ድለ

ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣብ 2022 ዓ.ም. ክስታት ግህሰት ከም ዝነከየ ይሕብር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣብ 2022 ዓ.ም. ክስታት ግህሰት ከም ዝነከየ ይሕብር 

ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣብ 2022 ዓ.ም. ክስታት ግህሰት ከም ዝነከየ ይሕብር

ኣብ መቕድም ናይቲ ሰነድ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮሊዮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሊቀ ጳጳሳት፥ “ኣብ ኣገልግሎት ምክልኻልን ፈውስን ምዕጃብን ቀጻሊ ጻዕርታትን ዝገልጽ ፍልዩ ሰነድ እዩ”

ጉባኤ ካቶሊካውያን ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ድሕነት ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ንምርግጋጽ ዝግበር ጻውዒት ኣብ ምቕጻል ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን” ዘጉልሕ ሰነድ ወግዓዊ ከምዝገበረ ዜና ቫቲካን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

USCCB - ጉባኤ ካቶሊካውያን ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ  ሽማግለ ሓለዋ ህጻናትን መንእሰያትን ዓመታዊ ጸብጻብ - ርኽበታትን ለበዋታትን ኣተገባብራ ውሳኔ ምክልኻል ህጻናትን መንእሰያትን 2022 ዓ.ም. ዝሕብር ብወግዒ ከምዘቕረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትብዓትን ጽንዓትን

ኣብ መቕድም ናይቲ ሰነድ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮሊዮ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሊቀ ጳጳሳት፥ “ኣብ ኣገልግሎት ምክልኻልን ፈውስን ምዕጃብን ቀጻሊ ጻዕርታትን ዝገልጽ ፍልዩ ሰነድ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሰነድ “ሳላ ትብዓትን ጽንዓትን እቶም በቶም ዝኣመንዎም ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተጐድኡ ዝተበደሉን ወይ ዝተዓመጹን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክቐርብ ከም ዝኸኣለን ከምኡ እውን ዘቕረብዎን ዘካፈልዎን ዛንታታቶም መሰረት ንሕትመት ዝበቕዓ ጸብጻብ እዩ” እንክብሉ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክስታት ይንኪ

እቲ ጸብጻብ ካብ ዕለት 1 ሓምለ 2021 - ዕለት 30 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣብ 2002 ዓ.ም. ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ “ብካቶሊካውያን ካህናት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንምፍታሕን ንህጻናትን መንእሰያትን ንምክልኻል ዝሕግዝ ኩለ መዳያዊ ኣገባባት ምክልኻል ዘጠቓልል ናይ ዕዮ ኪደት ውጽኢት ኮይኑ፡ እቲ ሰነድ ብድምር 1,998 ዝደሓኑ ግዳያት፡ 2,704 ክስታት ከምዘቕረቡን እዚ ጸብጻብ ምስ ናይ 2021 ዓ.ም. ክነጻጸረ እንከሎ ብ 399 ከምዝነከየን ከምኡ እውን ምስ ጸብጻብ 2020 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ1,548 ከምዝነከየ ዘረጋግጽ እዩ።

ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ እዚ ምንቁልቋል እዚ ብቐንዱ “ብሰንኪ ክስታት መደባት ካሕሳ ከምኡ እውን ዝበጽሖ ክስታት ብምፍታሑ ምዃኑ መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ድሕነትን ደገፍን

እቲ ሰነድ ብተወሳኺ ኣብ ሃገረ ስብከታትን ኤጳርቅናታትን ኣብ ግዝኣት ሕቡራት መንግስታት ኣምሪካ ን254 ግዳያት ዝደሓኑ ከምኡ እውን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዓመጽ ካብ ስድራ ቤቶም ዝተወሃበ ሓበሬታ መሰረት 1,589 ግዳያት ከም ዝደሓኑን ደገፍ እውን ከም እተገበረሎምን ተሓተቲ ግብኡ ፍርዶም ከምዝረኸቡን ዝሕብርን ብፍላይ ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ገዳማትን ማሕበራትን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዋፈሩ ስራሕተይናታትን ወለንተይናትት ዝግበር መርመራን ካብ ህጻናትን መንእሰያትን ዝተመሓላለፈ መጠንቀቕታ ምልክታ ግህሰት ከም እተለለየን ነቶም ምልክታት ብኸመይ ከለልዩን ክሕብሩን ዘኽእል ዝወሃብ ህንጸት ውጽኢት ምዃኑ የመላኽት።

20 July 2023, 15:44