ድለ

2019.07.12 ፓትሪያርክ ሳኮ ንርእሰ ብሔር ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ካብ ባግዳድ ከግዕዙ ምዃኖም ይሕብሩ 2019.07.12 ፓትሪያርክ ሳኮ ንርእሰ ብሔር ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ካብ ባግዳድ ከግዕዙ ምዃኖም ይሕብሩ 

ፓትሪያርክ ሳኮ ንርእሰ ብሔር ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ ካብ ባግዳድ ከግዕዙ ምዃኖም ይሕብሩ

"ካብቲ ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ መንበር ፓትርያርክ ናብ ቤተክርስትያን፡ ተልእኾ፡ ናብ ሓደ ካብ ገዳማት ዒራቕ ኩርዲስታን ናብ ዝኾነ ገዳም" ከግዕዙ

ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ሳኮ ፓትሪያርክን መራሒ ካቶሊካዊት ከለዳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዒራቕን “ባቕዳድ ካብ ዝርከብ መንበሮም ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ብዝብል ዕላማ ናብ ሓደ ናይ ዒራቕ ኩርዳውያን ገዳማት ከግዕዙ ከም ዝወሰኑ” ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ሉዊስ ራፋኤል ሳኮ፡ ፓትርያርክ ባቢሎን ከለዳውያን፡ "ካብቲ ኣብ ባቕዳድ ዝርከብ መንበር ፓትርያርክ ናብ ቤተክርስትያን፡ ተልእኾ፡ ናብ ሓደ ካብ ገዳማት ዒራቕ ኩርዲስታን ናብ ዝኾነ ገዳም" ከግዕዙ ከም ዝወሰኑ ብግልጺ ኣፍሊጦም።

እዚ ቐዳም 15 ሓምለ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ መንበረ ፓትርያርክ ከለዳውያን ብቋንቋ ዓረብኛ ዝተዘርግሐ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፥ ርእሰ ብሔር ዒራቕ ዓብደል ላቲፍ ራሺድ፡ ነቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ብናይ ቀደም ርእሰ ብሔር ዒራቕ ጀላል ጣላባኒ፡ እዚ ድማ ካርዲናል ሳኮ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ከለዳውያን ምዃኖም ኣፍልጦ ዝህብ ኣዋጅ ከም ዝሰረዙን ነዚ ውሳኔ እዚ ፓትሪያርክ ሳኮ "ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣስዒቦም እውን “ስቕታ መንግስቲ” ኣብ ልዕሊ ነቲ ፍጻመን ስቓይ ማሕበረሰብ ክርስትያንን ዘጉልሕ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ መንበረ ፓትሪያርክ ጠቒሱ የመላኽት።

18 July 2023, 15:43