ድለ

ካቶሊካውያን መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን ይሰናደዉ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን ይሰናደዉ  (AFP or licensors)

ካቶሊካውያን መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን ይሰናደዉ

ቅዱስ ኣቦና፥ “ካብ ገዛእ ርእስኹም ክትወጹን ንጻውዒት ጐይታ ብሓድሕድ ርክብን ምትብባዕን ምስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ሓቢርኩም መልሲ ክትህቡን ይዕድሙ”

ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንምስታፍ ልዕሊ 300 መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ካብ ሕሩይ ካርዲናል ስተፈን ቾው ሳው ያን ፍልዩ እምነት ናይ ምክፋል ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ከም እተቐበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕሩይ ካርዲናል ናይ ሆንግ ኮንግ ሊቀ ጳጳሳት ኢየሱሳዊ ካህን ስተፈን ቾው ሳው ያን ንኣስታት 300 መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን፥ እምነቶም ንኸካፍሉ ናይ “ልኡካነ ወንጌል ዕማም” ከም ዝሃብዎምን እቶም መንእሰያት ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዝሳተፉ ከም ዝኾኑን፥ እቶም ካብ ሆንግ ኮንግ ዝመጹ 300 መንእሰያት ካብ ዝተፈላለለያ ሰበኻታት ሆንግ ኮንጎን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርትን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ዝተዋጽኡ ኮይኖም፡ ኣብ 14 ጉጅለ ከም እተወደቡን ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ብሓደ ዝተመዘዘ መንእሰይ ዝምራሕን ንሱ ድማ ኣብ እዋን ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሕግዞም እዩ።

ኣብ ሱታፌ እምነት ምክፋል

ሕሩይ ካርዲናል ቾው ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቶም መንእሰያት ነቲ ተልእኾ ንምሃብ ኣብ ጽንሰታ ለማርያን ካቴድራል ሆንግ ኮንግ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ብኽፉት ልቢ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ ዓዲሞም፥ ቅዱስ ኣቦና፥ “ካብ ገዛእ ርእስኹም ክትወጹን ንጻውዒት ጐይታ ብሓድሕድ ርክብን ምትብባዕን ምስ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ሓቢርኩም መልሲ ክትህቡን ይዕድሙ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም፥ መንእሰያት ሆንግ ኮንግ ኣብ ቅዱስ ቅሩባን ዘለዎም እምነት ምስቶም ኣብ ሊዝበን ዝመጹ መንእሰያት ዓለም ሓቢሮም ክነብሩን እምነት ከካፍሉን ድማ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንግደት ኣብ መላእ ኤውሮጳ

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ እቶም 14 ጉጅለ ናብ መንበረ ታቦት ቀሪቦም ሓለዋ ቅድስተ ድንግል ማርያም ተማሕጺኖም፥ ከምቲ ንሳ ንጸዋዕታ ኣምላኽ ብትሕትና ዝመለሰት ንጐይታ ኣብ ምስዓቦም ካብኣ ክመሃሩን ከም ዝጸለዩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም 300 መንእሰያት ብማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዘጓዳሉፐ ካህን ናይ ሰበኻ ሆንግ ኮንግ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳያት ሓላፊ ኣባ ፍሩክቱዎሶ ልፖአዝ ማርቲን ዝምርሑን ምስኦም እውን ካልኦት ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ዘገልግሉ ካህናት ክሓብሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቶም 300 መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ምስቶም ካልኦት 600 ሺሕ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ዝተመዝገቡ ኣብ ዙርያ ር.ሊ.ጳ. ክሓብሩን ናብ ሊዝበን ዝገብርዎ ጉዕዞ በቲ ካሚኖ ደ ሳንያጎ ዝፍለጥ መንፈሳዊ ንግደት ናብ ቅዱስ ያዕቆብ 100 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ጉዕዞ ዝጅምሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተፈላለዩ መካነ መቕደሳትን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ኤሰንን ክበጽሑ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ሆንግ ኮንግ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትያን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ልእኽቲ ኣደ

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መናሰያት 2023 ዓ.ም. “ማርያም ተንሲኣ ብታህዋኽ ከደት” ዝብል ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 1, 39 ዝተወስደ ቃል ወንጌል ዝምራሕ ከም ዝኾነን፡ ኩሎም መንፈሳውያን ነጋዶ መንእሰያት ካብቲ ኣብነት ማርያም ልኡካነ ወንጌል ናይ ምዃን ኣስተንፍሶ ክረክብ ከም ዝኽእልን ከመይሲ ንሳ (ማርያም) ኣደ ወልደ እግዚኣብሔር ክትከውን እያ ዝብል መልእኽቲ ገብርኤል መልኣኽ ምስ ተቐበለት ብታህዋኽ ንኤልሳቤጥ ከተገልግላ ከም ዝኸደትን እዚ ድማ ተልእኾ ዘስምዕን ዝነብርን ማለት ምዃኑ ሕሩይ ካርዲናል ቾው ኣብ ዘስሞዎ ስብከት ገሊጾም፥ “ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ኣብነት ማርያም ንስዓብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 July 2023, 17:05