ድለ

ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ኣምሓራ ሰላም ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ኣምሓራ ሰላም ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ 

ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ኣምሓራ ሰላም ክህሉ ጻውዒት የቕርቡ

ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ፥ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውግእ ደው ኣቢሎም ክራኸቡን ፍልልያቶም ብዘተ ሰላማዊ ፍታሕ ክህብሉ ሓቲቶም

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ፈደራልዊ ሓይልታትን ዞባውያን ምልሽታትን ዓመጽ ዝመልኦ ዝተበገሰ ሓድሽ ግጭት ንምፍታሕ ዘተ ክካየድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣምሓራ ኣብ መንጎ ወፈደራላዊ ሓይሊ ምክልኻልን ዞባውያን ዕጡቓት ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕርታቱ ከሐይል ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መጀመርያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዎ ዞባ ኣብ መንጎ ምልሻታት ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ውግእ ከምዝተላዕለ መራሔ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ብሕቶ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ መሰረት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከመሓላለፉ ይሕበር።

ድሕሪ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝኸበደ ቅልውላው ጸጥታ

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ማእከላይ መግንስቲ ኢትዮጵያን ምልሻ ፋኖን ብጥምረት ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ይኹን እምበር ርክባቶም ብከፊል ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰበ ስልጣን ፈድራላዊ ንኡስ ዞብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንምድኻም ዝገበረዎ ጻዕሪ ብመሰረት ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣማሓራ ንዞባ ኣምሓራ ንናይ ጎረባብቲ ዞባታት መጥቓዕቲ ክቃላዕ ከምዝገበሮ እዩ ዝንገር።

መራሔ መግንስቲ ኣቢይ ካብ 11 ዞባታት ኢትዮጵያ ዝመጹ ዕጡቓት ጉጅለታት ጸጥታ ተበቲኖም ናብ ሓይሊ ጸጥታ ወይ ሃገራዊ ሰራዊት ክወሃሃዱ ድሕሪ ዝሃብዎ ትእዛዝ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ኣብ መላእ ኣምሓራ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞታት ከምእተላዕለ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመልክት።

ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘተ እዩ ዘድሊ

ዕለት 7 ነሓሰ ብምኽንያት እቲ ንዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ጾምን ጸሎት ፍልሰታ ለማርያም ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ፥ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውግእ ደው ኣቢሎም ክራኸቡን ፍልልያቶም ብዘተ ሰላማዊ ፍትሕ ክህብሉ ሓቲቶም፥ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እቶም ጳጳሳት ኩሎም ምመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሕን ሰላምን ክወርድ ክጽልዩን ናብ ንስሓን ከምዝዓደሙ ዜና ቫቲካን

ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ተወኪሱ ይሕብር።

12 August 2023, 16:46