ድለ

ARMENIA-AZERBAIJAN-KARABAKH-CONFLICT-LACHIN ARMENIA-AZERBAIJAN-KARABAKH-CONFLICT-LACHIN  (AFP or licensors)

ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ ኣብ ላዕለዋይ ካራባኻ ንዘጋጥም ሰብአዊ ቅልውላው ስጉምቲ ክውስድ ጸዊዐን

ናይ አርምናውያን ፓትሪያክ ሲሊስያ ዝኾኑ አቡነ ራፋኤል በድሮስ ሚናስያን መበል ዓሰርተው ሓደ ናብ አገልግሎት ዜና ሲር አብ ዝለአኽዎ መልእኽቲ "እዚ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበን ኢዩ" ክብሉ ተረኽቡ። "አብዚ ቈልዑ ኣረጋውያን ሕሙማትን መግቢ ዘይብሎም መሳኪንን ኢዮም ዘለዉ፣ ኣብዚ ከምዚ ዝመስለ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ገለ ነገር ይገብር የልቦን" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።

እቲ ንሸውዓተ ወርሒ ዝአክል አብ ግዝኣት ኣርመንያ ዝኾነ ላዕለዋይ ካራባኻ ዘሎ መዕገቲ ይቅጽል ስለ ዘሎ ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ዘሎ ወጥሪ ነባሪ ሰላም ንምርካብ ቀጻሊ ምይይጥ ክግበር ተማሕጺነን፣ ነቲ ናይ ላቺን ሰብአዊ መተሓላለፊ ስደተኛታት እንደገና ንምኽፋት ኣህጉራዊ ስጕምቲ ኽወሃበን ጻውዒት ኣቕሪበን።

አባ ተወልደ መብራህሩ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ካውካሱስ ዝርከብ ላዕለዋይ ካራባኽ ዝካየድ ዘሎ መዕገቲ ንምልጋስን ሰብአዊ መተሓላለፊታት ላቺን ከም ብሓድሽ ንምኽፋትን ጻውዒት ከም ዘቕረባ አገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጹ።  

ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝአት ኣርመንያ ዝኾነ (ብኣርመናውያን ኣርትሳክ ተባሂሉ ዚጽዋዕ) ምስታ ሪፓብሊካዊት ሃገረ ኣርመንያ ዜራኽቦ እንኮ ሰብአዊ መተሓላለፊ ክንዲ ዝኾነ እዩ ።  

እቲ ኣብ መንጎ ኣዘርባጃንን ኣርመንያን እተገብረ ስሉሳዊ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ሕዳር 2020 ብሩስያ ምስ ፈረሰ ካብ 12 ታሕሳስ 2022 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ሰባትን ማካይንን ኣቕሑን ናብዝን ናብትን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ብኣዘርባጃን ተዓጊቱ ኢዩ ዘሎ ።

ዓበይቲ ሰብአዊ ቅልውላዋት

እቲ ንልዕሊ ሸውዓተ ወርሒ እተገብረ ዕንቅፋት ንህይወትን መነባብሮን እቶም ኣብኡ ዚነብሩ 120,000 ቀቢላታት ኣርመናውያን እንተላይ ነቶም ምግብን መድሃኒትን ኤለክትሪክን ነዳድን ዘይብሎም 30,000 ቈልዑን ሕጻናትን ኣጸቢቑ ይጸልዎ ኣሎ።

ናይ አርምናውያን ፓትሪያክ ሲሊስያ ዝኾኑ አቡነ ራፋኤል በድሮስ ሚናስያን መበል ዓሰርተው ሓደ  ናብ አገልግሎት ዜና ሲር አብ ዝለአኽዎ መልእኽቲ "እዚ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝፍጸም ገበን ኢዩ" ክብሉ ተረኽቡ።  "አብዚ ቈልዑ ኣረጋውያን ሕሙማትን መግቢ ዘይብሎም መሳኪንን ኢዮም ዘለዉ፣ ኣብዚ ከምዚ ዝመስለ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ገለ ነገር ይገብር የልቦን" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ።

ቤትምኽር ኣብያተ-ክርስትያናት ኣውሮጳን ዓለምለኻዊ ቤትምኽሪ ኣብያተ-ክርስትያናትን እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ካራባኽ ዘጋጥም ዘሎ ሰብአዊ ቅልውላው ዘለዎም ሻቕሎት ገሊጾም ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ህጹጽን ቅልጡፍን ስጕምቲ ኽወስዱ ኸም ዘለዎም እውን ደጊሞም ጻውዒት ከቕርቡ ይርከቡ አለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕብረት ኣውሮጳ አብ ዝጸሓፍዎ ናይ ሓባር ደብዳበ “እቲ አብ ላዕለዋይ ካራባኽ (አርታስክ) ተዓጽዩ መንገድታት ሰብአዊ መተሓላለፊታት ስለ እተሳእኑ ቅልውላው አብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፈጢሩ ይርከብ አሎ፣ ንነዊሕ እዋን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስእንትን ስቓይን መከራን ድማ ዘሕዝን ተመክሮ ኢዩ” ብምባል፣   "መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቶም በብመዓልቱ እናተጋደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።" ክብሉ ጥርዓኖም አቕሪቦም።  

ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ርክባተን ኬመሓይሻ ኣለወን 

ቤትምኽቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣውሮጳን ዓለምለኻዊ ቤትምኽሪ ኣብያተ-ክርስትያናትን "ህይወት ተቐማጦ ኣርታሳክ ንምድሓን ከምኡውን መሰረታዊ መሰላቶምን ናጽነቶምን ንምምላስን ንምኽባርን ብቅልጡፍ ጻዕርታቶም ከሐይሉን ነቲ ዕንቅፋት ደው ንምባል ውዓል ሕደር ከይበሉ ስጕምቲ ኽወስዱን" ተማሕጺኖም ።

እታ ደብዳበ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ በቲ ኣብ መንጎ ባኮን እታ እተበታተነት ሪፓብሊካዊት ኣርታሳክን እተገብረ "ቐጻሊ ምይይጥ" ኣቢለን ርክበን ኬመሓይሻ ኸም ዘለወን ተማሕጺኖም።

አብ መልእኽቶም - "ነባሪ ሰላም ክህነጽ ዝኽእል ኣብ ሓቀኛ ውዕላት ናይቶም ንዅሉ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ኣርዚኖም ዝርእይዎ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን፣ ከምኡውን ኣብ ሓባራዊ ምትእምማንን ኣኽብሮትን እተመርኰሰ መሰረታዊ ናጽነት ኵሎም ሰባት ጥራይ ምዃኑ ዘሎና ጽኑዕ እምነት ንገልጽ።" ክብሉ መግለጺ ከም ዘውጽኡ ይሕበር።  

‘ሰላምን ስኒትን ፍትሕን ምእንቲ ኺሰፍን እዚ መዕገቲ እዚ መዛዘሚ ክገብሩሉ ተስፋ ንገብርን ንጽልን ኢና" በሉ።

ዶባዊ ግጭታት ኣርመንያን ኣዘርባጃንን

እቲ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይንጹር ዞባ ላዕለዋይ ካራባኽን ከባቢኡን እተገብረ ግጭት ዶብ መንቀሊኡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን እዩ ዝነበረ ።

ይኹን እምበር ሕብረት ሶቭየት ድሕሪ ምፍራሱ ኣብ መጀመርታ 1990ታት መጠነ-ሰፊሕ ውግእ ተኸሲቱ ከም ዝነብረ ዝዝከር ኢዩ። ኣርመንያ ነዚ ውግእ እዚ ስለ ዝሰዓረቶ ንተቐማቶ ኣዘርባጃን ካብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣርመንያ ዝኾነ ዞባታት ሰጕጓቶም ነይራ ኢያ።

ኣብቲ አብ መወዳእታ 2020 ዝነብረ ካልኣይ ውግእ ድማ ኣዘርባጃን ንጹር ወተሃደራዊ ዓወት ረኸበት እዚ ድማ ነቲ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ካራባኽ ዝነበረ ዅሉ ተታሒዙ ዝነበረ ዞባታት ከም ብሓድሽ ተቖጻጸረቶ፣ ሓደ ሲሶ ዝኸውን ላዕለዋይ ክፋል ካራባኽ እውን ከም ዝሓዘት ዝዝከር ኢዩ። 

እቲ ብሩስያ ዝተማእከለ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምፍራሱ ድማ ውግእ ይቕጽል ስለዘሎ ኩሎም ወጥርታት ነቲ ሰብአዊ መተሓላለፊ መንገድታት ላቺን ከም ዝዕጾ ጌርዎ አሎ ክብል አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

14 August 2023, 14:52