ድለ

2023.08.10 L'incontro del Presidente israeliano Isaac Herzog con i rappresentanti delle Chiese cristiane. 09.09.2023 2023.08.10 L'incontro del Presidente israeliano Isaac Herzog con i rappresentanti delle Chiese cristiane. 09.09.2023  (Latin Patriarchate of Jerusalem)

ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ብቆራጽነት ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝጣባቕ ኣረጋጊጹ

ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል - "ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ አምንቲ ክርስትናን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንትን መልእኽተይ እዚ ኢዩ፣ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ድሕንነትን ውሕስነትን ሓልዮትን ከም ዘለዎም ኢዩ፣" ክብል ደምዲሙ።

አብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ናይ ላቲናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሃይፋ እተገብረ ኣኼባ ተኻፊሎም ፣ ኣብቲ አኼባ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን ናጽነት ንምጥባቕ ዝገበሮ ቘራጽነት እንደገና ኣረጋገጸ።

ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ብቆራጽነት ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝጣባቕ ኣረጋጊጹ
ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ብቆራጽነት ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝጣባቕ ኣረጋጊጹ

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን 

ብዙሓት ኣባላት ናይቲ ኣብ ሃይፋ ዝርከብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ሱር በተኽ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ኣይሁድ ናብ ክርስትያናዊ ቕዱስ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ናብ ገዳም ስቴላ ማሪስ አትዮም ንዝገበርዎ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም ። በዝን ካልእ ብድሕሪኡ ብዝሰዓበን ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን ብዘጋተመ ፍጻሜታን ተለዓዒሉ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል  ኣይዛክ ሀርዞግ ናብቲ ኣብ ሃይፋ ዝርከብ ገዳም ስቴላ ማሪስ ዘደብረ ቀርሜሎስ ዝገበሮ ምብጻሕ ኣገዳሲ ኩነት ኢዩ ነይሩ ። እቲ ብዕለት 9 ነሓሰ 2023 እተገብረ ምብጻሕ ርእሰ ብሔር ሀርዞግ ምስ በዓልቲ ቤቱን ገለ ካብ ሒደት ተወከልቲ ሰበ-ስልጣንን ዘይዕላዊ ምብጻሕ ኢዪ ዝነበረ። 

ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል አብቲ ዝገበሮ ምብጻሕ - "ንኣባላት ኵለን ሃይማኖታት ከነኽብሮም ኣሎና። ካብ መጀመርታ ህላወና ኣትሒዝና ነዚ ንምግባር ብቆራጽነት ኢና ንሰርሕ ዘሎና ። ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር" ክብል ተረኽበ።

ቀጺሉ ውን አይዛክ ሀርዞግ - "ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንአመንቲ ክርስትና ዝጻረር ከቢድ ፍጻመታት ርኢና ኢና። እቶም ክርስትያን ዜጋታት ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብቲ ዚጽልዩሉን ዘምልኹሉን ቦታታትን ፣ ናይ መቓብር ቦታታትን ጐደናታትን መጥቃዕቲ ይወርዶም አሎ። እዚ ጥሩፍ ተርእዮ እዚ ብዅሉ መዳያት ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ገይረ እየ ዝርእዮ። እዚ ተርእዮ እዚ ኺውገድ ኣለዎ፣ ፖሊስን ካልኦት ኣኽበርቲ ሕግን ነዚ ጕዳይ እዚ ብጥንቃቐ ስለ ዝከታተልዎ ዘለዉ ድማ አመስግኖም ።" ድሕሪ ምባል ወሲኹ ድማ "እዚ ሰላማውን ሰናይን ዝኾነ ማሕበረሰብ ኣባላቱ ድሕሪ አማኢት ዓመታት ሎሚ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ስግኣት ኪስምዖም ጽቡቕ አይኮነን " ክብል መግለጺ አቕሪቡ ።

አብ መደምደምታ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል - "ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ አምንቲ ክርስትናን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንትን መልእኽተይ እዚ ኢዩ፣ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ድሕንነትን ውሕስነትን ሓልዮትን ከም ዘለዎም ኢዩ፣" ክብል ደምዲሙ። አብቲ አኼባ እቲ ውን ያኮፍ ሻብታይ ዝተባህለ ላዕለዋይ ሓለቓ ፖሊስ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ውን ተገሊጹ።

ምስጋና ሕጹይ - ካርዲናል ፒዛባላ

አብቲ ዝነበረ አኼባ ፓትርያርክ የሩሳሌም ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ክንዲ ዅሎም እቶም ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ዝነብሩ አመንቲ ክርስትና ኮይኖም ቃሎም ከም ዘስምኡ ተፈሊጡ ። ንርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤልን ንኣባላት ተወከልቱን ብቓላት ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ እውን ደገፎም ስለ ዝገለጹ መስገንዎም ። "ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ናይ ሓድነትን ፍቕርን ዝርርብን ንምድልዳል ብሓባር ክንዓዪ ኣሎና" ብምባል እቶም ሕጹይ ካርዲናል ፣ ብሓባር ኣብ ሓደ ቦታ ኢና እንነብር፣ ብሰላም ክንነብር ንመጻኢና ብሓባር ክንሃንጽ ከምኡውን ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ኣሎና።" ክብሉ ተረኽቡ ።

ርእሰ ብሔር ሀርዞግ ወሲኹ ድማ "እወ እዚ ንዅለን ሃይማኖታት ኣገዳሲ እዩ" በለ። እቶም ፓትርያርክ ድማ "ኵላትና ደቂ ሓደ ኣምላኽ ኢና" ብምባል ደምደሙ። 

ኣብ እስራኤል ናይቶም ተዛረብቲ ቋንቋ እብራይስጢ ካቶሊካውያን  ፓትርያርካዊ ዓቃቤ መንበር ዝዀኑ አባ ፒዮተር ዘላስኮ ብዛዕባ እዚ ኣኼባ አመልኪቶም  ንረድዮ ቫቲካንን ንአገልግሎ ዜና ቫቲካን ሓሳቦም አካፈሉ ። “እዚ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዚ ምስ መንፈሳውያን መራሕትን ተወከልቲ እተፈላለያ ጕጅለታትን ብምትሕብባር ተጻዋርነትን ምይይጥን ሓድነትን ዝሰፈኖ ሃዋሁ ንምፍጣር እተገብረ ሓባራዊ ተወፋይነት ዘጕልሕ ኢዩ" በሉ ።

እቶም ፓትርያርካዊ ዓቃቤ መንበር - "እቲ ዝያዳ ሓባራዊ ስኒት ዘለዎ ሕብረተሰብ ንምቛም ዝግበር ጻዕርታት ክቕጽል፣ እቲ ናብ ገዳም ስቴላ ማሪስ እተገብረ ምብጻሕ ንጸበባ ንምስጋር ከምኡውን ናብ ዝያዳ ርሕራሐን ምርድዳእን ዘለዎ መጻኢ መገዲ ንምፍጣር ብሓባር ዝተገብረ ቘራጽነት ዘመልክት ኢዩ።" ክብሉ ሓሳብቶም ደምደሙ።

ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ብቆራጽነት ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝጣባቕ ኣረጋጊጹ
ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ብቆራጽነት ንሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝጣባቕ ኣረጋጊጹ
11 August 2023, 14:53