ድለ

ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት፥ ዛዕባ ሓለዋ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝምልከት ኣዋጅ ከቲመን ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት፥ ዛዕባ ሓለዋ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝምልከት ኣዋጅ ከቲመን 

ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት፥ ዛዕባ ሓለዋ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝምልከት ኣዋጅ ከቲመን

ወከልቲ ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፥ እርጋን ህዝቢ ዓለም ከም ዕድል ክራርእዮ ማለት “ኣብ ማሕበራዊ ወይ ማሕበረሰብኣዊ ወለንታዊ ስራሕ ትምህርትን ኣብ መንጎ ወለዶታት ምትሕልላፍ ፍልጠትን ጥበብን” ልዑል ኣበርክቶ ክገብሩ” ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ምሃብ

ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቡወኖስ ኣይረስ ናይ ጳጳሳዊ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፥ ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት፥ ምልክት ስልጣነ ዝኾነ “ንዝደኸሙን ረዳኢ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከም ብኽነት ምርኣይ ዝብል ዝኾነ ይኹን ፈተና ምንጻግ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ሓባር ሰነድ ከም ዝኸተሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 28 ነሓሰ ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ “ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰብ ምሕላው” ዝብል ኣብ ትሕቲ ድጋፍ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያ፡ ኣብራሃማውያን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ኣዋጅ ሰነድ ከም ዝኸተማ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥ እቲ እዋጅ ብፕሮፈሰር ኣባ ሩበን ረቨሎ ናይ ስነ ህይወት ስነ ምግባር ተቕዋም - ኣብ መንበር ጥበብ ስነ ሕክምና ዋና ኣመሓዳሪ፡ ራባይ ፕሮፈሰር ፈናንዶ ቪሸል ስላጀን ብወገን ሃይማኖት ኣይሁድን ሸኽ ፍፕሮፈሰር ዓብዳላ ሴሪሉ ድማ ብወገን ሃይማኖት ምስልምና ተኸቲሙ ወግዓዊ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ረባሕታ ምቕያር

ወከልቲ ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት ኣብ  ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፥ እርጋን  ህዝቢ ዓለም ከም ዕድል ክራርእዮ ማለት “ኣብ ማሕበራዊ ወይ ማሕበረሰብኣዊ ወለንታዊ ስራሕ ትምህርትን ኣብ መንጎ ወለዶታት ምትሕልላፍ ፍልጠትን ጥበብን” ልዑል ኣበርክቶ ክገብሩ” ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ምሃብን ገና ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎም እወታዊ ዓቅሚ ግቡእ ቦታ ዘይወሃቦ ስለ ዝመስል፥ እዚ ጉዳይ እዚ ክቕየር ከም ዘለዎ የመላኽቱ።

ነዚ ጉዳይ ብኩልንተናውን ሰብኣውን ኣረኣእያ ብምምላስ እቲ ሰነድ፥ “ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ምኽሓድን ከም ተረፍ መድርኽ ህይወትን ምሕሳብ ዝብል ረባሕታ ንምቕያር ብሉጽ ዕድል ከጋጥመና ይኽእል፡ እዚ ድማ ናብ “ክብሪ ዘበቕዕ ክንክንን ተሳትፎን ዋጋን ተመክሮን ኣረጋውያን” ምዕራፍ ምስግጋር ከም ዘድሊ ብምግንዛብ ኣድላዪ ድጋፍ ምሃብን ንኹሉ ዕድመን ንሓባራዊ ረብሓን ዝያዳ ሓቋፍን ደጋፍን ሕብረተሰብ ምሃንጽን ይግባእ።”

ክቡር ‘ክብሪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ክፍሊ ሕብረተሰብ

ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ክብሪ ምሃብ፥ “ነቲ ኣካላዊ እርጋን ብጥበብ” ኣብ ሕብረተሰብ ክሰርጽ ምግባር፥

ሽማግለታት ጥበቦም መምህራን ህይወት ዝገብሮም ከም ሓቀይና መራሕቲ ክቑጸሩ ኣለዎም!

ምሕጋዝን ምውህሃንድን

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፥ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ካብ “ምህረትን ሕያውነትን” ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቢኡ ድማ ካብ ፍትሒ ዝተበገሰ ሓገዝ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ይሕብር፥ “ብኣብርሃማውያን ባህልታት ንእርጋን ከም መድርኽ ምዕባለ እምበር ንማሕበራዊ ምግላል ዝተፈርደ ናይ ሕይወት እዋን ኣይሓስቡን፥”

ሕብረተሰብና ንእርጋን ኣትሒቱ ይርእዮ፡ ምስ ሕሉፍ ግዜ ድማ የተኣሳስሮ። እርጋን ግን ንኹላትና መጻኢ እዩ። ሎሚ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ምኽባር ማለት ነቲ ክንሕዞ እንብህጎ መጻኢ ክብሪ ምሃብን ክብሪ ምድላውን እዩ!

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ

እቶም ሰለስተ ከተምቲ እቲ ሰነድ፥ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ምስቲ ሰነድ ዝተኣሳሰረ ተወፋይነቶምን ቆላሕታኦምን ገሊጾም፤ ራባይ ፕሮፈሰር ስላጀን፥ ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ዕላማ ምክልኻል ኣረጋውያን ምጥርናፍ፡ “ርህራሄን ፍትሕን ንፍልልያት ዝሰግርን ኣብ ሕብረተሰብ እወንታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ” ዘርእዪ ምዃኑ ከም ዘጉልሑን፥ “ቁልዑ እንተዘይህለዉ ተመሃራይ ኣይምሃለወን ተመሃራይ እንተዘይህሉ ሰብ ጥበብ ኣይምሃለዉን፥ ሰብ ጥበብ እንተዘይህልዉ ድማ ኣረጋውያን ኣይምሃለዉን፥ ኣረጋውያን እንተዘይህልዉ ድማ ነቢያት ኣይምሃለዉን ነቢያት እንተዘይህልዉ ድማ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሓልዮቱ ኣይምመለሰን” እንክብሉ፥ ሸኽ ፕሮፈሰር ዓብደላ ሴሪላ፥ እስላማዊ እምነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ሎዕሊ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘለዎም ኣኽብሮት ኣስሚሮም፥ ካብ ንባብ ቅሩዓን፡ “ጐይታ ንበይኖም ከምልኹን ንወለዶም ከኽብሩን ኣዚዙ ኣሎ፡ ናብ እርጋን ንዝበጽሑ ድማ ኣይትንዓቆም፥ ሕያዋይ ቃላት ኣስምዓዮም” ዝብል ጠቒሲም ናይቲ ሰነድ ትርጉም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዕድመ ዝደፍኡ ምሕላው

ፕሮፈሰር ኣባ ሩበን ረቨሎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ጳጳሳዊ ናይ ስነ ህይወት ተቕዋም፥ ህይወታዊ መሕወዪ ክንክን ንምትግባር ዘለዎ ተወፋይነት ዘኪሮም፥ “በዚ ጻዕሪ ኣቢልና ብፍላይ ኣብቶም ህዝባዊ ውሳኔታት ዝወስዱ ሰባት ንቕሓት ንምዕባይን ኣብ ሕብረተሰብ ኣዚዮም ተቓላዕትን ኣረጋውያንን ንምኽባርን ንምክልኻልም ግብረ መልሲ ንምሃብ መዲብና ኣሎና” ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳቲ ፓሊያ እውን ብወገኖም፥ “ኣብ በርገሳውያን ማሕበራት ንዝርከቡ ኣረጋውያን ኣብ ባህሎምን መንፈሳዊ ውርሻታቶምን ተመርኩሰን ኣብ ጉዳይ ሓለዋን ምኽባርን ኣረጋውያን ንቕሓት ንምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 August 2023, 15:43