ድለ

ውፉያን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ብድሆታት ስደት የስተንትና ውፉያን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ብድሆታት ስደት የስተንትና 

ውፉያን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ብድሆታት ስደት የስተንትና

ብዙሓት ብዝተፈላለየ ሰብኣውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጸገማት ተደሪኾም ዝስደዱ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም - ከምቲ ኣብ ጉዕዞ ባሕርን ካልኦት ጉዕዞታት ናብ ስደትን ዘጋጥም ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን

ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ገዳማውያንን ሰብ ውፉያን ማሕበራት ደናግል ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ብዛዕባ ስደተይናታትን ስደትን ኣማእኪለን ዘካየደኦ ክልኣይ ኣኼባ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ህንጸት መጻእን ዘተ መሰረት ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መሰረታዊ ጠንቂ ዝንባለታት ስደት ምትንታንን ንኹሉ ዝሓቁፍ ዘላቒ ፍታሕ ንምስፋሕ ዝሕግዙ መገድታት ምምዳብ ጸጋታት ምድህሳስን ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ብኣህጉራዊ ህብረት ላዕለዎት ሓለፍት ማሕበራት ደናግል ምስ ዓለማዊ ምትሕግጋዝ ትካል ብምትሕብባር ዝተዳለወ ካልኣይ ዓውደ ኣኼባ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ ፍጻሜታት እዚ ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስታት ኣብ መንጎ መንግስታውያን ትካላት፡ ትካላት ቫቲካን በርገሳውያን ማሕበራት ምሁራትን ማዕከናት ዜናን ወከልቲ ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ኮይኑ፥ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዝ ሰብኣዊ መሰላትን ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለም ማሕበራዊ ምትእስሳርን ካልኦት ጉዳያትን ኣማእኪለን ከም ዝዘተያን፥ ዘተ ኣብ ምክልኻል ንዝተጸገሙ ሰባትን ማሕበረሰባትን ጭቡጥ ተራ ክጻወት ከምዝኽእል ብኣጽንዖት ዘተሓሳሰበ ዓውደ ኣኼባ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሰብኣውነት ማእከል ምግባር

ብዙሓት ብዝተፈላለየ ሰብኣውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጸገማት ተደሪኾም ዝስደዱ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም - ከምቲ ኣብ ጉዕዞ ባሕርን ካልኦት ጉዕዞታት ናብ ስደትን ዘጋጥም ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ዝኣመሰሉ ጸገማት ምላሽ ንምሃብ ሰብኣውነት ዘማእከለ ባህሊ ምስፋሕ ከም ዘድሊ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ መደረ ዘስምዓ ከም ዘስመራሉን . . . ነታ ዝሓሸት ዓለም ክንሃንጻ እንኽእል ሰብኣውነት ማእከል ካብ ምግባር ዝብገስ ምዃኑ እውን ከም ዘተሓሳሰባ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ጻዕሪ እዚ እውን ካብ ብሔራዊ ቅርጺ ሓሊፉ ዓለም ለኻዊ መርበባዊ ምትእስሳር ክህልዎ ብምግባር ናይቶም ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸገም ንምፍታሕ ዘኽእል ሓሳባትን ሓበሬታን ምልውዋጥ ምትብባዕን ሰብኣውነት ዘስፍሕ መምርሕታት ምትብባዕን ምስፋሕን ከም ዘድልን፥

ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምስፋህ ህይወት ምቕያር

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣገዳስን መሰረታውን ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወጻኢ ንዝመዛበሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ብርግጽ ኣገዳሲ እዩ። ነዚም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝቐርብ ሓገዝ ኩለንተናዊ ክኸውን ከምዘለዎን እቶም ዝሕገዙ ገዛእ ርእሶም ናብ ዝኽእልሉ መገዲ ምስናይ የድሊ። ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ህንጸትን ኣብ ሓዳሽ ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተዋሳእቲ ክኾኑ ምሕጋዝን እዚ እውን ናይ ሰላም ባህሊ ብምህናጽን ብምስፋሕን መደብ ክስነ ከም ዘለዎ እቲ ዓውደ ኣኼባ ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰበ ይሕብር።

05 July 2023, 15:54