ድለ

2023.08.08 African Faith Leaders 2023.08.08 African Faith Leaders 

መራሕቲ እምነት ኣፍሪቃ አብ ህልው ኩነታት ንዜጋጥሙ ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ዛዕባ የካይዱ

ካቶሊካውያንን ሊቃውንቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ንቀጻሊ ዕቤት ንምስራሕን ኣፍሪቃ ዳግም ንምህናጽን ጭቡጥ ሓሳባትን ምትሕብባርን ንምድላው ዛዕባ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።

ካቶሊካውያንን ሊቃውንቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ንቀጻሊ ዕቤት ንምስራሕን ኣፍሪቃ ዳግም ንምህናጽን ጭቡጥ ሓሳባትን ምትሕብባርን ንምድላው ዛዕባ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካሪታስን፣ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ከምኡ ውን ማሕበር ኢዮቤል ሕ. መ. አ.  ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ናይ ኤሊስያን መዘናግዒ ማእከል ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ ኣኼባ አካይዶም፣ እዚ ኣኼባዚ አብዚ ግዜ እዚ ንምሉእ ኽፍለ-ዓለም አፍሪቃ ዘሳቕያ ዘሎ ቅልውላው ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽትዋጽኣሉ ከም እትኽእል አብ እተፈላለዩ መዳያት አተኲሩ ዝዝቲ አኼባ ኢዩ ዝነበረ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠም ዘሎ ቕልውላው

ገለ ኻብዞም ቅልውላዋት ድማ "ለበዳ ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ጸግማት፡ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ዓጸቦን፡ ለውጢ ዅነታት ኣየርን ንምክልኻል፡ ጽንተት እተፈላልዩ ሕይወታውያን፡ ሕጽረት ቀረብ ማይን፡ ተነቃፊ ዝኾነ ስርዓተ ጥዕናን፡ ግጭትን ግብረ-ሽበራን፡ አብ አፍሪቃ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዕዳን" ዘተኮረ ዛዕባ ኢዪ ዝነበረ።

እቲ ካብ 7-8 ነሓሰ እተገብረ ኣኼባ ብዛዕባ መራሕቲ እምነት ናይ ክፍለ-ዓለም አፍሪቃ ዘማእከለን ከምኡ ውን "አመንትን ዘይአመንቲ ክእኢላታትን" ዘሳተፈን ዝተፈላለዩ መደረታትን ዝርርባትን ዘተ ጕጅታትን ብምኪያድ በቶም ነዚ መደብ ዘካይዱ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረት እተሰናደወ ሰነድ አብ ምዝታትይ ኣሳታፊ መርሓ-ግብር ዝሓዘ ኢዩ ዝነበረ።

ናይቲ ጉባኤ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ኣጸጋሚ ዅነታት ንምብዳህ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን "ማሕበራዊ ፍትሕን ሰብኣዊ ኽብርን ንምድንፋዕ ንነዊሕ እዋን ብቈራጽነት እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ" ዓቢ ተራ ዝጻወት ምዃኑ ገሊጹ።

አኼባ መራሕቲ እምነት ኣፍሪቃ አብ ህልው ኩነታት
አኼባ መራሕቲ እምነት ኣፍሪቃ አብ ህልው ኩነታት

"ሰፊሕ ዝኾነ መርበብ ትምህርታዊ ትካላትን፣ ናይ ክንክን ጥዕና መሳለጥያታትን፣ ከምኡውን መደባት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደቅሰባት ብምትንካፍ አብ ኽፍሊ ዓለም አፍሪቃ  ምስቲ ከባብን ኩነታትን ዝኸይድ ንጹር መፍትሒ ትህብ አላ፤"  ክብል እቲ መግለጺ የረጋግጽ።

ከቢድ ናይ ዕዳ ቕልውላው

እቲ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ናይ ካልኦት ክርስቲያናዊ ቤተእምነትን መራሕትን፣ ናይ ሃይማኖት እስላምና መራሕትን፣ ናይ ደቀባትን ሃይማኖታት መራሕትን ዝፈረምዎ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዛዕባ እቲ "ዓለማለኻዊ ሸቶታትን ዘላቒ ልምዓትን ለውጢ ኩነታት አየር ንምዕዋትን ንዝግበር ወጻኢታት ማሕበራዊ ጽላት" ዝትንክፍ ከቢድ ናይ ዕዳ ቕልውላው ከም ዘሎ አጉሊሑ ይርከብ።

እቶም መራሕቲ እምነታት ነቲ ካብ መወዳእታ 1990ታት ኣትሒዙ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠም ዘሎ ቝጠባዊ ቕልውላው ሓፈሻዊ ዝኾነ ገምጋብ አካይዶም ፤   "ማሕበረሰብ አባይቲ እምነታትና ገለ ካብቶም ኣብቲ ኢዮቤላዊ ምንቅስቓስ እተኣከቡ  ንምስራዝ ዕዳ ናይተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ተጣበቕቲ ኮይኖም ይርከቡ። " ክብሉ ገሊጾም።

እንተኾነ ግን እታ ሓዳስ ዓመተ ኢዮቤል እናቐረበት አብ ዝመጸትሉ "እቲ መብጽዓ እቲ ገና ኣይተፈጸመን ዘሎ።"

ዘይማዕርነት ምፍታሕ

"መራሕቲ ዓለም ካብ ዕዳ ንምድሓን 130 ቢልዮን ዶላር ብምውጻእ ዝገበርዎ ኣብተን ተቐበልቲ ሃገራት ድኽነት ንምጉዳልን ወጻኢታት ንምድንፋዕን ሓጊዙ ኢዩ፣" ክብል እቲ ሰነድ ይገልጽ።

ይኹን እምበር "እቲ መልመሲ ሃገራት ዝኾነ ኣህጉራዊ ስርዓት ገንዘብን ኣብ ውሽጢ ሃገራት ዘሎ ብድሆታት ቁጠባዊ ምምሕዳርን ናይተን ተቐበልቲ ሃገራት ከይተፈትሐ ዕዳ ጾር ክሕለፍ ዘይከአል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ። "

ብፍላይ ከኣ "ሎሚ ሃገራት ኣፍሪቃ ብድምር ልዕሊ 1.1 ትሪልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ዕዳ ኣለወን ዝገደደ ድማ 25 ሃገራት ካባታተን ኣብ ከቢድ ናይ ዕዳ ጾር ኢየን ዝርከባ ዘለዋ ። "

እቶም መራሕቲ እምነታት አብቲ ዘውጸዎ መግለጺ "ኣብ ዓበይቲ ቝጠባታት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ወለድን ምንካይ ዕቤትን ክፍሊት ዕዳ ኸም ዚውስኽ ይገብር ብምህላዉ” ንክብሪ ዋጋ መነባብሮን ደሞዝን ኣታዊን ድማ ንኽዳኸም ምኽንያት ኮይኑ አሎ" ክብሉ ገሊጾም። 

ወፍርን ቃልስታትን

"ነታ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ካልእ ቦታታትን ህይወት ንምድሓን አብዚ ኩሉ አፍደጌታ አብ ዝዕጸወሉ ዘሎ ኩነታት ነዛ ደምበ ህይወት ዝኾነት ዓለምና ንምዕቃብ" ብዙሕ ወፍሪ ክካየድ የድሊ አሎ።

አኼባ መራሕቲ እምነት ኣፍሪቃ አብ ህልው ኩነታት
አኼባ መራሕቲ እምነት ኣፍሪቃ አብ ህልው ኩነታት

እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ድኻታት ሃገራት ብሰንኪ ለባዳ ኮቪድ-19 ዘጋጠምን "ጥዕናዊ፡ ንቝጠባዊ ዀነ ማሕበራዊ ሳዕቤናት" ምላሽ ንምሃብ አብ ዝገበራኦ ቃልሲ "ኣብ ጥዕናን ትምህርትን መግብን ማሕበራዊ ዕቝባን ብዙሕ ገንዘብ ምስ ዝገበርኦ ወጻኢታት" ዝተሓሓዝ ምዀኑ ዘጊቡ።

ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ

እቲ ሰነድ ነቲ ኸቢድ ቅልውላው ንምስጋር ክውሰድ ዘለዎ እተፈላለየ ስጕምትታት ዘመላኽት ኢዩ ዝነበረ ።

ቀዳማይ "ተለቃሕቲ ዕዳ ንኺኸፍሉ ውሕስነት ዚህብ መስርሕ ምንካይ እንተ ወሓደ ንኣድላዪ ዕቤትን ወፍሪ ኩነታት አየርን ንምሕላው ዜድሊ መጠን ምንካይ ዕዳ ኺሓትቱን ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱን አለዎም።"

መራሕቲ እምነት ንሃገራት "ሓድሽ ክበድ ዕዳ ንምክልኻል ሓላፍነት ዝስምዖ መስርሕ ልቓሕ ከም ዝፍጸም ዝገብር ሕግታትን መምርሒታትን ልምድታትን ከውጽኣ" ጻውዒት ኣቕረቡ።

ካልእ ትጽቢት ዚግበረሉ ፖሊሲታት ከኣ "ናብ ሕድገታዊ ልቓሕ ምእታው " ከምኡውን ኣብ ምምሕዳር ገንዘብ "ስርቂ ህዝባዊ ገንዘብን ብልሽውናን " ምጥፋእ ኪጥቀስ ይኽእል እዩ ።

"ድልዱል ኪዳን"

እቲ መግለጺ ከም ዝሕብብሮ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ "ምትእኽኻብ ጥራይ ዘይኰነስ  ድንልዱል ኪዳን ንሕድሕሳዊ ምትሕግጋዝ ምዃኑን አብ መንጐ ሃይማኖታት ሓድነት ምፍጣንርን፣ ዝተዛመደ ጥበብን ከምኡውን ንፍትሒ ሓባራዊ ቘራጽነት ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ" ኢዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ሰነድ "ብቃላት ቅዱስ መጽሓፍን ብሞራላዊ መርትዖን ተሰኒና ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ ምስ ዕዳን ምምሕዳር ማሕበራውን ቍጠባንውን ዚተሓሓዝ ቅልውላዋት ከም ኣገዳሲ ጕዳያት ብቘራጽነት ክንፈትሖ ዘቲናሉ" ክብል ደምዲሙ።

10 August 2023, 13:16