ድለ

ኣብ ህንዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምፍልላይን ሳዕቤኑን ኣብ ህንዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምፍልላይን ሳዕቤኑን  (AFP or licensors)

ኣብ ህንዲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምፍልላይን ሳዕቤኑን

ጳጳሳስ ዶሚኒክ ሳቪዮ ፈርናንደዝ፥ ብሃይማኖታዊ መሰረት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሃገረ ህንዲ ቅዋም ዘመልክቶ ክብርታትን መሰረት ጠንቂ ምግምማዕ ኩሉ ምቅላስ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም

ኣብ ህንዲ ናይ ሙምባይ ተራድኢ ጳጳስ ዶሚኒክ ሳቪዮ ፈርናንደዝ፥ “ህንዲ ናብ ባርባራዊ ግዜ” ትመለስ ዘላ ትመስል እንክብሉ ዘለዎም ስግኣት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ካብ ሙምባይ ሰበኻ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህንዲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ብሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ እትልለ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ባህልን ቋንቋን ሃይማኖትን መጋበርያ ምፍልላይ ዝገብር ተግባር ዝያዳ ዘሕዝን ምዃኑ ናይታ ኣብ ህንዲ ኣብ ዓውደ ኤኮኖሚ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዋ ከተማ ሙምባይ ጳጳስ ዕለት 15 ነሓሰ ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ህንዲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ዝፍጸም ብሄራዊ - ማሕበራውን ሃይማኖታውን ዓመጽ ጠቒሶም ገሊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓው ኣንጻር ሓው፡ ሓውቲ ኣንጻር ሓውቲ

“ኣብዚ እዋን እዚ ክንዲ ዝኣክል ጽልእን ፈላላይ መርዝን ይዝርጋሕ ኣሎ፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ዓቢ ኣብ መንጎ ህዝብና ዝነገሰ ስኒት ጠፊኡ ኣሎ” ኣብ ማኒፑር፥ “ሓው ኣንጻር ሓው፡ ሓውቲ ኣንጻር ሓውቲ” እዩ ዝረአ ዘሎ፡ ሓደ ሰብ ህንዲ ናብ ጉጉይ ኣንፈት ከተብል ክፈቅድ የብሉን፡ እቶም ሰላም ዝፈትዉ፥ “ልዕሊ ኩሉ ኣብ ብዙሕነትናን ሓድነትና ክንዕብን ምግምማዕ ብፍቕርን ምጽውዋርን ምቅብባልን ተሃዋስነትን ናብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ህንዳዊ ንምምላስ ክንሰርሕ ይግባእ፡” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጳጳሳስ ዶሚኒክ ሳቪዮ ፈርናንደዝ፥ ብሃይማኖታዊ መሰረት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ሃገረ ህንዲ ቅዋም ዘመልክቶ ክብርታትን መሰረት ጠንቂ ምግምማዕ ኩሉ ምቅላስ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፡ “ኣምላኽ ኣብ ልብና እንተዘይሓዲሩ ኣብያተ ክርስቲያናት መሳጊድ ወይ ቤተ መቕድስ ሂንዱን ቡድሃን ምሃንጽ ትርጉም የብሉን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመልክት።

17 August 2023, 16:07