ድለ

ኒካራጓ፥ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢየሱሳውያንን ምህጋር ንብረቶምን ኒካራጓ፥ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢየሱሳውያንን ምህጋር ንብረቶምን 

ኒካራጓ፥ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢየሱሳውያንን ምህጋር ንብረቶምን

ነቲ ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝፍጸም ዘሎ ሓደሽ ወራር” ብትሪ ኮኒኑ፡ ሕጂ እውን መንግስቲ ኒካራጓ ነቲ “ስርዓታዊ ዓፈናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ብቕልጡፍ መወዳእታ ክገብረሉ

ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ዓፈናን ጸቕጥን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ስርዓት ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ኣጊዱን ኩሉ ንብረቶም ክህገር ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋላ`ኳ ኣብ መላእ ዓለም ተቓውሞን ውግዘትን ይመሓላለፍ እንተሃለወ፡ ስርዓት ሳንዳኒስታ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ተቓውሞን ዝፍጽሞ ዘሎ ስጉምትታት ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ። ሰበ ስልጣን ኒካራጓ ንማሕበርሰብ ካህናት ኢየሱሳውያን ካብቲ ኣብ ማናጉዋ ካብ ዝርከብ በቲ ማሕበር ዝተመሰረተን ዝመሓደርን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማከላይ ኣመሪካ ሃጊሮምን ካብኡ ድሕሪ ምስጓጎም ዕለት 23 ነሓሰ ንመላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ከም ዝኣገደን ኩሉ ንብረታቶም ድማ ጸብጻብ ግብሪ ኣይተኸተለን ብዝብል ምስምስ ከም ዝሃገሮ ይንገር።

ምህጋር ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካን ምስጓ ኢየሱሳውያን ካብ መንበሪኦምን

እዚ ስጉምቲ እዚ መንግስቲ ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣንጻር ስርዓት ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርቴጋ ዝተኻየደ ተቓውሞታት ማእከል ዝገበረ ኣብ ማናጉዋ ብኢየሱሳውያን ዝመሓደር ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ‘ማእከል ግብረ ሽበራ” እዩ ቢሉ ከም ዝሃገሮን፡ ነቶም ኣብቲ መንበረ ጥበብ ዝነብሩ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኢየሱሳውያን ከም ዝሰጎጎምን ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ስጉምቲ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢየሱሳውያን ሓያል ግብረ መልሲ የስዕብ ከም ዘሎን ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ዓቢይ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ፥ ብዛዕባ መንግስቲ ኒካራውጓ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣማእኪሎም፥ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን ነቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ተመሃሮን መምሃራንን ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ቅርበቶም ገሊጾም፥ “ኣብ ሓቂ ናጽነትን መሰል ክብርታት ዝተመርኮዘ ትምህርቲ ንመንእሰያት ከምኡ እውን ንኹሉ ህዝቢ ኒካራጓ መሰረት ዝገብር ዘተ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ሕጂ እውን ብፍሉይ መንገዲ ኣብዚ ህሞት መስቀል ነቲ ኣብ ኒካራጓ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ዝርከብ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝተመስረተን ዝመሓደርን መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ንዘለዎ ተልእኾን ንመላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ደገፈይ እገልጽ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሓድሽ ውግዘት ካብ ዞባዊ ኢየሱሳውያን ማእከላይ ኣመሪካ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ዞባ ማእከላይ ኣመሪካ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር እቲ UCA ብዝብል ኣህጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ - “መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ” ኣብ 1963 ዓ.ም. ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዘይመኽሰባዊ ርእሱ ዝኸኣለ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክርስቲያናዊ መንፈስ ዘለዎ ትካል ትምህርቲ ኮይኑ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መንበረ ጥበብ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምሕደራ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ናይ ትምህርቲ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ እንክብሉ፥ መንግስቲ ብቕልጡፍ ኣብ ልዕሊ እቲ መንበረ ጥበብ ዝፈጸሞ ጎበጣ ደው ከብል ንሓትት፡ ብተወሳኺ እቲ ናይ ማሕበረሰብ ስነ ምምህርና ናጽነትን ኣብ ምሁራውን ማሕበራውን ምዕባለ እታ ሃገር ኣበርክቶ ናይ ምግባር ዓቕሙን ዳግማይ ክረክብ ክፍቀደሉ ንሓትት፡ እቲ ናይ መንግስቲ ስርዓት “ንሓደ ምልካዊ መግንስቲ ንምድልዳል ዝዓለመ” ብስሩዕ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝግህስ እዩ” እንክብል ገሊጽዎ ከም ዝነበረ ይሕብር። ኣብቲ ሓድሽ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ነቲ ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝፍጸም ዘሎ ሓደሽ ወራር” ብትሪ ኮኒኑ፡ ሕጂ እውን መንግስቲ ኒካራጓ ነቲ “ስርዓታዊ ዓፈናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ብቕልጡፍ መወዳእታ ክገብረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ እቲ ዘሎ ሃዋሁ ንሃገርና ናብ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት ዝመርሕ እዩ” ከምዝበለን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኦርተጋን ምኽትሎን በዓልቲ ቤቶም ሮዛሪዮ ሙሪሎን ሓቀይና ፍትሒ ዘተ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ልዕልና ሕጊ መሰረት “ርትዓዊ ፍታሕ” ክደልዩ ከምዘተሓሳሰቡን ኣብ መወዳእታ ኢየሱሳውያን ዞባ ማእከላይ ኣመሪካ፥ ኣብ ኒካራጓ፡ “ፍትሕን ካሕሳን ዝጽበዩ” ኣሽሓት ግዳይት “መንግስታዊ ዓፈና” ንዝኾኑ ዘለዎም ቅርበትን ኣብዚ ቅልውላው ንዝርከቡ ዝቐርብ ዓለም ለኻዊ ደገፍን ምትሕግጋዝን” ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተቓውሞ ምዕፋን

እቲ ምዕጻውን ምስጓግን ምህጋርን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ኣይኮነን፡ ኒካራጓ ልዕሊ 3 ሺሕ በረግሳውያን ጉጅለታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካብ ሕጊ ወጻኢ ገይራ ወይ ዓጽያ እያ። ኣብ ወርሒ ግንቦት መንግስቲ ቀይሕ መስቀል ኒካራጓ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ጸረ መግንስታዊ ሰልፍታት “ኣብ ልዕሊ ሰላምን ምርግጋእን መጥቃዕቲ ፈጺሙ” ብምባል ክዕጾ ከምዝገበረ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ወርሒ ሰነ ብስርዓት መንግስቲ ኦርተጋ ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ወርሒ ለካቲት ንስደት ዝተዳረጉ ተሓለቕቲ መሰላት ጋዜጠይናታት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 222 ተቓወምቲ ኣካላት ንብረቶም ከም እተሃገረ የመልክት።

25 August 2023, 16:57