ድለ

ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይግበር ኣጠንቂቖም ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይግበር ኣጠንቂቖም  (ANSA)

ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይግበር ኣጠንቂቖም

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ነቲ “ኣብ ህይወት ሰባት ክብርን መጻእን ኣዕናዊ ሳዕቤን” ዘስዓበ ወተሃደራዊ ምትእትታው ሊቢያ “ዘሕዝን ኣብነት” ብምዝኽካር፥ “ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና

ዞባዊ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ መንግስታት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ፥ “ብስነ ሞጎት ዝምራሕ ኣገባብን ምስትውዓልን ሓላፍነትን” ከርእዩ ተላብዮም፥ ኣብ ኒጀር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይግበር ከምዘጥንቀቑ ዜና ቫቲካን ናይ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ዘውጸኦ ሓዋርያዊ መልእክቲ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገለ ገለ ሃገራት ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ርእሰ ብሔር መሓመድ ብዛኡም ናብ ስልጣኖም ንምምላስ ቅልጡፍ ምንቅስቓሳት ከምኡ እውን ዞባዊ ሓይሊ ንምውፋር ከምዝወሰኑን ክንገር እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ዕለት 27 ሓምለ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝሓለፈ ዕለት 10 ነሓሰ ኣብ ናይጀሪያ ከምኡ እውን ዕለት 6 ነሓሰ ብጀነራል ዓብዱራሕማን ትዚያኒ ዝምራሕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ቃል፥ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ሕግን መንግስታዊ ስርዓት ንምምላስ ወፈራ ክግበር ጻውዒት ከምዘቕረበን እቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ መዛዝሚ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እውን፥ “ንኹሉ ኣማራጺታት ኣብ መገዲ ንምቕማጥ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘለዎም ቆራጽነት” ብኣጽንዖት ኣስሚሮም ኣብ ርእሲኡ ድማ ኩሎም በቲ ኣብ ጉዳይ ኒጀር ዝተኻየደ ፍሉይ ዋዕላ ዝተሰማምዑሉ ስጉምትታትን መትከላትን ኣጽኒዕም ዕለት 30 ሓምለ 2023 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሓያል እገዳ ክግበር ከምዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ህይወት ህዝብታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ

ዕለት 9 ነሓሰ ዞባዊ ጳጳሳዊ ጉባኤ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ህይወት ህዝብታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ስለ ዘሎ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ መንግስታት፥ “ርእሰ ምቁጽጻርን ምስትውዓልን ሓላፍነትን ከርእዩ” ተማሕጺኖም፥ “ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኒጀር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው መፍትሒ ካብ ዝህብ ንላዕሊ ንኹነታት ህዝቢ ኒጀርን ዞባን ዘተሓላልኽ ምዃኑ “ብኣጽንዖት ነረጋግጽ” እክብሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመላኺቶም፥ “ግብረ ሽበራ ድሮ ንመበለታት ዘኽታማት ተመዛበልቲ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ህጻናትን . . . የሳቕይ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ ኒጀር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብወተሃደራዊ ምትእትታው መፍትሒ ክረክብ ምምራጽ ነቲ ስቓይ ናብ ዝገደደ ንኸብል ምውሳእ ማለት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ሰባት ቅድሚ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድራዊ ፖለቲካ ርብሓታ

እቶም ጳጳሳት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኰሎም ኣብቲ ቅልውላው ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ካብ ህይወት ህዝቢ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድራዊ ፖለቲካ ረብሓታት ንኸየቕድሙ ኣጠንቂቖም፥

ንህዝብና ኣዕናዊ ዝኾነ ሃዋህው ምፍጣር ወይ ምምችቻእ ምኽንያታዊ ዝገብሮ ነገር ብፍጹም ክህሉ ኣይክእልን፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ኪኖኡን ካብ ምዕቃብ ህይወት ሰብኣዊ ክብርን ጽቡቕ ሂወት መጻኢ ወለዶታትን ዝኾነ ይኹን ውልቃውን ሃገራዊ ዞባዊ ኣቐማምጣ መልክኣ ምድራዊ ፖለቲካ ወይ ጉጅላዊ ረብሓ ወይ ውጥናት ቀዳምነት ክወሃቦ የብሉን!

ዘሕዝን ኣብነት ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብ ሊቢያ!

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ነቲ “ኣብ ህይወት ሰባት ክብርን መጻእን ኣዕናዊ ሳዕቤን” ዘስዓበ ወተሃደራዊ ምትእትታው ሊቢያ “ዘሕዝን ኣብነት” ብምዝኽካር፥ “ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ዳግማይ ከይፍጸም ድማ ትምህርቲ እዩ ክኾነና ዘለዎ፡ ብፍላይ ድማ ኒጀር ከም ማእከል ተመሳሳሊ ቅልውላው ክትከውን ኣይንደልን” ይብል።

ኣድላይነት ሰላማውን ነባርን ፍታሕ

ብመሰረት እቶም ጳጳሳት እቲ ቅልውላው ብዘተን ምትሕብባርን ጥራይ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል፥ “ነፍሲ ወከፍ ተዋሳእን ትካልን ኣብዚ መስርሕ እወታዊ ኣብርክቶ ክግበር ኣለዎ።” ከምኡ እውን፥ “ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ዞባውያን ንኡሳን ውድባትን ትካላትን፥ “ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ሓላፍነት ከርእዩን መሰረታዊ ዘቖሞም ተልእኾ ዳግማይ ክምርምር” የተሓሳስቡ። “ኣብዚ ወሳንን ተኣፋፍን እዋን እዘን ውድባት እዚኣተን ኣብ ምድላይ ሰላማውን ነባርን ፍታሕ ንጡፍ ተራ ክጻወታ፡ ረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ብምስራዕን ክብረቶም ምኽባርን ኣገዳሲ እዩ” ይብል ጉባኤ ጳጳሳት ምዕራባዊ ዞባ ኣፍሪቃ።

ወተሃደራዊ ጉጅለ ኒጅር ንቕድሚ ይስጉም

እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ፥ ዋላ’ኳ ኣህጉራዊ ጸቕጥታትን ቁጠባዊ እገዳታትን እንተሃለወ፡ ኣብታ ብኣመሪካ ዝተዓለመ ርኡይ ሰራዊት ዘለዋ ኒጀር፡ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ ስልጣን ምስኣ ዝሓዙ ጎረቤት ሃገር ማሊን ቡርኪናፋሶን ብዝያዳ መንግስቶም ንምቛም ቆሪጾም ይስጉሙ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። ናይተን ጎረባብቲ ሃገራት መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ጊኒ እውን ንኒጀር ምሉእ ደገፍን ይገልጻ ከምዘለዋ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸረ ፈረንሳዊ ስምዒት ኣብ ኒጀር

እቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ መተሃደራዊ መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጎ ሰፊሕ ክፋላት ህዝቢ ንዘሎ ጸረ ፈረንሳዊ ስምዒት ንናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን መረጋገጺ ይጥቀመሉ ኣሎ ዝብል ኣመለኻኽታ ይስማዕ ከምዘሎን ምስታ ምስ ወተሃደራት ኒጀር ኮይና ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንዝህውኽ ኣሸበርቲ እስላማውያን ዕጡቓት ሓይሊ ንምምካት ዝተዋፈረት ተባሂሉ ዝንገረላ ሃገረ ፈረንሳ ርክብ ንምቁራጽ ብቑልጡፍ ይዓዪ ከምዘሎን ኒጀር ኣብቲ ምስ ዓልቃይዳን እስላማዊ መግንስት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ምስ ዝሰመየ እስላማውያን ሓይልታት ግብረ ሽበራ ስጉምትታቶም ከስፍሑሉ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ዞባ ሳሕል ብኣመሪካን ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ዓባይ መሻርኽቲ ስርሒት ጸረ ሽበራ ኮይና ከም ዝጸንሐትን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኤንቶንይ ብሊንከን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ጎረቤት ሃገር ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ሩስያዊ ጉጅለ ግራይ ቫግነር ነቲ ሓድሽ ኩነታት ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ይገልጽ።

12 August 2023, 16:51