ድለ

መንእሰያት ምስ ኣረጋውያን፥ “ንድግማ ታሪኽ ዘይኮነስ ዝሓሸ ዛንታ ንምጽሓፍ!” መንእሰያት ምስ ኣረጋውያን፥ “ንድግማ ታሪኽ ዘይኮነስ ዝሓሸ ዛንታ ንምጽሓፍ!” 

መንእሰያት ምስ ኣረጋውያን፥ “ንድግማ ታሪኽ ዘይኮነስ ዝሓሸ ዛንታ ንምጽሓፍ!”

ለምዘበን ጽምብል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዝተቐራረበ ብምዃኑ

ዕለት 23 ሓምለ ብውሳኔን ድላይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ኣተሓባበሪ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ናይ ህይወት ተቕዋም ኣባ ኣንድረያ ሱዩቺ ኣብ ማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ ኣብ መንጎ ወለዶታት መንነት ነፍሲ ወከፍ ዘኽብር ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንቅዲ ተግባር ኣምላኽ ብዝበለጸ ንምቕባል፡ ግዜ ብምሉእነቱ ክንበር ከም ዘለዎ ንዘክር፡ ምኽንያቱ እቶም ዝዓበዩ ክውንነታትን ዝጸበቑ ሕልማታት ኣብ ቅጽበት ዘይኮነስ፡ ብዕብየትን ብስለትን እዮም ዝጭበጡ፡ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ዘተ፡ ኣብ ዝምድናታት፣” ፍራንቸኮ ኣብቲ ጽባሕ ዕለት 23 ሓምለ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውያንን ዘመሓለፍዎ መልኽቲ፤ “እቲ ዝምድና እምበኣር ከም መጋበርያ ዕብየት፡ ኣብቲ ብዛዕባ ታሪኽን ናይ ገዛእ ርእስኻ ግዜን ምርዳእ ዝሓትት ብምልኣት ክንነብር ዘኽእለና ሓቀይና ሕልሚ ንምትግባር ዝሕግዝ መገዲ እዩ። ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ታሪኽ ክንነብር የኽእሉና።” ምሉእ ህይወት “ዝሓለፈ ምድጋም ዘይኮነስ ካብቲ ተመኩሮ ካብ ምስክርነት ኣረጋውያን ብምውሳድ” ዝሓሸ ብሉጽ መጻኢ ምህናጽ ማለት እዩ።” እዚ ሓደ ካብቲ ብናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወት ኣተሓባበሪ ቤት ጽሕፈት ኣባ ቺዩቺ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኮይኑ፥

ዝኽሪ 2014 ዓ.ም.

እዛ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ምስ ዝጀመርሉ እዋን ዝተኣሳሰረ እዩ። ዕለት 24 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝተገብረ ርክብ እቲ ዝበለጸን ሰናይን ህሞት ምዃኑ ኣለልዮም፥ “ኣረጋውያን ጥበብ እዮም። ብዙሕ ድማ ይሕግዙ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ሓደ ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ መደብ ኣባ ሱዩቺ ዘኪሮም፡ ንሶም እውን ነቲ ርክብ ዘወሃሃዱ ምንባሮም ገሊጾም፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ 30 ሺሕ ኣረጋውያን ከም ዝነበሩን ክልተ ካብኣቶም ካብቲ ኣብቲ እዋን ኲናት ዝካየደላ ካብ ዘነበረት ሃገረ ዒራቕ ዝመጹ ምንባሮም ገሊጾም፡ ኣብቲ ጽምብል እውን በነዲክቶስ መበል 16 ከም እተረኽቡ ይዝክሩ።

ምስቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘለዎ ቅርበት

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ “ለምዘበን ጽምብል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያትን ዝተቐራረበ ብምዃኑ፡ ጽቡቕን ዓቢይን ትርጉም እውን ኣለዎ፡ ክልቲኦም ፍጻሜታትን ዝኽተልዎ መርሕ ቃል ድማ፥ ማርያም ንኤልሳቤጥ ኣብ ምጽባሕ “ተሓዊኻ ከደት” ኣብ ዝብል ዓሚቝ ሓሳብ ዘተኮረ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ዘሎ ምትእስሳር ከነስተንትነሉ ይመርሓና። ጐይታ መንእሰያት ምስኦም ዝራኸቡ ነቲ ዝኽሮም ንምዕቓብ ዝግበር ጻውዒት ክቕበሉን ሳላኦም፡ ነቲ ህያብ ናይ ዝዓበየ ታሪኽ ምዃን ከለልዩን ተስፋ ይገብር።” እምበኣር ቃል ር.ሊ.ጳ. ናይ ዝዓበየ ታሪኽ ኣካል ክንከውን ይላበወና። “እዚ ኣብ ውሽጢ ቀጻልነት እንተዘይኮኑ ጥበብን እምነት ዘመሓላልፍ ታሪኽ ክንነብር ዝሕሰብ ኣይክኸውንን እዩ ዝበሉ ኣባ ሱዩቺ ኣስዒቦም፥ “እንተኾነ ግን ኣቃልቦ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ፡ ሕሉፍ ታሪኽ ምድጋም ዘይኮነስ መንእሰያት ወለዶታት ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝደግሙ ‘ደጋምያን’ ክኾኑ የብሎምን፡ እቲ ዓቢ ዜና ግን ብጥበብ ሕሉፍ፡ ኣብ ሓድሽ መገዲ ክንነብር እዩ ዝግባእ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዝን ኣብ መጻኢን ብዝተፈላለየ መገዲ ክንነብር ኢና፡ ኣጠማምታና ናብ ዝሓለፈ ጥራይ ምምላስ ኣንጻር ፋሲካ ኢየሱስ እዩ!”

ኣገዳስነት ጸሎት

“ጸሎት ናይ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ካልኣይ ማእከላዊ ጉዳይ እዩ፡ ብርግጽ ምስ ጐይታ ኣብ ዝምድና እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ተመኩሮ ጸሎት፡ ሓደ ካብቶም ብፍላይ ትርጉም ዘለዎም ‘ቦታታት’ እዩ።” ክርስቲያናዊ ጸሎት ኩሉ ግዜ ብመልክዕ ሓላፍነት ዝልለ እዩ፡ ናይ ህይወት ተመክሮ ምህናጽን ማለት እዩ፡ በዚ መንጽር እዚ “ሎሚ ኣገዳሲ ንውሓት ዕድመ ምህላዉ” ዘኪሮም፡ ስለዚ “ብመንፈሳዊ ኣረኣእያ እውን ዕድመ ኣረጋውያን ዳግም ክሕሰበሉ ይግባእ” ብምባል፥ ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ወዲ 75 ዓመት ኣረጋዊ ከም ንጡፍ ሰራሕተይና ክሕሰብ ክቑጸርን ከምዝኽእል፡ ምስክርነት ዝህብ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበራውን ኣገልግሎት ክዋሳእ ዝኽእል ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ፡ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ንነብስና ኣብ ቅድሚ ጐይታ ኣብ ምቕማጥ ኩሉ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብሓፈሻ ኣብ ሕብረሰብ ንዓዓቶም ኣቃልቦ ምህብ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንነብስና ንሕተት እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ ይዛዝሙ።

22 July 2023, 16:48