ድለ

ኢየሱሳውያን ኣብ ኒካራጓ፥ “ክርስቲያናዊ ክብርታት ኵሉ ግዜ ኣብ መወዳእታ ይዕወት!” ኢየሱሳውያን ኣብ ኒካራጓ፥ “ክርስቲያናዊ ክብርታት ኵሉ ግዜ ኣብ መወዳእታ ይዕወት!”  (AFP or licensors)

ኢየሱሳውያን ኣብ ኒካራጓ፥ “ክርስቲያናዊ ክብርታት ኵሉ ግዜ ኣብ መወዳእታ ይዕወት!”

እቲ መንበረ ጥበብ ኣፍራይ ፍልጠትን ሃናጺ ነቐፌታን ክፉትን ኣተሓሳስባን መጋበርያ ብምዃኑ በዚ ምኽንያት መንግስቲ ባህ ከም ዘየብሎን ከም ጸላኢ ክራዮን ዝከኣል እዩ

“ንሕና ኢየሱሳውያን ነቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ክንከውን ኢየሱስ ዝህቦ ትእዛዝ እሙናት ክንከውን ኢና እንደሊ” ነዚ ዝበሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኾሰ ማሪያ ቶኸይራ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢየሱሳውያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኒካራጓ ኣብ መደብ ህንጸት ብፍላይ ኣብ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካን ከምኡ እውን ኣብ ኣገልግልት ግብረ ሰናይ ዝተዋፈሩ እዮም፡ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ 1963 ዓ.ም. ብኢየሷውያን ዝተመስረተን ዝመሓደርን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ብናይታ ሃገር መግንስቲ ኦርተጋ ይተሃገርን እቲ ማሕበር እውን ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ኣካልነቱ ዝተሓከ ይኹን፥ ኣገልግሎቶም ካብ ምቕራብ ዘይቦኽሩ ምዃኖም ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ናይ ዜናን ሕትመትን ጉዳያት ሓላፊ ኣባ ኾሰ ማሪያ ቶኸይራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ “እቲ መንበረ ጥበብ ኣፍራዪ ፍልጠትን ሃናጺ ነቐፌታን ክፉትን ኣተሓሳስባ ዘስርጽ ስለ ዝኾነ በዚ ምኽንያት እዚ መንግስቲ ከም ጸላኢ ክርእዮ ይኽእል - ክርስቲያናዊ ክብርታት ምስ ጽንዓቶምን ተቓውሞኦምን ዋላ’ውን ብመስቀል ክንሓልፎ ዝግብኣና ህሞት እንተሃለወ ኩሉ ግዜ ተዓዋቲ እዩ፡ ምስጓግ ወይ ምህጋር ንብረት ናይቲ ማሕበር ኮነ ናይ ክልኦት ገዳማትን ኩሉ ግዜ ክጋጥም ዝከኣል ምዃኑ ብምስትውዓል እዮም ዝነብሩ” ኢሎም።

መንስግቲ ኒካራጓ ነዚ ውሳነ ኣንጻር ማሕበር ኢየሱሳውያን ክወስድ ዝደረኾ ምኽንያት እንታይ ይመስለኩም? መንግስቲ ኒካራጓ ንርእይቶ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ንረብሓኡ ክቆጻጸሮ ይጽዕር ኣሎ፡ ኣብዚ ኩነታት እዚ እዩ ንቤተ ክርስቲያንን ንማሕበር ኢየሱስን ዘሳድድ ዘሎ፡ ብፍላይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ 2018 ዓ.ም. እቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ንናይ ህዝቢ መሰልን ክብርን ደው ብምባሉ ናጽነትን ምኽባር ጭቡጥ መሰላት ህዝቢ ዝጠልብ ዓበይቲ ሰልፍታት ክካየዱ ዝሓትት ሕቶታት እውን የቕርብ ብምንባሩ እዚ ጉዳይ እዚ ንመንግስቲ ኣቖጢዕዎ ከም ዝነበረን ኣብ መንጎ መንእሰያትን መንግስትን ዝተገብረ ናይ ምሽምጋል ስራሕ ንካርዲናል ብሬነስ ከም ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊ ዝተዋህበ ከም ዝነበረን እዚ እውን ንመንግስቲ ብዙሕ ኣቖጢዕዎ እዩ፥ እቲ መንበረ ጥበብ ኣፍራይ ፍልጠትን ሃናጺ ነቐፌታን ክፉትን ኣተሓሳስባን መጋበርያ ብምዃኑ በዚ ምኽንያት መንግስቲ ባህ ከም ዘየብሎን ከም ጸላኢ ክራዮን ዝከኣል እዩ።

ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ኒካራጓ ብጀካ እቲ መንበረ ጥበብ ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርትታት እውን ኣለዎ፥ ብጠቕላላ ካህናትን ደናግል ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ዝርከብዎ 800 ተሓበርትን ሰራሕተይናታትን ዝዋፈሩሉን ከምኡ እውን ብኢየሱሳውያን ዝመሓደር ቁምስና እውን ነይሩ ደሓር ግን ዝትክእ ካህን ስለ ዘይተረኽበ እቲ ቁምስና ናብ ናይ ማናጓ ጳጳስ ከነመሓላልፎ ተገዲድና፥ ብዙሓት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናት ማሕበራትን ተሰጒይጎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ተጻዊሮም ዝተረፉ ኣለዉ፥ ኣብነት እውን እዮም። ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ምስናይን ዘተ ምትብባዕን እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦን ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ዘጋጥማ ስቓይን መከራን ትጻወር ኣላ።

እዚ ኩነታት እዚ ምስ ኣጋጠመ ኢየሱሳውያን ንመንግስቲ ኒካራጓ እንታይ ምላሽ ይህብ? እቲ እነተባብዖ ዘተን ምምላስ ዝተሃገረ ንብረትን ኣብታ ሃገር ኣገልግሎትና ክንቅጽልን ናይ ህላወ ውሕስነትን ዝብል እዩ ንመንግስቲ ኒካራጓ እነቕርቦ ሕቶ፡ ነቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝግህስ ኣብ ልዕሌና ዝቐረበ ክስታት ክስርዝን መሰል ዜግነት ክኽበርን ንስደት ካብ ዘገድድ ኩነታት ናጻ ምዃን እቲ ኣብ ኒካራጓ እተገልግል ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ኣተተባብዖን እትዓየሉን ካብቲ ዘሎ ዘጸግም ኩነታትን ምስሓሓብን ንምውጋድ ዘተ ምንቕቓሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

28 August 2023, 15:59