ድለ

ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ሽወደን፥ ኣብ ስቶኮልም ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ይኹንን! ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ሽወደን፥ ኣብ ስቶኮልም ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ይኹንን!  (AFP or licensors)

ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ሽወደን፥ ኣብ ስቶኮልም ዝተፈጸመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ይኹንን!

“ከም ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን መጠን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ እምነቱ ናይ ምንባር መሰሉ ነኽብርን ንኸላኸልን - ቁርዓን ምንዳድ ኮነ ኢልካ ናይ ኣስላም እምነትን መንነትን ምጥሓስ እዩ፡ እንተኾነ ግን ከም ሓደ . . . ኣብ ልዕሊ ኩላትና ናይ እምነት ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን እዩ!

ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ጨንፈር ሽወደን ዕለት 28 ሰነ ኣብ ስቶኮልም ኣብ ኣፍደገ ዓቢይ መስጊድ ዘጋጠመ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ፍጻመ ዝተሰምዖ ሓዘንን ከምኡ እውን ምስ ማሕበረሰብ ኣስላም ዘለዎ ቅርበት ኣረጋጊጹ፥ “ኮነ ኢልካ እምነትን መንነትን ኣስላም ዝጥሕስን ኣብ ልዕሊ ምእመናን እስላም ዝተፈጸመ መጥቃዕትን እዩ” እንክብል ነቲ ዝተፈጸመ ተግባር ከም ዝኾነነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 28 ሰነ ኣብ መላኣ ዓለም ቤተ እስላም ዝኽሪ መስዋዕቲ ኣብርሃም ንምኽባር ዒድ ኣል ኣድሃ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ በዓል ኣብ ዘብዓለሉ እዋን ሓደ ወዲ 37 ዓመት ዒራቅዋው መበቆል ዘለዎ ዜጋ፡ ስቶኮልም ኣብ ዝርከብ ዓቢይ መስጊድ ደገ “ቁርዓን ቀዳዲዱ ደሓር እውን ብሓዊ ከም ዘንደደን፡ እዚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዓመጽ ዝመልኦ ግብረ መልሲ የስዕብ ከምዘሎን፥ ኣብ ዒራቕ ናይ ሽወደን ልኡከ መንግስቲ ህንጻ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከም እተኻየደን ናብቲ ህንጻ እውን ጥሒሶም ከም ዝኣተዉን እቲ ነቲ ኩኑን ተግባር ዝፈጸመ ዒራቓዊ መበቆል ዘለዎ ሽወደናዊ ሳልዋን ሳባህመቲ ሞሚካ ብዓሌታውን ብሔራውን ጽልኢ ብዝብል ገበን ክሲ ከም ዝቐረቦን፥ ባዕሉ ንጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ “እቲ ዝፈጸምክዎ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ዝተፈጸመ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሎዕሊ ዓመጽን ቅትለትን ዘነቓቕሕ መጽሓፍ ዘሎኒ ተቓውሞ ዝገልጽ እዩ” ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥

ጸረ ሃይማኖታዊ ተግባር እዩ!

ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ኩኑንን ፍንፉንን ተግባር፡ ኣብ ሽወደን ጨንፈር ባይቶ ኣቢያተ ክርስያን ዓለም ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፥ “ከም ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን መጠን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ እምነቱ ናይ ምንባር መሰሉ ነኽብርን ንኸላኸልን - ቁርዓን ምንዳድ ኮነ ኢልካ ናይ ኣስላም እምነትን መንነትን ምጥሓስ እዩ፡ እንተኾነ ግን ከም ሓደ . . . ኣብ ልዕሊ ኩላትና ናይ እምነት ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን እዩ! ስለዚ ምስቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘሎና ቅርበት ነረጋግጽ፡” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘስመረሉን፥ እቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ሽወደን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ስቶኮልም ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣንደርስ ኣርቦሬልዮስ፥ ኣብ ሽወደን ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ማርቲን ሞደውስ ናይ ሉተራናዊ ምንቅስቓስ መራሒ ላሰ ስቨንሶን ኣብ ሽወደን ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ በንያሚን ዲዮስኮሮስ ኣታስ ኣብ ሽወደን ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ዋና ጸሓፊት ሶፊያ ካመሪን ክታም ዝተነብሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መራሔ መግንስቲ ሽወደን፥ ናብ ልብና ክንምለስ ይግባእ!

ናይ ሽወደን መራሔ መግንስቲ ኡልፍ ክሪስተርሶን እውን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብ ሽወደን ብሓቂ ናብ ልብና ክንምለስ የድሊ” ቢሎም፥ ኣብ ሽወደን ካብ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዙ ጸረ ቁርዓን ዝኣመተ ሰልፍታት ይካየድ ከም ዘሎን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ፊት ህንጻ ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ቱርኪ ተመሳሳሊ ቁርዓን ናይ ምንዳድ ተግባር ከም እተፈጸመን ብዙሕ ጸገም እውን ከም ዘስዓበን ነዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተፈጸመ ኩኑን ተግባር እዚ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ክህሉ ይኽእል ብዝብል ፍርሒ ከይካየድ ዝብል ሓሳብ ዘይቅቡል እንክብል፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ፍቓድ ሂቡ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

04 July 2023, 15:49