ድለ

2023.07.12 መለካዊ ፓትሪያርክ ዩሰፍ ኣብሲ 2023.07.12 መለካዊ ፓትሪያርክ ዩሰፍ ኣብሲ 

ዝኽሪ መበል 300 ዓመት ውህደት መለካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያን ሮሜ

ኣብ 1724 ዓ.ም. ፓትሪያርክ ሲሪል ሻድሻይ ናብ ኣንጺዮኪያ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ክርስትና ዝነበረ ሕብረት ቤተ ክርስቲያን መለካዊት ምስ ሮሜ ዳግማይ ኣረጋገጹ

ናይ መለካዊት - ግሪካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዩሱፍ ኣብሲ፥ መለካዊት ግሪካዊት ካቶሊካዊት ምስ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ዝተገብረ ምሉእ ቁርባናዊ ውህደት ዳግማይ ንምጽምባል 2024 ዓ.ም. ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ምዃኑ ዕለት 12 ሓምለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓበሬታ ጠቑሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2024 ዓ.ም. መለካዊት ግሪኻዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መበል 300 ዓመት ምሉእ ውህደት ምስ ቤተ ክርስቲያን ሮሜ ንምዝካር ፍሉይ ዓመት ኢዮቤል ከተብዕል ትዳለው ከም ዘላን፥ እቲ ውህደት ኣብ 1724 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ምዃኑ ናይ መለካዊት ግሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዩሱፍ ኣብሲ ኣብ ከተማ ራቡኤ ኣብ ዝርከብ መንበር ፓትሪያርክ ዘኣንጽዮኪያ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ ዝበለ ዜና ቫቲካን፥ ፓትሪያርክ ኣብሲ፥ “ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን መጻእን መገዲ ቤተ ክርስቲያንና ተልእኾኣን ከየስተንተንና እዚ ዝኽሪ እዚ ክሓልፍ ኣይንደልን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዕለት 11 ዝኽፈት ኢዮቤል

“ናይ ግሪኽ-መለካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኵላዊ ጉዕዞ 1724 – 2024 ዓ.ም.” ብዝብል ኣርእስቲ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ፓትሪያርካዊ ካቴድራል ደብረ ዕረፍታ ለማርያም ብፓትሪያርክ ብዝስራዕ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 11 ሕዳር ክኽፈት እዩ።

ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ምእመናን ዘለውዋ መለካዊት ግሪኻዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብተን ምስ ሮማ ሕብረት ዘለወን ዓበይቲ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እያ፡ መሰረታ ድማ ካብቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ መጀመርታ ክርስቲያን ዝተበሃሉላ ጥንታዊት መንበረ ጳጳስ ዘኣንጽዮኪያ ዝተበገሰ ምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝጀመረ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን መለካዊት

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ፓትሪያርክ ዩሱፍ ኣብሲ እውን ነቲ ኣብ ታሪኽ ካብ ቀዳማይ ስብከተ ሓዋርያት ዝተወልዱ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ዝመቓቐሉ ቲዮሎጊያዊ ክትዓት ዘስዓቦ ምፍልላይ ዘኪሮም፥ ንውሳኔታት ጉባኤ ቄልቀዶን 451 ዝተኸተሉ ክርስቲያናት ካብታ ንጉስ ዝብል ጥንታዊ ሶርያዊ ማልኮ ዝብል ቃል መሰረት ገይሩ “ሰብ ንጉስ -  መለካውያን’ ተባሂሎም ይጽውዑ ከምዝነበሩን እዚ ድማ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ንጉስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ድሕሪ ምቕባሎም ስዒቡ ዝተወሃበኒ እዩ” እንክብሉ ድማ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ምዕራባውያን ካቶሊካውያን ልኡካነ ወንጌል፥ “ነቲ ዝተፈጥረ ምፍልላይ ንምፍዋስ ኣብ መንጎ ፓትሪያርክ ኣንጽዮኪያን ሮሜን ዝድለ ሓድነት ንምምላስ ይጽዕሪ ነይሮም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዳግማይ ምጥርናፍ ምስ ሮማ ኣብ 1724 ዓ.ም.

እዝ ጻዕሪ እዚ ናብ “ናይ ዳግመ ውህደት ምንቅስቓስ” ዓቢዩ፡ እዚ ድማ ምስ ካልኦት ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣንጽዮኪያ ካልእ ምፍልላይ ኣስዓበ፡ ኣብ 1724 ዓ.ም. ፓትሪያርክ ሲሪል ሻድሻይ ናብ ኣንጺዮኪያ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ክርስትና ዝነበረ ሕብረት ቤተ ክርስቲያን መለካዊት ምስ ሮሜ ዳግማይ ኣረጋገጹ፥ ካብ ሽዑ ጀሚራ፥ “መለካዊት” ቤተ ክርስቲያን ኣንጽዮኪያ ብወግዒ ኣብ መንጎ ግሪካዊት ኦርቶዶክሳዊት (ምስ ሮማ ዘይሓበረት)ን ግሪኻዊት ካቶሊያዊት ቤተ ክርስቲያን (ምስ ሮማ ዝሓብረት) ብዝምል መጸውዕ ናብ ክልተ ተኸፍለት፡ ምስ ግዜ “መለካዊት” ዝብል ቃል ምስ ካቶሊካውያን ጥራይ ክተሓሓዝ ድማ ጀመረ። ዋላ’ኳ ምፍልላይ እንተሃለወ “ኣቢያተ ክርስቲያን ኣንጽዮኪያ ናይ ክርስትያናዊ እምነት ናይ ምዕቃብ ተልእኾኣን ፈጺመን ንኹሉ እቲ ዝሓለፈኦ ወሳኒ ህሞታት ሰጊረንኦ እየን” ይብሉ ፓትሪያርክ ኣብሲ፡ ሎሚ ድማ “ሳላ ሎዕል እግዚኣብሔር ፍቓድ ናይቶም ሓላፍነት ዝስከሙን ኣብ መንጎ ቤተ ክርትያንናን ኣሓት ኣቢያተ ክርስቲያናትን ዘሎ ዝምድናታት ሓድሕድዊ ምክብባርን ሕውነታዊ ፍቕርን ምትሕብባርን ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ወንጌል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ምእመናንና ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ፍሉይ ዕድል ኣለዎም። ዝተፈላለያ ቤተ ክርትያን ኣብ ትሕቲ ናሕሲ ሓንቲ ቤተ ተኣኪበን ናይ ክርስቶስ ምዃነን ንጹር ምስክርነት ይህባ’ ከምዝበሉ ፊድስ ናይ ዜና ኣገልግት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጀካ እቲ ንሓድነት ዝግበር ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንክርስቲያን ማሕበረሰባት ብዝያዳ ዘራኸበ ረቛሒ፥ እቲ ብኢድ እስላማዊ መንግስቲ ጅሃዳዊ ዕጡቓት ሓይሊ ዝወረዶም ስደት ድማ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።

መለካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም

መለካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያ፡ ሊባኖስን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ንጥፍቲ ኮይና ብሰንኪ ስደት ኣብ ዝዓለፈ ዓመታት ግን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እስያን ኦቻይናን እውን ከም እትርከብን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኤጳርቅና ነውቶን፡ ማሳቹስትስ ልዕል 50 ዝኾና ቁምስናታት ከም ዘለዋን፡ እቲ መደብ ኢዮቤል፥ መስዋዕተ ቅዳሴን መጽናዕታውን ጉባኤታትን ሕትመታትን ዓሚቝ ቲዮሎግያዊ መጽናዕትታትን ዓውደ ጉባኤታትን ከምኡ እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብማሕበረሰባት መለካውያን ዝተዓቀበ መንፍሳውን ስነ ጥበባውን ውርሻታት ዝምልከት ምርኢት ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።

13 July 2023, 15:23