ድለ

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጎሊያ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጎሊያ 

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጎሊያ

ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ናብ ሞንጎሊያ ከም ዝኣተወትን እዚ እውን ብመሰረት ምስክርነት ናይቲ ኣብ 1245 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ኢኖሶንዚዩስ ራብዓይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 4 መስከረም ናብ መንጎሊያ ዝወስድ መበል 43 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ሎሚ ዕለት 31 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝነቕልሉ እዋን ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ርስቲያን ኣብ መኖግሊያ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ነቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ ሞንጎሊያ ክርስትና ንፈለማ ግዜ ብናይ ጥንታዊ ሶርያውን ንስጥሮሳዊ ክርስትያን ትውፊት ኣብ መንጎ 7 – 10 ክፍለ ዘመን ከም ዝኣተወን ይኹን እምበር ኣብ ዝሰዓቡ ዘመናት ህላወ ክርስትና ከም ዘይቐጸለ ይፍለጥ፣

ዝተቛረጸ ህልውና

ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ናብ ሞንጎሊያ ከም ዝኣተወትን እዚ እውን ብመሰረት ምስክርነት ናይቲ ኣብ 1245 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ኢኖሶንዚዩስ ራብዓይ ናብ ቤተ መንግስቲ ካን ዝተላእከ ኢጣሊያዊ ፍራንቸካዊ መነኮስ ጆቫኒ ዲ ፒያን ደል ካርፒን ኣብቲ እዋን ኣብታ ጥንታዊት ርእሰ ከተማ ሃጸያዊት ካራኮሩም ቆስሞፖሊታ ብዙሕ ሃይማኖታት ዝንበራ ኔስጥሮሳውያን ዝነብሩላ ዝነበረት ከተማ ከም ዝኣተዉን ክርስትና ኣብታ ሃገር ምስ ምዝዛም ዕብለላ ሞንጎላውያን ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ከም ዝጠፈአን ኣብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ቻይና ንጥፈታት ልኡካነ ወንጌል ምስ ተጀመረ ድማ ዳግማይ ክረኣይ ከኣለ።

ኣብ 1992 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ናይ ደጋዊ ኣብ መንጎሊያ ርእሰ ምሕድርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቖሙ ግዝኣታ ድማ ነታ ሕጂ ዘላ ረፓብሊካዊት ሞንጎልያ ዝሽፍን ኮይኑ ብኸፊል ድማ ካብ መሬት ሓዋርያዊ ልኡኽ ማእከላይ ሞንጎሊያ ካብ ቻይና ዝተወስደ ሃገረ ስብከት ኮንግ ሊዋንዚ ኮይኑ ኣብ 1924 ዓ.ም. ኡርጋ ብዝብል መጸውዕ ርእሰ ምሕድርቲ ቤተ ክርስቲያን ቆመ።

ምምላስ ካቶሊካውያን ናብ ሞንጎሊያ ኣብ 1992 ዓ.ም.

ኣብ 1992 ዓ.ም. እታ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ሶቪየት ሕብረት እትድግፍ ህዝባዊት ረፓብሊክ ሞንጎሊያ ምስ ቆመት ተተሓሒዙ ህላወ ክርስትና ምሉእ ብምሉእ ተኣልየ፡ ድሕሪ ምዝዛም ስርዓት ዴስትነት ሞንጎሊያ ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ዝተወልደት ሓዳስ ረፓብሊካዊት ሞንጎሊያ ምስ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ስነ መላዊ ዝምድና ብምፍጣር፡ ርእሰ ምሕድርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡላን ባቶር ቆመ፡ ንልኡካነ ወንጌል ንጹሕ ልበ ማርያም ማሕበር ብሕድሪ ተዋህበ። እዚ ሰበኻ እዚ ድማ በቶም ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝዓረፉ ብነፍሰ ሄር ወንቸስላው ፓዲላ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2002 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መስተናብርን ኣብ 2003 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ህየንተ ዘመንበረ ኡላንባታር ኮይኖም ከም ዘመሓደሩን ይንገር።

ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጎሊያ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንጎሊያ እትፍጽሞ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፥ ኣብ ማሕበራውን ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዓውድታት ኣተኩሮ ዝገበረ ኮይኑ ከም ዝቐጸለን፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ካቶሊካዊ ተቕዋም ተግባረ እድ ክልተ መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ክልተ መዋእለ ሕጻናትን ንጽጉማትን ሓለዋ ክንክን ጥዕናን መዐደል መድሃኒትን ማእከል ስንኩላንን ክልተ መእለዪ ግዳም ሓደርን ድኻታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘተኮረ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ እውን ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ካሪታስ ዝሳለጡ ውጥናት ግብረ ሰናይ መዐደል ምግብን መሕጸቢ ኣካላትን ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ስልጠና ዝህብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሰናይ ርክብ ምስ መንግስቲ ሞንጎሊያን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን

ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሞንጎሊያ ሰበ ስልጣን ምስጉንን ኣብ መንጎ ኡላንባርታርን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ኣብ ምድልዳል ዓቢዪ ኣበርክቶ ከም ዘለዎን፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ሞንጎሊያ ልኡከ መግንስትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊቀ ጳጳሳት ፓል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ባህላዊ መዳይ ዘሎ ምትሕብባር ንምድልዳል ናይ ሃገረ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብ ንሞንጎላውያን ተመራመርቲ ክፉት ዝብል ስምምዕ ከም እተፈረመን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዝምድናታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ኣብ ሞንጎሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለያ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከባ ሃይማኖታት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዋን ብፍላይ ምስቶም ካብ ሞንጎሊያ ግዝኣት ጀንጊስ ካን ዝጅምር ነዊሕ ዝጸንሐ ልምዲ ምጽውዋር ዘለዎም ሰበ ስልጣን ሃይማኖት ቡድሃ። ቀዳማይ ልኡኽ ዓቢይ በዓል ስልጣን ናይ ሞንጎሊያ ሃይማኖት ቡድሃ ዕለት 28 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ብካርዲናል ጆርጆ ማረንጎ ተዓጂቦም ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ብመሰረት ጸብጻብ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንድኻታት ኣቢያተ ክርስቲያን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሞንጎሊያ ቁሩብ ልዕሊ ፍርቁ ብድሃውያን ሰለስተ ሚእታዊ ኣስላም፥ ሰለስተ ሚእታዊ ሳማኒ ክልተ ሚእታዊ ድማ ፕሮተስታንት ምዃኖምን፥

ናይ ጉስነት ብድሆታት

ኣብዚ መንጽር እዚ ንቤተ ክርስቲያን ሞንጎሊያ ቀንዲ ናይ ጉስነት ብድሆ ንሞንጎላውያን ምእመናን እምነቶም ከዕምቑን ንመዓልታዊ ህይወቶም ዝያዳ ምስ ወንጌል ዝተዛመደ ክኸውን ምሕጋዝ እዩ። እቲ ካላይ ብድሆ ድማ ኣብ መንጎ ልኡካነ ወንጌል ዝተፈላለያ ማሕበራት ሱታፌ ክህሉ ምንቕቓሕ፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካልኦት ዝበዝሑ ፕሮተስታት ምስ ዝርከብዎም ክርስቲያን ማሕበረሰባት ሕውነታዊ ርክባት ምድንፋዕ ዝብል እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ቤተ ክርስቲያን ሞንጎሊያ፥ ወንጌል ናብቲ 40 ሚእታዊት እግዚኣብሔር የለን ንዝብል ክፍሊ ሕብረተሰብ ሞንጎሊያ ወንጌል ምእዋጅ ምዃኑ ይሕብር።

31 August 2023, 15:26