ዝብል ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ዋዕላ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብር ወሲኑ ከም ዝነበረ ዝዝኸር ኮይኑ፥ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ልዕሊ ኒጀር ቁጠባዊ እገዳ ሓዊሱ ክሳብ ሕጂ ዝተሰማምዑሎም ስጉምትታት ብምድጋፍ ኮሎም ኣማራጺታት ብምቕራብ ነቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘለዎም ቆራጽነት ከምዘስመሩሉ ካቶሊክ ኣገልግሎት ዜና ከምዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ዝኽእል ሓደጋ

ኣብ ኒጀር ወተሃደርዊ ምትእትታው ይብሉ ኣሕሉቕ ገዳማትን ገዳማውያንን ናይቲ ዞባ ጉባኤ ጳጳሳት ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ብኔቶ - ውድብ ውዕል ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ ኪዳን ዝድገፍ ስርዓት ሙዓመር ቃዛፊ ንምእላይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዘተኣታተዎ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ዘይውሕስነት ናብ ምዕራባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ዘተኣታትዎ እዩ። “ኣብ ኒጀር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስትን ስልጣን ንምሓዝ ሓይሊ ምጥቓምን ክንኩንን እንኮለና፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምላስ ወተሃደራው ሓይሊ ምጥቓም እውን ማዕረ ማዕሪኡ ንቃወም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ካቶሊክ ኣገልግሎት ዜና ጠቑሱ ክሕብር እንከሎ ኣስዒቡ፥ “ስለዚ ዞባዊ ቁጠባዊ ማሕበረሰብን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ መጻኢ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ከይፍጸም ኩነታት ኒጀር መሰረት ገይሮም፡ ኣብ ቅኑዕን ፍትሓውን መንግስታዊ ምሕደራ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ከተኩርን ነዚ ዓይነት ምሕደራ እዚ ኣብ ምስፋሕ ከተኩሩ” ኣተሓሳሲቦም፥ ብተወሳኺ ኩለን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ጸጋታት ሃገር ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ ኣብ ዕልዋ መግንስቲ ኒጀር ጣልቃ ንምእታው ካብ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ክቑጠባ ጻውዒት ነቕርብ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅርበት ንህዝቢ ኒጀር

“ህዝቢ ኒጀርን እቲ ንኡስ ዞባን ሰላም የድልዮ! ልዑላውነት ኣብ ኢድ ህዝቢ ስለ ዘሎ ናይ መወዳእታ ተጠቃሚ ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጸጋታት ክኾኑ ኣለዎም። ንህዝቢ ኒጀር ካልእ ሽግራት ኣይንወስኸሉ” ዝበሉ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ገዳማትን ገዳማውያንን ወንጌላውያን ልኡካን ማሕበራት ኣሕሉቕ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ “ኣብዚ ጽንኩር እዋን ምስ ህዝቢ ኒጀር ዘሎና ቅርበት ንገልጽ፡ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት - ኣብ ኒጀርን ኣብ ንእሱ ዞባን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ክጽልዩ ንላበው” ከምዝበሉ ካቶሊካዊ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ናይ ቶጎ ጉባኤ ጳጳሳት፥ ንህዝቢ ኒጀር ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምእንቲ ሰላም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጾምን ጽሎትን ከምዝኣወጁን፥ “ናይ ፖለቲካዊ ውሳነ ወሃብቲ፡ ሕልናን ስምዒት ሓላፍነትን ነዘኻኽር፥” ፖለቲካዊ መራሕቲ “ንኣውያት ጭንቀት ህዝቢ ኒጀር ብምስማዕ” ነቲ ቅልውላው ፍታሕ ኣብ ምድላይ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ነቲ ክሌኣዊ ስነ መላዊ መገዲ ርክብን ዘተን ሽምግልናን ክድግፉ” ኣተሓሳሲቦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኒጀር ዘንበሮ እገዳ ከልዕል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ቀንዲ ግዳይ “በርገሳዊ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ህጽናትን ኣረጋውያን” እያቶም ስለዚህ ነቲ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይትግበር ዝብሉ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝቃወሙን ዘኪሮም፥ “እዚ ውሳኔ እዚ ተባዕን ለባምን ጥንቁቕን መርገጺ መራሕቲ ሰላም” እንክብሉ ገሊጾም፥ ኩሉን ኣብ ጉዳይ ኒጀር ዝዋስኡ ወገናትን ኣብ ዘተን ምስትውዓልን ኣብ ዝብል ሓሳብ ክኣምኑ ንዕድም” ቢሎም፥ ነቶም ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒጀር ናይ ሰለሰተ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ንዝሳተፉ ዘለዉን ነቶም መዓልታዊ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኒጀር ንዝጽልዩ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ንኒጀር ዘለዎም ቅርበት ኣረጋጊጾም፥ “ካብ ጐይታ ንናይ ኩሉ ረብሓ ቅልጡፍ ናብ ህድኣት ምምላስን ናይ ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ጸጋ ንልምን” እንክብሉ ዘውጽእዎ መገልጺ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 August 2023, 16:56