ድለ

ካሜሩን፥ ‘ስብሃት ሎቱ’ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ “ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ስነ ፍልጠት ጥዕና” ካሜሩን፥ ‘ስብሃት ሎቱ’ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ “ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ስነ ፍልጠት ጥዕና” 

ካሜሩን፥ ‘ስብሃት ሎቱ’ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ “ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ስነ ፍልጠት ጥዕና”

. . . “መሬት ብዙሕ ብድሆታት ስነ ምህዳር የጋጥማ ስለ ዘሎ ከም ሓለውቲ ኣካባቢ ክንዋሳእ ሓላፍነት” ዘሎና ምዃኑን እዚ እውን ብትምህርትን ግብራዊ ኣተገባብራን ኣቢልና ሓድሽ ወለዶ ንመሬት ክከናኸንን ንዘላቒ መጻኢ ስጉትም ክወስድን ዘነቓቕሕ”

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሩን ብናይ ሳልሳይ ማሕበር ደናግል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝምራሕ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ስነ ፍልጠት ጥዕና ተመሃሮ፡ ኣብ ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥን ተሃዋስነትን ኣብ ዘማእከለ ዓውደ ትምህርቲ ስልጠና ይወሃቦም ከምዘሎን ኣዚ መደብ ህንጸት እዚ እውን ኣግራብ ምትካልን ምድቃቕን ንምክንኻን ከባቢ ከምኡ እውን ምቑጣብ ጽዓትን ምንካይ ብከላን ብዝኣመሰለ ወፈራ ዝተሰነየ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ስብሃት ሎቱ” ዘርእስታ ብዛዕባ ውሁድ ስነ ምህዳራዊ እተስተምህር ዓዋዲት መልእኽቲ ዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ካሜሩን ኣብቲ ብናይ ሳልሳይ ፍራንቸስካውያን ደናግል ማሕበር ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ስነ ፍልጠት ጥዕና ኣገዳስነት እናረኸበ ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ሓድሽ ውጥን፥ “ምስ ወንጌል ፍጥረት ብሓባር ምጉዓዝ” ዝብል ምዃኑ ብናይ ደናግል ማሕበር ዓበይቲ ኣሕሉቕ ብዝሓቁፍ ማሕበር ዝድገፍ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት 2023 ዓ.ም. ከም ዝተበገሰ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ውጥን እዚ ንቕሓትን ርድኢትን ብዛዕባ “ስብሃት ሎት” ዓዋዲት መልእኽቲ ንምፍጣርን ንተመሃሮ ናብ ስነ ምህዳራዊ ምላዋጥ ዝድርኽ ኮይኑ፡ እዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት ዘለዎም ተወፋይነት ዳግማይ ንምንቕቓሕ ንኹሉ ዝሓቁፍ ተባዕ ትምህርቲ ንምሕዳስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እዚ መደብ ሕንጸት እዚ እውን ብእናቴ ዊይሳህንዩ ኢልይ ኣባል ሳልሳይ ፍራንቸስካዊ ደናግል ማሕበርን ብናይ ካፑቺን ማሕበር ኣባላት ሓው ኮንዩይ ዊሊያንም ሓው ምቢይድዘንዩይ ቢል ኮሊስን ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኣብ ኣገዳስነት ምሕብሓብ ከባቢን ጽልዋ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድርን ኣብ ዝብል ኣምር ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምልዋጥ ስነ ህዳር ዝምልከት እዩ። . . . “መሬት ብዙሕ ብድሆታት ስነ ምህዳር የጋጥማ ስለ ዘሎ ከም ሓለውቲ ኣካባቢ ክንዋሳእ ሓላፍነት” ዘሎና ምዃኑን እዚ እውን ብትምህርትን ግብራዊ ኣተገባብራን ኣቢልና ሓድሽ ወለዶ ንመሬት ክከናኸንን ንዘላቒ መጻኢ ስጉትም ክወስድን ዘነቓቕሕ” ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ መደብ ህንጸት ወይ ትምህርቲ ዘይከም ንቡር መደብ ኮይኑ እዩ ተኣታትዩ ዘሎ፡ ማለት ኣብ ክፍሊ ኣቲኻ ዘይኮነስ መምሃራንን ተመሃሮን ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮይኖም ነቲ ዝነፍስ ንፋስ እናሰምዑ ምስ ከባቢ ዘለዎ ውህደት እናስተማቐሩ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ተፈጥሮ ኩሉ ብጥንቃቔ እናተዓዘቡ መሬት ካሳብ ክንደይ ትዕመጽ ከም ዘላ እናሓቡን ከምኡ እውን ናብቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብምኻድ ነቲ ኣብቲ ግራት ዝተዘርእ ዘርኢ ብምዕዛብ ኣብ መንጎ ፍጥረትን ኣዴና መሬት ዘሎ ምዃናዊ ተራኽቦ ከስተውዕሉ ዝገብር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ በተን ደናግል ዝመሓደር ተቕዋም ስነ ፍልጠት ጥዕና፥ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ብዝተፈላለየ ጨንፈር ስነ ሕክምና ዘሰልጥን ከምዝኾነን፡ እቲ ማሕበር ደናግል ኣብ ካሜሩን ካብ 1935 ዓ.ም. ከምዝኣተወን ብፍላይ ድኻታት ካብ ትምህርቲ ዓለም ከይንጸሉ ዝብል ዕላማ መሰረት መሰል ትምህርቲ ንኹሉ ብዝብል መርሕ ኣብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ዝተዋፈረን ኣብዚ እዋን እዚ ብጀካ እቲ ዓቢይ ናይ ስነ ፍልጠት ጥዕና ተቕዋም ካልእ 12 ካልኣይ ደረጃ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዘመሓድራን፥ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕናን ኣርባዕተ ኣባይቲ ሕክምናን ካልኦት ዝተፍላለየ ትካላት ጥዕና ከምዘካይዳን ምልክት ናይ ዘለናሉ እዋን ብምንባብ ድማ ብፍላይ ኣብ ክንክን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዘኽታማትን ተዋፊረን ከማኡ እውን ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ኣብ ምትብባዕ ከም ዝርከባን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት እውን ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ናይጀሪያን ሞሮኮን ከምዘካይዳ ዜና ቫቲካን የመልክት።

16 August 2023, 13:51