ድለ

ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ንብዙሓት መንእሰያት ኣውስትራሊያ፥ “ዓይኒ ዝኸፍት ህሞት” ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ንብዙሓት መንእሰያት ኣውስትራሊያ፥ “ዓይኒ ዝኸፍት ህሞት”  (AFP or licensors)

ኣህጉራዊ ቅነ መንእሰያት ንብዙሓት መንእሰያት ኣውስትራሊያ፥ “ዓይኒ ዝኸፍት ህሞት”

“ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብኣካል ምስታፍ ምስ ሚሊዮናት ካልኦት መንእሰያት ክትራኸብ ዝሕግዝ ዕድል ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣውስትራሊያን ብፍላይ ድማ ንመንእሰያትን ናይ ብሓቂ ውሳኒ ህይሞት እዩ”

ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ዋና ሓላፊ ሃገራዊ ማእከል ስብከተ ወንጌል ማልኮም ሃርት፥ ነዚ ዝመጽእ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብመንጽር መንእሰያት ኣውስትራሊያ፥ “ኣብ ህይወት ናይ እምነት ተመክሮ ዳህሳስስን ዕብየትን ህሞት” እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብኣካል ምስታፍ ምስ ሚሊዮናት ካልኦት መንእሰያት ክትራኸብ ዝሕግዝ ዕድል ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣውስትራሊያን ብፍላይ ድማ ንመንእሰያትን ናይ ብሓቂ ውሳኒ ህይሞት እዩ” እንክብሉ በዘነ ቃላት እዚኣተን ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣውስትራሊያን ዋና ሓላፍ ሃገራዊ ማእከል ስብከተ ወንጌል ማልኮም ሃርት ነቲ ዝመጽእ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብመንጽር “እቶም ኣብ  ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ንኽሳተፉ ዝሰናደዉ ዘለዎ ኣስታት 3ሺሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣውስትራሊያ” ይገልጽዎ።

ተወፋይነትን ዕድላትን

ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ኣውስትራሊያ 19 ጳጳሳት ኣብታ ሃገር ካብ ዘለው ጳጳሳት ብፍርቂ ዝውክሉ፡ ክርከቡ እዮም፡ እዚ ዘርእይዎ ተወፋይነት ናይ ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ፡ ብኻልእይ መዳይ ድማ ዓቢይ ዕድል እውን እዩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ጳጳሳትን መንእሰያትን ኣውስትራሊያ ዘሎ ርክብ ኣብነታዊ እውን እዩ . . . እስታት ሰማንያ ጉጅለታት ከከም ሃገረ ስብከታቶም ክሳተፉ እዮን፡ እዞም መንእሰያት ኣውስትራሊያ ናብ ሊዝበን ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክነግዱ እዮም፥ “ቅድስቲ መሬት ኣብ ኢጣሊያ ሮማን ኣብ ፈረንሳ ሉርደ ከምኡ እውን ስፐይንን ብርግድ ጽማ ኣብ ፑርቱጋል ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘፋጢማ ክነግዱ እዮም” ይብሉ።

መረብታዊ ርክባት

እቲ ካልእይ መሳጢ መደብ ድማ እቶም ብኣካል ኣብ ሊዝበን ክርከቡ ዘይክእሉ መንእሰያት ክሳተፉ እውን እዮም። ስለዚ እዚ እውን ብመረብታዊ ኣገባባት ኣቢሎም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሓብሩ እዮም። እቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብክሱት ምስማዐ ርእየት መሰረት ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ብምዃኑ እቶም ብኣካል ዘይርከቡ መንእሰያት ብቐጥታ ክከታተልዎ እዮም። . . . ኣብዚ ቀረባ እዋን ጉባኤ ጳጳሳት ኣውስትራሊያ ኣብ ስብከተ ወንጌል ዘተኮረ ሓድሽ መርበባዊ ሓበሬታ ኣበጊሶም እዮም፡ እዚ መርበብ እዚ እውን ንመደባት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብቐጥታ ኣብ ምዝርጋህ ክዋሳእ እዩ።”

ዛንታታት ምክፋል

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ኣብ ሓደ ዝእከብሉ ኣጋጣሚ ዝውክል እዩ። “እቲ ኣብቲ ፍጻሜ ንምስታፍ ዝግበር ጉዕዞ ብሓቂ መሳጢ እውን እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብ ንግደት ናይ እምነት ጉዕዞ ምግባር ዝያዳ መሳጢ እዩ”። እዚ ተመክሮ እዚ ኣብ ህይወት መንእሰያት ብፍላይ ምስ ሚሊዮናት ካልኦት ካቶሊካውያን መዛኑኦም ኣብ ዝላለይሉ እዋን፡ “ናይ እምንት ተመክሮ ዳህሳስን ዕብየትን” ዝውክሉ እዮም። “ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣውስትራልያ ናይ ብሓቂ ወሳኒ ህሞት” እውን እዩ።

ብሓቂ እታ ሃገር “እምነትን ሃይማኖትን ቦታ ብዘይህብ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ኩሉ መዳያት ሃገር ዝኣልይ ባህሊ ዝያዳ ይዕብልላ ኣሎ። ናይ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ሰባት ትንጽል። ስለዚ ድማ እዩ መንእሰያት ምስካልኦት ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝመጹ ክራኸቡን ናይ እምነት ተመክሮ ክካፈሉን ዛንታታቶምን ቃልሶምን ብድሆታቶም ሓጎሶምን ጥበቦምን ክሰምዑን ከምኡ እውን እምነት ሎሚ ኣብ ህይወቶም ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ክርእዩ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ።”

ንብዙሓት መንእሰያት ካቶሊካውያን ኣስትራሊያን ናይ ብሓቂ ዓይኒ ዝኸፍት ህሞት እዩ።”

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

“እቲ ካልእ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ፍጻመ ድማ እቶም መንእሰያት ብኣቡናቶም ተሰንዮም ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ እዩ። “ቅዱስነቶ ንመንእሰያት ዝብልዎ ኩሉ ኣዚዩ ዝምስጥን ሓቅን ሓያልን እውን እዩ። ኣብቲ ፍጻሜ እውን ቃሎም ክንሰምዕ ብዙሕ ሃረርታ ኣሎና” ዝበሉ ሃርት ኣስዒቡ፥ ምስኦም ምርኻብ ካብኦም ቃል ሰላምታ ምስማዕን ናይ ጸጋ ህሞት እዩ። ብሓቂ ንኹሉ እቲ ጉዕዞ ነቲ ንግደት ነቲ ምስ ካልኦት መንእሰያት ዝግበር ርክብ ዘደልድል እዩ - ቢሎም - እንተኾነ ግን ኣብ ልቢ እቶም መንእሰያት ነባሪ ጽልዋ  ምስ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ኣስትራሊያ ክራኸቡ እዮም” ኢሎም።

ኣረጋውያንን ኣረጋውትን መንእሰያትን

ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሰንበት ዕለት 23 ሓምለ ዝኽበር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን መንፈስ ዘሰንዮ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን መንእሰያትን ዘሎ ርክብ ዘተሓሳስቡን ከይብተኽ እውን ዝምዕዱን እዮም፡ እዚ ምትእስሳር እዚ ብመንጽር እቲ ህጻናትን መንእሰያትን ምስ ኢየሱስ ዝገብርዎ ኣብ ናይ መጀመርታ ርክብ ክሳብ ክንደይ  ኣገዳሲ ምዃኑ እውን እዮም ዘጉልሑ።

ብብዙሓት ዝተፈላለዩ መገዲ እዮም ዝፈልጥዎ። ብፈተውቶም ወይ መዛኑኦም ብፍጻሜታት ወይ ብስድራ ቤቶም ግን እቲ ዝምድናን ርክብን ምስ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ዘሎ ርክብ እዩ ዓሚቝ ተመክሮ ዝኸውን!

ዘተን ደገፍን

እዚ ዓይነት ዝምድና ብመሰረት ሃርት፥ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ትኩረት እዩ ዝገበረሉ። ንሳቶም እውን ነቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” (ሉቃ. 1: 39) ዝብል መርሕ ቃል መሰረት ክመያየጡ ክደጋገፉን እያቶም።

እቶም መንእሰያት ኣብ መንጎ ማርያምን ኤልሳቤጥን ዘሎ ርክብ ዝነብሩን “ንመንእሰያት ምስ ዝተፈላለዩ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ብምልላይን ኣብ ዘተን ደገፍን ክዋፈሩ ይሕተቱ” እዚ ዝምድናታት እዚ “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ንጸጋታትን ጥበብን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝያዳ ትኩራት ክንከውን እዮም ዝሓትቱና” ኢሎም።

22 July 2023, 16:53