ድለ

ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ፥ “ኣብ ትውፊት ተሰሪትና ብሓባር ንመላለስ” ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ፥ “ኣብ ትውፊት ተሰሪትና ብሓባር ንመላለስ” 

ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ፥ “ኣብ ትውፊት ተሰሪትና ብሓባር ንመላለስ”

“እቲ ሲኖዶስ ኣብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያንብ ኣብ ትምህርት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንብ ሰሪትና ብሓባር ክንመላለስ መታን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ዝሓተናን ኩሉ ክንርዳእ ዝሕግዘና ህሞት እዩ። እዚ ኸኣ ናይቲ ዝተቐበልናዮ ጥምቀት ሓባራዊ ውርሻ እንካፈለሉ ጉዕዞ እዩ”

ኣብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ካብቶም ጳጳስ ዘይኮኑ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ካብ ዘለዎም ተጋባእያን ሲኖዶስ ሓደ ኣባ ያን ኖዎትኒክ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ዕቱብነት ናይዚ ህሞትን ንናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ከም ብሓድሽ ክስምዑ ዝድኽር ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ” የጉልሑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ናይ ሓዋርያዊ ተልእኾ ጉዳያት ዋና ሓላፊ ኣባ ያን ኖውትኒክ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝሳተፉን ሓደ ካብቶም ጳጳስ ዘይኮኑ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎም ብምዃኖም ዝተሰዖን ሓጎስን ሓላፍነትን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እዚ ኣብ ታሪኽ ቤት ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘይኮኑ ድምጾም ዝህብሉ ናይ መጀመሪያ ጉባኤ ሲኖዶስ ምዃኑ እውን የዘኻኽሩ።

ምድላዋት

ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሲኖዶስ፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ተሳተፍትን ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ዘለዎምን ኣብ ዘውጸኦ ዝርዝር ስሞም ምርኣዮም፥ ክብርን ፍልዩ መሰል እውን እተተሰመዓኒ ብመንጽር ስነ ኣቅለስያዊ ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳስን ዕቱብን ህሞት ምዃኑ” እኣምን፥ ከቢድ ሓላፍነት ዝመልኦ ህሞት እውን እዩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣዚየ ኣበርቲዐ ክጽሊ ጥራይ ዘይኮነስ ጸሎት ናይቶ ነቲ መስርሕ ዝድግፉ እውን እሓትት” ኢሎም።

ትርጉም ናይቲ ፍጻመ

ናይቲ ዝመጽእ ጉባኤ ሲኖዶስ ረብሓ እንታይ እዩ?  እቲ ረብሓ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብቕዋማዊ መገዲ ሲኖዳውነት” እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ክትህሉ ዘበገስዎን ዘረጋግጽዎን ዘለዉ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ መደብ ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ሲኖዶስ ማለት ከም ግዜ ዝፍጸም ፍጻሜ ዘይኮነስ ከም ሓደ ቀጻሊ መገዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ዝጥርንፍ ምዃኑ ክሕሰብ ይግባእ፥ ንሓድሕድና ክንሰምዕ ብፍላይ ድማ ብጸሎትና ብቕዱስ መጻሕፍቲ ብቕዳሴን ብናይ ነንሓድሕድና ዘተ ንቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንዛረብን ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ክንሰምዕ ኮለናን ንናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ከም ብሓድሽ ክንሰምዕ ንኽእል” ኢሎም።

ክሳብ ሕጂ ዘሎ መስርሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እዋናዊ ዛዕባታት ናብ ብርሃን ከም ዘምጽእን ገለ ካብዚኦም እውን እወታዊ ክኾኑ እንከለዉ፡ ንሓድሕድና ንምግልጋል` ዘሎና ድሌትን ዘነቓቕሕን መንስእሰያትን ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሳዕቤናት ጾታዊ ዓመጽን ንገዛእ ርእሱ ኣስተንፍሶ እውን እዩ!”

ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝነበረ ትሑት ድሌት

“ገለ ሰባት ንሲኖዶስ ይፈርሑ፥ ሲኖዳውነት የፍርሖም! ምስቲ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ምጽማድ ዝኸብዶም” ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ፡ “እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ፥ ኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝስምዓሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብጭቡጥ ዝስምዓሉ ህሞት ከም ዝኸውን” ዘለዎም ተስፋ ድማ ገሊጾም . . . ኣብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ኩሎም ብሓቂ ክጽልዩን ክሓብሩን ኣገዳሲ እዩ . . . ኣብዚ ኣገዳሲ ህሞት እዚ መንፈስ ቅዱስ ባዕሊ ክመርሓና እዩ!”

“እቲ ሲኖዶስ ኣብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያንብ ኣብ ትምህርት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንብ ሰሪትና ብሓባር ክንመላለስ መታን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ዝሓተናን ኩሉ ክንርዳእ ዝሕግዘና ህሞት እዩ። እዚ ኸኣ ናይቲ ዝተቐበልናዮ ጥምቀት ሓባራዊ ውርሻ እንካፈለሉ ጉዕዞ እዩ” ኣንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

13 July 2023, 15:21