ድለ

ኣብ ኣሲዚ ‘ደንበ ፍራንቸስኮ’፥ ሕውነት ማእከል ስርዓት ኩሉ ክኸውን ኣብ ኣሲዚ ‘ደንበ ፍራንቸስኮ’፥ ሕውነት ማእከል ስርዓት ኩሉ ክኸውን  (Jozef Bartkovjak)

ኣብ ኣሲዚ ‘ደንበ ፍራንቸስኮ’፥ ሕውነት ማእከል ስርዓት ኩሉ ክኸውን

ሎሚ ብዛዕባ ሕግታት ምዝራብ ናይ ብሓቂ ብድሆ እዩ፡ እቲ ብውሑድ ብብዙሕ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ዕንቅፋትን ደረት ዝመስልን ገይሩ ዝስምዖ

ኣብ ኣሲዚ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ታሽዓይ ሕታም “ደንበ ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ቀዋም ፍራንቸስካውያን፥ ሕውነት ካብ ክፍሊ ንዋየ ቅዱሳን ወጺኡ ከመይ ገይሩ ባህሊ ክኸውን ኣብ ዝብል ዕላማ ኣተኩይሩ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ዘተ ዝድግፍ ኣብቲ እዋን ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል መጸውዕ ዝተበገሰ ባህላውን መንፈሳውን መድርኽ መሰረት ገይሩ ዝተነቓቐሐ “ደንበ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ” ምሁራትን ተራ ሰባትን ሙያተይናታትን ስነ ጥበባውያንን ወከልቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሰብ ትካላትን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን ጋዜጠይናታት ዝውክሉ ዘራኽብ ባህላዊ መድርኽ ለምዘበን ካብ ዕለት 14 – 16 መስከረም 2023 ዓ.ም. ኣብ ኣዚሲ “ኣብ ስርዓት ምህላው” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ምስ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ቅዋመ ሕጊ ፍራንቸስካውያን ተተሓሒዙ፥ “ነቲ ኩላትና ብደረጃ ውልቀ ሰብን ብማሕብራዊ ደረጃን እንናፍቖ ባህ ዘብልን ጽቡቕን ህይወት ዘውጽኦ ሕግታት ንኸነስተንትነሉ ኣጋጣሚ ከም ዝኸፍተልናን እዚ ኸኣ ብዓይኒ ሓባራዊ ሰናይን ሰላምን ሓድነትን ክርአ እንከሎ ናይ ሓቂ ንማሕበራዊ ዕብየት መሰረት ምዃኑ” ዝምስከረሉ መደብ ከም ዝኾነ መግለጺ ኣዳውለውቲ ደንበ ፍራንቸስኮ ዘውጸኦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቅዱስ ፍራንቸስኮ እቲ ሕጊ ‘ወንጌል’ እዩ

ሎሚ ብዛዕባ ሕግታት ምዝራብ ናይ ብሓቂ ብድሆ እዩ፡ እቲ ብውሑድ ብብዙሕ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ዕንቅፋትን ደረት ዝመስልን ገይሩ ዝስምዖ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሕጊ ከመይ ክንርእዮን ከመይ ጌርና ክንቅበሎን ከምዘሎና ነቲ ንሱ ዝመስረቶ ማሕበር ዘውጽኦ ሕጊ ብኸመይ ከም ዝተቐበሎን ከመይ ከም ዝርእዮም ዝመርሓና ምዃኑ ናይ ኣሲዚ ፍራንቸስካውያን ገዳም ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ሓው ጁልዮ ቸዛረዮ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩን እዚ ድማ ባዕሉ ፍራንቸስኮ፥ ሕጊ መነኮሳት ፍራንቸስካውያን ወንጌል እዩ” ብምባል ዝገለጾ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕውነት ከም ባህልን ማሕበራዊ ህይወትን

እቲ ዓውደ ጉባኤ ምሁራን፥ ሕጋውነት፡ ስነ ህይወት፡ ቁጠባ፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ ዝምልከት ኣርእስታት መሰረት መደረ ከስምዑን ስዒቡ እውን ተጋባእያን ብጉጅለ ተመዳዲቦም ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ ከካይዱን፥ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝላበዎ ሕውነት ብሰፊሕ ምስቲ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ዓቢይ ኣርእቲ ብምትሕሓዝ ኣስተምህሮ ከም ዝቐርብን፥ ሕውነት ባህሊ ንምግባር፥ ሰብ ናብ ካልኦት ዘብለሉ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ “ኩላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝምዕድዎ ማሕበራዊ ሕውነት ከም ክርስቲያን ብምንባር ከነስፍሖ ዝተጸዋዕና ምዃንና ብምስትውዓል እታ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ‘ሰብኣውን ማሕብራውን’ ቅርጺ እንታይ ይመስልን ብኸመይ ክቐውም ከምዝኽእልን” እቲ ዓውደ ጉባኤ መገዲ ንምሕባር ዝኸፍት ምዃኑ ሓው ቸዛረኦ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሕግታት ንሕውነት ይከላኸሉን የስፍሑን

ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ምህላው ናብ ዝብል ጉዳይ ክንምለስ፥ ሕውነትን ሕግታትን ተጻረርቲ ከምዘይኮኑ ከምዘይነጻጸጉን፥ በንጻሩ “ምኽንያቱ ሕግታት ናይ ሓባር ኣገባብ ምርኣይ ህይወትን ብሓባር ምሃንጽን ክህሉ ዝድግፍ ክኸውን ስለ ዘለዎ፡ ሕግታት ረቒቕ ኣይኮነን፡ ንሓድሕድና እንከላኸለሉን ህይወትና ኣብ ዝምድናታት ክነደንፍዓሉን ዝሕግዝ መገዲ እዩ፡ ስለዚ ንሕይውነት ዕንቅፋት ኣይኮኑን፡ ብኣንጻሩ ብልክዕ ሓደ ካብቶም ባእታታት እዮም . . . ንዕኡ ዝከላኸሉን ዝምጽኡን” እያቶም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 July 2023, 16:00