ድለ

ካርዲናል ቦ መደብ ረዲዮ ቨሪታስ እስያ ምድስካል ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጦም ካርዲናል ቦ መደብ ረዲዮ ቨሪታስ እስያ ምድስካል ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጦም 

ካርዲናል ቦ መደብ ረዲዮ ቨሪታስ እስያ ምድስካል ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጦም

ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ማኒላ ዋና መንበሩ ዝኾነ ረዲዮ ቨሪታስ ስርሒታቱ ክእገድ ዝብል ውሳኔ ምስራዙ ክሕብር ሓጎስ ይስምዓኒ - ዘሎ ጸገማት ዝምልከቶ ናይ መግንስቲ ስልጣን ነቶም መፍትሒ ዘይረኸቡ ጉዳያት ንምፍታሕ ዝርርብ የካየድ

ሚያንማራዊ ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ እቲ ኣብ ክፍለ ዓለም እስያ ብዝተፍላለየ ቋንቋታት ንእምነትን ወንጌልን ድምጺ ዝህብ ዋና መደብሩ ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላን ዝኾነ ረዲዮ ቨሪታስ እስያ ክዕጸው ዝብል ውሳኔ ከም እተሰረዘ ዝተሰምዖን ሓጎስ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ስርሒታት ረዲዮ ቨሪታስ ክቋረጽ ዝብል ውሳኔ ክምእተሰረዘ ኣረጋጊጾም፥ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተመስረተ ረድዮ ቨሪታስ ኣብ መላእ ኣህጉር ዝርከብ ካቶሊካዊ መደብር ረዲዮ ኮይኑ፥ ብእንግልዘይናን ብውሑዱ ብ50 ካልኦት እስያውያን ቋንቋታት መደባቱ ዝፍኑ ኮይኑ “ድምጺ ክርስትና” ኣብ እስያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ረዲዮ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምያንማር

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምንያንማር እውን ከይተረፈት ንረዲዮ ቨሪታስ ዓቢይ ብድሆ ኮይና ከም ዝጸነሐትን ኣብ ምናይማር ዘሎ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝፍጽሞ ገበናት እናወሰኸ ይኸድ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፥ እቲ ኣብ ምያንማር ምስቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምትስሳር ዘለዎም ምልሻታትን ምስ ውግእ ዝተኣሳሰረ ገበናት ኲናትን ዓመጽን ጃምላዊ ቅትለትን ብቐረባ ዝምርምር ሽማግለ ውድብ ሕቡራት መንግታት፥ ኣብ ምያንማር ዓመጽን ቅትለትን ማእሰርትን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ነዚ ዘረጋግጽ እውን ሓያል መርትዖታት ከምዘሎ ዕለት 8 ነሓሰ ኣብ ወጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኪሩ፥ ብጹዕ ካርዲናል ቦ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ነቲ ኣብ እስያ ዘሎ ህዝቢ - ማሕበርሰብ ክርስቲያን ድምጺ ዝኾኖ የድልዮ በዚ መሰረት ድማ ረዲዮ ቨሪታስ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ኢና እንደሊ” ኢሎም።

ብስራተ ወንጌል ኣብ እስያ

ብጹዕ ካርዲናል ቦ፥ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ማኒላ ዋና መንበሩ ዝኾነ ረዲዮ ቨሪታስ ስርሒታቱ ክእገድ ዝብል ውሳኔ ምስራዙ ክሕብር ሓጎስ ይስምዓኒ -  ዘሎ ጸገማት ዝምልከቶ ናይ መግንስቲ ስልጣን ነቶም መፍትሒ ዘይረኸቡ ጉዳያት ንምፍታሕ ዝርርብ የካየድ ከምዘሎን እዚ እውን ረዲዮ ቨሪታስ ዘለዎ ኣገዳሲ ተልእኾ ኣብ ግምት ብምእታው ክቕጽል ግድን እዩ” ቢሎም፥ “ረዲዮ ቨሪታስ፥ ኣብ እስያ መጋበርያ ብስራተ ወንጌል እዩ” እንክብሉ ይሕብሩ።

ካርዲናል ቦ ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት

ካርዲላን ቦ፥ ንጉዳይ ረዲዮ ቨሪታስ፥ ዝከታተል ናይ እስያ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፈደራላዊ ጉባኤ ዝቖሞ ሽማግለ ኩሉ ነቲ ረዲዮ ዝምልከት ኣገልግሎቱን ዝከታተል - ብዛዕባ እቲ ረዲዮ ጸብጻባት ከቕርብ ትጽቢት ይግበር ምህላዉ እውን ሓቢሮም፥ እቶም ናይቲ መደብር ረዲዮ ሰራሕተይናታት ኣገልግሎቶም ብምሉእ ተወፋይነት ክቕጽሉ ድማ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጻውዒት የቕርቡ።

ካርዲናል ቦ “ብተኣማንነትን ብዘይ ፍርሕን ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሎም ህዝብታት እስያ ክንእውጅ ምእንቲ፥ በረኸት እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልዕሊ እስያን ከምኡ እውን ኣብ እስያ ንዝርከቡ ጓሶትን ምእመናንን ክወርድ ንጸሊ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

11 August 2023, 15:16