ድለ

ጳጳሳት ጃፓንን ሕ.መ. ኣመሪካን ካብ ኑክልየር ናጻ ዝኾነት ዓለም ኣብ ምህናጽ ብሓባር ክዓዩ ጳጳሳት ጃፓንን ሕ.መ. ኣመሪካን ካብ ኑክልየር ናጻ ዝኾነት ዓለም ኣብ ምህናጽ ብሓባር ክዓዩ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ጃፓንን ሕ.መ. ኣመሪካን ካብ ኑክልየር ናጻ ዝኾነት ዓለም ኣብ ምህናጽ ብሓባር ክዓዩ

ኣብ መወዳእታ ምክልኻል ማለት ሃገራት ንውዕል ምውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተቐቢለን ብክታመን ከረጋግጻን ከምኡ እውን መራሕቲ ዓለም ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ንኩልንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየትን ንተቓላዒ ህዝብታትን ንናይ ከባቢ ጉዳይ ዝምልከት ጸገማት ንምፍታሕ nዝሕንጸጽ መደብ ከውዕልዎ

ኣብ ጃፓንን ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም” ንምህናጽ ብሓባር ክዓዩ ቃል ብምእታው፡ ክሳብ ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 80 ዓመት መጥቓዕቲ ኣቶሚክ ቦምባ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣብዚ ጻዕሪ እዚ ጭቡጥ ምዕባለ ክግበር ይጽውዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

78 ዓመት መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ናጋሳኪ ዕለት 9 ነሓሰ 1945 ዓ.ም. ካብ ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ካቶሊካውያን ጳጵሳት፥ “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም” ኣብ ምህናጽ ብሓባር ብጭቡጥ ክዓዩ ከም ዝተሰማምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነጋድያን ሰላም ናብ ጃፓን

እቲ ናይ ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ሽርክነት ኣዋጅ ብሊቀ ጳጳሳት ፒተር ሚቺያኪ ናካሙራይ ናይ ናጋሳኪ፥ ናይ ሂሮሺማ ጳጳስ ኣለክሲስ ሚጹሩ ሺራሃማን ናይ ናጋሳኪ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ኣት ጆሰፍ ሚትሱዋኪ ታካሚ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኔው መክሲኮ ናይ ሳንታ ፈ ሊቀ ጳጳሳት ጆን ወስተርን ኣብ ዋሽንግቶን ናይ ሲያተል ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኤታየን ዝተኸተመ ከም ዝኾነን፡ እዚ ኣዋጅ እዚ ዝተኸተም ናይ ክልቲኤን ሃገራት ጳጳሳት ዓመታዊ ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ከተማታት ጃፓን ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቶሚክ ቦምብ ንምዝካር ካብ ዕለት 1 – 9 ነሓሰ ኣብ ጃፓን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ንግደት ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብዚ መንፈሳዊ ንግደት እዚ ናይተን ዝተጠቐሳ ሰበኻታት ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ህልቂት ኣቶማዊ ቦምቢ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ተሳቲፎምን ብዛዕባ ምውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየዱን ክሳብ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ኣቶማዊ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ሂሮሺማን ናጋሳኪን እቶም ጳጳሳት ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብዚ ጻዕሪ እዚ “ጭቡጥ ምዕባለ” ክግበር ከነቓቕሑን ጻውዒት ከቕርቡን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጻውዒት ናብ መራሕቲ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኑክለሳዊ ኣጽዋር “ምሓዝ” ጥራይ ዘይኮነ ውጉዝ ዝበሉ ምሉእ ምብሉእ ንምውጋድ ፍሉይ ስጉምትታት ክውሰድ ንመራሕቲ ዓለም ኣተሓሳሲቦም ከምዝነበሩን ነዚ ጻውዒት እዚ እውን ነቲ ኣቶሚክ ቦምብታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘስዓቦ ነዊሕ ዝጸንሐ ሰብኣውን ከባብያውን ስቓይን ከምኡ እውን ዕደና ዩራንየምን ምፍራይ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘስዓቦ ጽልዋታት ኣፍልጦ ምሃብ ሓድሽ ቅድድም ኣጽዋር ንምክልኻል ካብ ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምዕቃብን ምርጋፉ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምስጓምን ኣድማዒ ቃል ኪዳን ከምኡ እውን ኑክለሳዊ ኲናት ክዕወት ከም ዘይክእልን ፈጺሙ ክካየድ እውን ከምዘይብሉ ዳግማይ ምርግጋጽ የድሊ።

ዝኽሪ

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 24 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ሂሮሺማ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ሕልቂት ቤተ ዝኽሪ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ምዝካር ብሓባራዊ መገዲ ምጒዓዝን ምክልኻልን” ዝብላ ዘስመሩለን ቃላት ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣጽኒዖም ብምዝኽኻር፡ በዚ መንፈስ እዚ ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ።

ስለዚ እቶም ኣቡናት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ዜስካሕክሕ ነገራት ንምዝካር ምስቶም ግዳያት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዓደንቲ ዩራኒዩም ተሓለቕቲ ሰላም ኒክለሳዊ መሃንድሳት ወተሃደራትን ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ኣካላትን ዝርከብዎም ብኽልቲኡ ሸነኽ ምስ ዝርከቡ ሰባት ተራኺቦም ክዘራረቡ ሓሳብ ከምዘለዎም ጳጳሳት ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመልክት።

ብሓባር ምጉዓዝ

እቶም ሓሙሽተ ጳጳሳት ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓባር ምጉዓዝ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ዝብል ዕላማ ሒዞም እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ብሓባር ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነት ዓለም ዝብል ዕላማ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገብረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ብዝተኻእለ መጠን ግዳያት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምድጋፍ ናይ ሓገዝ መደባት ከነቓቕሑ ከምዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ምክልኻል

ኣብ መወዳእታ ምክልኻል ማለት ሃገራት ንውዕል ምውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ተቐቢለን ብክታመን ከረጋግጻን ከምኡ እውን መራሕቲ ዓለም ንኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብ ንኩልንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየትን ንተቓላዒ ህዝብታትን ንናይ ከባቢ ጉዳይ ዝምልከት ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕንጸጽ መደብ ከውዕልዎ ዝብል ውሳኔ ክኽትሙ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክሳብ ሕጂ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ካናዳ ፈረንሳ ጀርመን ጣልያን ጃፓንን ዓባይ ቢሪጣንያን ሓዊስካ ካብተን ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ሓንቲ እውን ነቲ ብቐዳምነት ብቕድስቲ መንበር ዝተኸተመ ውዕል ከም ዘይፈረማሉን ኣዘኻኪሮም ነዚ ውዕል እዚ ብኽታመን ክቕበለኦ ተላብዮም፡ ኩለን ኣብ ዓለም ዝርከባ ሰበኻታትን ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታት ሓቢረን ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክሓብራ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ክርስቶስ መስፍነ ሰላም መሻርኽትናን ብጻይናን ነቲ ጉዕዝ ንሽርክነትና ጸረ ኑከልሳዊ ኣጽዋር ብኣማላድነት ንስግስተ ሰላም ማርያም ይባርኽ” ብዝብል ጸሎት ነቲ ናይ ሓባር ኣዋጅ ይዛዝሙ።

15 August 2023, 13:18