ድለ

ጳጳሳት ፐሩ ጓል 11 ዓመት ጥንሲ ክትንጽል ዝተውሃበ ውሳኔ ይነቕፉ ጳጳሳት ፐሩ ጓል 11 ዓመት ጥንሲ ክትንጽል ዝተውሃበ ውሳኔ ይነቕፉ  (©Natalya Lys - stock.adobe.com)

ጳጳሳት ፐሩ ጓል 11 ዓመት ጥንሲ ክትንጽል ዝተውሃበ ውሳኔ ይነቕፉ

“እቲ ጥንሲ ምንጻል ዝብል ውሳኔ ዘይፍትሓውን ምግሃስ መሰል ህይወት ዘይተወልደ ህጻንን ብምዃኑ ነዚ ውሳኔ እዚ ብምንጻግ ድምጽና ነስምዕ”

ኣብ ፐሩ ሓንቲ ጓል 11 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ጥንሲ ክትንጽል ናይ ሓኻይም ቤት ምኽሪ ዝሃቦ ፍቓድ ናይታ ሃገር ጳጳሳት፥ መንግስቲ መሰል ህይወት ኣደን እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ህይወትን ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎ እንክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንናይ ሞት ባህሊ ማዕጾ ኣይንኽፈት” ነዚ ዝበሉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፐሩ፥ ህይወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነትን እዋንን ክሕሎን ምክልኻል ክገበርሉን የድሊ እንክብሉ፡ ናይታ ሃገር ናይ ቤት ምኽሪ ሓኻይም ንሓንቲ ጥንሲ ዝሓዘት ጓል 11 ዓመት ቆልዓ ጥንሲ ክትንጽል ንዝሃቦ ናይ ይኹንታ ውሳኔ ተቓውሞኦም የስምዑ።

ጉባኤ ጳጳሳት ፐሩ ኣብ ዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ንዘይተወልዱ ህንጻናት መሰል ህይወትን መሰል ኣደ ህጻንን ምክልኻል ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ገይሮም ነቲ ናይ ፐሩ ቤት ምኽሪ ሓካይም ውሳኔ ከም ኣተቓወሙን፡ “እቲ ጥንሲ ምንጻል ዝብል ውሳኔ ዘይፍትሓውን ምግሃስ መሰል ህይወት ዘይተወልደ ህጻንን ብምዃኑ ነዚ ውሳኔ እዚ ብምንጻግ ድምጽና ነስምዕ” ምስ በሉ ወሲኾም፥ “ እቲ ቀጻሊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኩሉ ግዜ መሰል ህይወት ኣደን ውላድን ንምሕላው ዝቖመ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተጋራጫዊ ውሳኔታት

ኣብ ፐሩ ዞባ ሎረቶ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ሓኻይም “ፍወሳዊ ምንጻል ጥንሲ” ዝብሃል ከም ሓደጋ ሞት ወይ ነታ ነፍሰጾር ኣደ ነባሪ ጉዳኣት ከስዕብ ምስ ዝኽእል” ክትግበር ኣለዎ ዝብል ውሳኔ” መሰረት እቲ ቤት ምኽሪ ሓኻይም ዝሃቦ ውሳኔ ነዚ ኣድላዪ ቅድመ ኩነታት ዘየማልእ እዩ፡ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ሊማ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ሓኻይም ነቲ ምንጻል ጥንሲ ከምዘጸቖን እዚ ውሳኔ እዚ ነቲ ከም ምኽንያት ዝቐርብ ሓሳብ ዝጻረር እዩ” ዝበሉ ጳጳሳት ፐሩ፥

መሰል ህይወት

“ህይወት ፍጹም ዘይምንዛዕ መሰል እዩ። ምኽንያቱ መለኮታዊ ውህበት ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሓምሻይ ትእዛዝ ‘ኣይትቕተል’ (ዘጸኣት 20.13) ዝብሎ፡ እግዚኣብሔር ህይወት ክንሕልዎ ይሓትተና።” በዚ መሰረት እዚ ጳጳሳት መንግስቲ ግዴታኡ - ንምኒስትሪ ጥዕና ሓዊሱ - ህይወት ነፍሰጾር ኣደን ኣብ ማሕጸን ዘሎ ህንጻንን ንምሕላው ዘመናዊ ኣገባባት ሕርሲ ክጥቀም ከምዘለዎ የረጋግጹ። እቲ ቤት ምኽሪ ሓኻይም ዝህቦ ውሳኔ “ንገለ ዓመታት ምንጻል ጥንሲ ከም ገበን ንዝርእዮ ሕጊ ሃገር ንምዝራዝ ዝግበር ቀጻሊ እናዓበየ ዝኸይድን ጸቕጢ ምህላዉ ዘረጋግጽ እዩ” እንክብሉ ጓሂኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ናይ ፐሩ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመልክት።

ናይ ህይወት ባህሊ ኣንጻር ናይ ሞት ባህሊ እዩ!

ጳጳሳት ፐሩ ቀጺሎም በርገሳዊ ሰበስልጣንን ኣባላት ክንክን ጥዕናን ናይ ህይወት ባህሊ ክሕልዉ እምበር ንናይ ሞት ባህሊ ማዕጾ ከይከፍቱ” ተላብዮም፥ ኣብ መወዳእታ፥ “እታ ጓል 11 ዓመት ‘ሚላ’ ብምሉእን ብቑዕን ኣገባብ ክትሕብሐብ ካብ ቁስሊ ዓመጽ ክትሓዊ ክትሕገዝ፡ ምንጻል ጥንሲ ከይትገብር፡ ከምኡ እውን እቲ ዝዓመጻ ክኽሰስን ብሕጊ ሃገር መሰረት ግብእ ፍርዲ ክረክብ ብምግባር ካልእ ተመሳሳሊ ዓመጽ ክይፍጸም ምትብባዕ እዩ እቲ ምርጫ ክኸውን ዘለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 August 2023, 16:02