ድለ

2019.07.02 NATURA 2019.07.02 NATURA 

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ፦ “ካልኣይ ክፍል “ስብሓት ሎት” ብ4 ጥቅምቲ ኺሕተም ኢያ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብ1 መስከረም ጀሚሩ ኣብ 4 ጥቅምቲ ብበዓለ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘአሲዚ ዝዛዘም ጸሎት ሳልስቲ ምእንቲ ፍጥረት ምኽንያት ብምግባር እታ ብሃንቀውታ ይጽበይዋ ዝነበሩ "ስብሓት ሎት" ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ክትሕተም ምዃና አዊጆም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 30 ነሓሰ ኣብ ሃገር ቫቲካን አብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ አብ ዘቕረብዎ አስተምህሮ ነቲ ኣብ ዕለት 1 መስከረም ዝውዕል  መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ክንክን ፍጥረት ብሃቀውታ ይጽበይዎ ከም ዘለዉ አመልኪቶም። ቁዉም-ሓሳብ ናይዚ ዓመት ከአ "ፍትሕን ሰላምን ይውሕዝ" ዝብል ክኸውን ኢዩ። 

ቅዱስ ኣቦና ከም ዘመልከትዎ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቲ ክሳዕ 4 ጥቅምቲ ማለት ክሳዕ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዚቕጽል ጸሎት ሳልስቲ ምእንቲ ክንክን ፍጥረት ከም እትጅምር ውን አዘኻኸሩ ። 

ከምቲ ብ21 ነሓሰ ካብ ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ንዝመጹ ተወከልቲ ጠበቓታት ተቐቢሎም ምስ አዘራረብዎም ዝኣወጅዎ ቅዱስ ኣቦና እታ ኻልኣይቲ ክፋል ስብሓት ሎቱ  ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቶም  ብ4 ጥቅምቲ ከም እትሕተም ገለጾም። 

ነቶም ግዳያት ከባቢያዊ ምጕዳል ፍትሒ ዝዀኑ ሰባት ምውካል 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካልኣይቲ ክፍል “ስብሓት ሎቱ” ዝኾነት ሓዋርያዊት ምዕዳን ከሕትም መደብ ኣሎኒ" በሉ። "ምስ ኩሎም ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓቢርና ንፍጥረት ከም ቅዱስ ውህበት ፈጣሪ ጌርና ኽንከናኸኖ ቘራጽነት ንግበር።" 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ረቡዕ ዕለት 30 ነሓሰ ዝበልዎ ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝወጸ አዋጅ ቐንዲ መልእኽቱ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጽ ኢዩ ዝነበረ - 

"ምስቶም ግዳያት አብ ኣከባብያውን ኩነታት አየርን ዝግበር ምጕዳል ፍትሒ ዝዀኑ ሰባት ደው ምባል ኣድላዪ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብታ ዘስካሕክሕ ውግእ ዓለም አብታ ሓባራዊት ቤትና ዝኾነት ምድሪ ዝግበር ዘሎ ትርጉም ዘይብሉ ውግእ ደው ንምባል ምጽዓር ኢዩ ። ኵላትኩም ክትዓዩን እንደገና ምልአተ ህይወት ምእንቲ ክትረኽቡን ክትጽልዩን እምሕጸነኩም ኣለኹ" በሉ። 

ህዝባዊ መርሒታትና ምቕያር 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ መልእኽቶም "ልብና ኣነባብራና ከምኡውን ንማሕበረሰብና ዝገዝእ ህዝባዊ መምርሒታትና ንምቕያር" ቈራጽነት ክንገብር ከም ዘሎና ገለጹ። 

ብዛዕባ ስነ-አከባቢያዊ ለውጢ ኸምኡውን ንፍጥረት ከም ሓደ ኺምዝመዝ ዘለዎ ነገር ዘይኰነስ "ካብ ፈጣሪና ኸም እተዋህበና ቕዱስ ውህበት" ጌርና ኽንሕልዎ ኸም ዘሎና ህጹጽ ጕዳይ እውን ምዃኑ አመልከቱ። 

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ክንክን ንፍጥረት ብዝምልከት "ነቲ ንማሕበረሰብና ዝመርሕ ዘሎን ሎሚ ዀነ ጽባሕ ንህይወት መንእሰያት ዝቐርጽን ህዝባዊ መምርሒታት ምቕያር" ኣድላዪ ምዃኑ ኣትሪሮም  ተዛረቡ። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንኣገዳስነት ሲኖዶሳውነት አስሚሮም ዘለዎም ተስፋታት ገለጹ - "ኣብዚ ሳልስቲ ክንክን  ፍጥረት እዚ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ምዃንና መጠን ኣብቲ ብሓባር እንገብሮ ሲኖዶሳዊ ጕዕዞ ነዛ ሓባራዊት ቤትና እንደገና ንህይወት ምችእትን ትዕምትን ክንገብራ ክንሰርሕን ክንጽልን ይግብአና" ከም ዝበሉ ዜናቫቲካን አመልኪቱ ።

31 August 2023, 16:15