ድለ

ኣረጋውያን ኣብነት ምትሕልላፍ እምነት ካብ ዘመን ናብ ዘመን እያቶም ኣረጋውያን ኣብነት ምትሕልላፍ እምነት ካብ ዘመን ናብ ዘመን እያቶም  (@Comunità Sant'Egidio)

ኣረጋውያን ኣብነት ምትሕልላፍ እምነት ካብ ዘመን ናብ ዘመን እያቶም

“እቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብዕድመ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ነቶም ናብ ሊዝበን ዝፋነዉ መንእሰያት ክጽልዩን ክባርኹን በዚ መንፈስ እዚ ድማ ከምዘሰንይዎም”

ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝበዓለሉ ሰንበት ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ንዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ቅዳሴ ብምስታፍ ወይ ነቶም በይኖም ኣብ ጽሞና ንዝርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብምብጻሕ ነቲ ፍጻመ ከብዕሉ ቅድም ክብል ዘመሓላለፎ ዕድመ የሐድስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት 23 ሓምለ ሳልሳይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን “ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶ እዩ! (ሉቃ. 1, 50) ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ክበዓል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ንዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት የዘኻኽር።

ሰንበት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ

ናይ ቅድስቲ መንበር ንዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሕብሮ፥ ሰንበት ዕለት 23 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10.00 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 6 ሺሕ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑን እቶም ተሳተፍቲ ካብ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ዝተዋጽኡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ዛዕባ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝግደሳ ማሕበራት ዝውክሉን ወለንተይናታትን ከምዝኾኑ የመላኽት።

ንውሉድ ወለዶ

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ንዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ፥ ኣብ መወዳእታ እቲ ጽምብል ሓሙሽተ ኣረጋውያን ንነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ዝውክሉ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝውክል መስቀል ብምኽንያት እቲ ኣብ ሊዝበን ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንሓሙሽተ መንእሰያት ከረክቡ ምዃኖም ይሕብር።

እዚ ድማ ንውሉድ ወለዶ ዝብል እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ግደ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝነግርን፥ “እቶም ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብዕድመ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ነቶም ናብ ሊዝበን ዝፋነዉ መንእሰያት ክጽልዩን ክባርኹን በዚ መንፈስ እዚ ድማ ከምዘሰንይዎም” ዝነግር ምልክት እዩ። ኩሎም እቶም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝካየድ መደብ ዝሳተፉ ቅዱስ ኣቦና ብመዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘመሓላለፍዎ መልእኽት ጸሎትን ዝተነብሮ ንእሽተይ መጽሓፍ ክቕበሉ እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ጽምብል

ናይ ቅድስቲ መንበር ንዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ከምዘረጋግጾ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ዓለም ነቲ ፍጻመ ንምጽምባል ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝተወፍየ ቅዳሴ ወይ ድማ ነቶም ኣብ ተነጺሎም ንበይኖም ዝተሕድጉ ኣብ ጽሞና ዘለዉ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብምብጻሕ ሓልዮት ምምስካርን ዝብሉ ክልተ መገድታት ሓቢሩ፥ ነዚ ዝፍጽም ድማ “ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት” ክጽገው ምዃኑ የመላኽት።

21 July 2023, 15:48